ብትሑት ልብን ብትዕግሥትን ንዝቀርብ ጸሎት እግዚአብሔር ወትሩ ይሰምዖ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ኢያኢሮስ ዝስሙ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ ።ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። ምስኡ ድማ ኸደ፡ . . . ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ አሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። ኢየሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ።’ (ማር 5,22-24.34-36)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ጸሎት ዘጋጥመና መሠረታዊ ተቃውሞ ኣሎ። እዚ ከኣ ንኩልና ካብ ዘጋጥም ተመኲሮ ዝመጸ እዩ። ብዙሕ ግዜ ንጽሊ ንልምን እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ጸኦታትና ፈጺሞ ከይተሰምዑ ዝተርፉ ይመስለና። እንተስ ንገዛእ ርእስና ይኹን እንተስ ንካልኦት ኣብ እንጽልየሉ መልሲ ኣይንረክብን። ንሕና ኩልና ብዙሕ ግዜ እዚ ተመኲሮ እዚ ኣሎና። ዝገደደ ከኣ እቲ ስለኡ እንጽልዮ ጉዳይ ሠናይ ነገር ምስዝኸውን ንኣብነት ስለ ጥዕና ሓደ ሕሙም ወይውን ሓደ ውግእ ደው ክብል እነዕርጎ ዘሎት ክከውን ይኽእል። እዚ ከይተሰምዔ ምስ ዝተርፍ ክዕንቅፈና ይኽእል። ንኣብነት ውግእ እንተወሰድና ንሕና እዚ ኣብ  ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ኣብ የመንስ ይኹን ኣብ ሶርያ ንዓመታት ዝጸንሔ ውግእ ንሃገራት ዘዕነወ ውግእ ኩሉ ደው ክብል ንጽሊ። እንተኾነ እቲ ውግእ ገና ይቅጽል ኣሎ። ስለምንታይ እዩ እዚ ኰይኑ ኢልና እንተሓተትና፡ ትምህርተ ክርስቶስ ቊ.2734 ‘ገሊኦምም ጸሎቶም ፈጺሙ ኣይስምዓን ብማለት ጸሎት ክሳብ ምቊራጽ ይበጽሑ’ እንክብል ነዛ ሕቶ እዚኣ የብርሃ። እንተኾነ እቲ ኣብ ማቴ 7.10 ስመያዊ ኣቦ ነቶም ለይትን መዓልትን ዝልምንዎ ደቁ ሠናይ ዘበለ ኩሉ ይህቦም እንክብል ዘረጋግጽስ ከመይ ቢሉ እዩ ጸሎትና ዘይሰምዕ ኢልና ክንሓትት ንቡር እዩ። እዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ኩልና ብዙሕ ግዜ ጸሊና እንተስ ስለ ሓደ ሕሙም ዓርክና እንተስ ንኣቦና እንተስ ንኣደና እንተኾነ ጐይታ ጸሎትና ኣይተቀበሎን ዝለመና ኣይሰለጠን ንብል። እዚ ናይ ኩልና ተመኲሮ እዩ።

ትምህርተ ክርስቶስ ናይዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ጽሙቅ ኣቢሉ የቅርበልና። ነቲ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ናብ ናይ ጥንቆላ ርክብ ከይንልውጥ ሓቀኛ ተመኲሮ እምነት ክህልወና ከምዝግባእ የዘካኽረና። ጸሎት ኩንሉ ኢልካ ከም ጥንቀላ ዝግበር ኣይኮነን። ጸሎትሲ ምስ እግዚአብሔር ዝግበር ተዋስኦ/ዘተ እዩ። ከም ሓቁ ከኣ እንክንጽሊ ከጋጥመና ካብ ዝኽእል ሓደጋ ማለት ኣብ ንሕና ኣገልገልቲ እግዚአብሔር እንኸውን ንሱ ኣገልጋሊና ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ፈተና ክንወድቅ ንኽእል (ቁ.2735)። እነሆ እምበኣር ኣብነት ናይቲ ንጸሎትና ከከም ኩነታት መደባትና  ከተአንፍት ምጽዓር በዚ ከኣ እንትርፊ መደባትናን ድላያትናን ካልእ መደባት ፈጺምና ኣይነፍቅድን። እንተ ኢየሱስ ግን ነታ ‘ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር’ ትብል ጸሎት ኣብ ከንፍና ብምቅማጥ ዓቢ ጥበብ ኣርኣየና። ከም እንፈልጦ ብልመናታት ዝመልአት ጽብቅቲ ጸሎት እያ እንተኾነ እተን ቀዳሞት ልመንታት ኩለ ንእግዚአብሔር ዝምልከታ እየን። በዚ ከኣ ብቀዳምነት እምልኖ መደባትና ክፍጸም ኣይኮነን እንልምን እንታይ ደኣ ፍቃዱ ኣብ ዓለምና ንክፍጸም ‘ስምካ ይቀደስ መንግሥትኻ ትምጻእ ፍቃድካ ይኹን’ (ማቴ 6.9) እናበልና ንልምን ከመይ ንሱ ብዝበለጸ ስለዝፍጽሞ ፍቃድካ ይኹን ንብሎ።

