ር.ሊ.ጳ.፥ ኵሉ ኣብ ጸሎት መቝጸሪያ ክሓብር ዳግም ይዕድሙ

ለምዘበን እውን ኣብዛ ወርሒ ግንቦት እዚኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብናይ እምነትን ተስፋን ናይ ሰንሰለት ቀለበት ኮይኖም ብሓባር የዕንቶም ናብታ ዑቕባን ጸግዒን ናብ ዝኾነ ኣደ ከንብሩ እያቶም

ዕለት 5 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቕዑ፥ ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፖምፐይ ዝርከብ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ በማላድነት ማርያም ዝቐርብ ጸሎት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኵሎም ምእመናን ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ወርሃ ማርያም’ዚ ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ብሓብር ኣብ ዝቐርብ መዓልታዊ ጸሎት መቝጸሪያ ንኽሓብሩ ከምዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 2 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ካብ ሓዋርያዊ መንበሮም መስኮት ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ መንፍሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎት ንግስተ ሰማያት ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወርሒ ግንቦት ንማርያም ብፍሉይ ዝውከፍ ምዃኑ የዘኻኽሩ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጸገምን መከራን እንክንርከብ ናብ ኣደና ንጥምት! እንክብሉ እውን ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ኣብ ኵለን ሃገራት ዝርከባ ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ብሁባሬ እቲ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕ እግዚኣብሔር ካብዚ መዓት እዚ ኸናግፈና ነዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገበረ  መቑጸርያ ይዓርግ ከምዘሎን ቅዱስነቶም ዕለት 1 ግንቦት ካብ ባዚሊካ ሃገረ ቫቲካን ብዝመርሕዎ ጸሎት መቑጸሪያ ከምእተበገሰ ቅድም ክብል ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 5 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

ኣብዛ ወርሒ ግንቦት እዚኣ በተን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ብዝርከባ ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ተመሪሕና እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቕዕን ማሕበራውን ናይ ዕዮን ንጥፈታትን ከም ብሓድሽ ክንገስ ጸሎት መቝጸርያ ክንደግም ኢና፡ ሎሚ (ዕለት 5 ግንቦት) ነቲ ናይ ጸሎት መቝጸሪያ እትመርሕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ናምያንግ እትርከብ ቤተ መቕደስ ማርያም ዘሮዛሪየም እያ፡ ኣብቲ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት መቝጸሪያ ብፍላይ ምእንቲ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን በጽሒ ወለዶን ክንልይ ኢና!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብዛ ወርሒ ግንቦት እዚኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ተፈልየን ብዝተሓበራ 30 ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ በቢ ተራ ነቲ ዝቐርብ ጸሎተ መቝጸርያ ከምርሓ ከምዝኾናን ዕለት 31 ግንቦትካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝመርሕዎ ጸሎት መቝጸሪያ ክዕጾ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጸሎት መቝጸሪያ ዘመን ተሳጋሪ ኣብ መላእ ዓለም ዝዓርግ ጸሎት እዩ። ንልዕሊ 3 ሚሊዮን ሰባት ዝቐተለን 150 ሚሊዮን ዝለኸፈን ኤኮኖምን ናይ ስራሕ ዓለም ዘልምስን ዘሰናኽልን ዘሎ ገና ዘይጠፈኤ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዓለም ካብ ተኸስተ ሓድሽ ለውጢ ዘተኣታተወ ለብዒ ተኣፋፍያንን ተማራኾስትን ከምዝኾናን ዘረጋገጸ ምዃኑን ካብዚ ቅልውላው’ዚ ከምቲ ዝነበርናዮ ኰይና ዘይኮነ ወይ ዝሓሹ ወይ ከኣ ዝገደደ ኮይና ኢና እንወጽእ እንክብሉ ደጋጊሞም ቅዱስነቶም ገሊጾም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ እቲ ኣብዚ ወርሃ ማርያም ዝድገም ጸሎት መቕጸሪያ በማላድነት ማርያም እግዚኣብሔር ካብዚ መዓት’ዚ ንኸናግፈና ዝቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጸሎት ምህለላ ፖፐይ ንጸንበር

ዕለት 30 ግንቦት እቲ ጸሎት መቑጸርያ ኣብታ ናይ ጸሎት መቝጸርያ ሓዋርያ ተባሂሉ ዝተሰምየ ባርቶሎ ሎንጎ ማርያማዊ መንፈሳውነት ብዘነቓቓሓሉ ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ንተጠቀምቲ ቋንቋ ጣልያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ኣብቲ ዕለት 8 ግንቦት ዝፍጸም ናይ ፖምፐይ ጸሎት ምህለላ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ክሓብሩ ምስ ዓደሙ ኣስዒቦም ንቋንቋ ፈረንሳ ተጠቐምቲ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተግባር እንከዘኻኽሩ ንቋንቋ ፖላንድ ተጠቐምቲ ምእመናን ናይታ ኣብ ናይ ሃገሮም ኣደባባያትን ኣባይትን ናይ ዝርከብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ጽባቔኣን ፍቕራን ሰናይነታን ንኸስተንትኑ ዓዲሞም፡ “ቅድስቲ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ መዓት ለብዒ ናጻ ተውጽእ፡ ኣባይቲ ስድራኹምን ሃገርኩም ናብ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ትምራሕ”  ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ እምነት መልእኽተይና

ኣኽብሮት ንድግል ማርያም ካብ ዘመናት ኣትሑዙ ብውልቅን ብማሕበረሰብን ብከናፍርን ልብን ክርስቲያ ዝድገምን ዝጽለይን ኣብ 2020 ዓ.ም. ዕለት 30 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ በዓቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድስ ኣብቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ጸሎት ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘሰናደዎ መደብ ጸሎት ተረኺቦም እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ በማላድነት ቅድስቲ መርያም ከናግፈና ከምእተጸለየን ለምዘበን እውን ኣብዛ ወርሒ ግንቦት እዚኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብናይ እምነትን ተስፋን ናይ ሰንሰለት ቀለበት ኮይኖም ብሓባር የዕንቶም ናብታ ዑቕባን ጸግዒን ናብ ዝኾነ ኣደ ከንብሩ እያቶም።

06 May 2021, 13:34