ሓዋርያ ጳውሎስ እንታይ ክንልምን ከምዝግበኣና እውን ኣይንፈልጥን (ሮመ 8.26) ይብል።  ንሕና እንክልምን ንግድነታትና ስለ ዘድልዩና ነገራት ከምቲ እንደልዮ ክፍጸመልና ንጽሊ። እንተኾነ እዚ ቅርዑይ ጸሎት ድዩ ወይስ ኣይኮነን! ቅዱስ ጳውሎስ ንኣና ዘድሊ እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይንፈልጥን ይብል። እንክንጽሊ ብቀዳምነት ትሑታት ክንከውን የድሊ። ናብ ጸሎት እንክንከይድ እዚ እቲ ብቀዳምነት ክህልወና ዘለዎ ዘለዎ ዝምባሌ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ከምዝዝውተር ደቂ ኣንስትዮ ክጽልያ ክኸዳ እንከላ ሻሽ ዝጒልበባን ብማይ ጸሎት ጸሎትን ዝጅምራን ንሕና እውን ቅድሚ ናብ ጸሎት ምጅማርና እዚ ኣነ ዝልምኖ ዘሎኹ ጉዳይ ምስ ፍቃድ እግዚአብሔር ዝኸይድ ይኸውን ክንብል ኣሎና። ከመይ ንሱ ንኩሉ ይፈልጥ። ስለዚኸስ እንክንጽሊ ትሑታት ንኹን። ቃላትና እርኑብ ቃላት ጸሎት እምበር እግዚአብሔር ዝነጽጎ ሃለውለው ክኸውን የብሉን። ንግጉይ ጒዳያት እውን ክጽለ ይከኣል እዩ። ንኣብነት እግዚአብሔር ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ውግእይ እንታይ ከምዝሓስብ ከይፈልጥካ ኣብቲ ውግእ ንጸላኢኻ ክትስዕር ምጽላይ ክኸውን ይከኣል።  ኣብ ሓደ ናይ መፈክር ሰሌዳ ‘እግዚአብሔር ምሳና እዩ’ ክትጽሕፍ ቀሊል እዩ። ብዝሗት ኣምላኽ ምሳኦም ከዝኾነ ንምርግጋጽ ይህንጠዩ። እንተኾነ ንሶም ንባዕሎምከ ምስ ኣምላኽዶ ኣለው ኢሎም ምስ ኣምላኽ ምህላዎም ከረጋግጹ ዝጽዕሩ ቁሩባት እዮም ኣብ ጸሎት እግዚአብሔር  እዩ ክልውጠና ዘለዎ እምበር ንሕና ኣይኮናን ንእግዚአብሔር ክንልውጦ ዘሎና። ኣብዚ እዩ እምበአር ትሕትና ዘድሊ። ጐይታየ ኣነ ክጽሊ እኸይድ ኣሎኹ እንተኾነ ንኩሉ እትፈልጥ ንስኻ ኢኻ እሞ ንልበይ ኣብቲ ኣድላዪ ዝበልካዮ ለውጦ ! ንጥዕና መንፈሰይ ዝኸውን ዝበለጸ ጸጋ ክትህበኒ እልምነካ ኣሎኹ በል።

እንተ እቲ ኰይኑ እንተ እዚ እቲ ጸሎተይ ኣይተሰመለሰን ዝብል ዕንቅፋት ግን ወትሩ ኣሎ።  እንትኾነ ሰባት ብንጹሕ ልቢ ክልምኑ እንከለው ምስ መንግሥቲ እግዚእብሔር ብዝሰማማዕ መንገዲ ክልምኑ እንከውለው ወይው ን ስለ ሓደ ሕሙም ወዳ እትጽሊ ኣደ ስለምንታይ እዩ ሓንሳእ ሓንሳእ እግዚአብሔር ሰሚዑ ዘይምልስ! ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ህድእ ኢልካ ቃል ወንጌል ምስትንታን የድሊ። ታሪኽ ሕይወት ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ብጸሎት ዝመልአ ነበረ። ብዙሃት ብነፍስን ብሥጋን ዝቈሰሉ ከሕውዮም ይልምንዎ ነበሩ። ገሊኦም ክንቀሳቀሱ ስለዘይክእል ዓርኮም ይልምኒ! ኣቦታትን ኣደታትን ዝሓመሙ ደቆም የምጽኡሉ ነበሩ። እዘን ጸሎታት እዚኤን ኩለን ብሥቃይ ዝተዓለሳ ነበራ።  ‘ኦ ጐይታ መሓረና ደንግጸልና’ ብዝብል መዝሙር ዝቀርብ ልመናታት ነበረ።

መልሲ ኢየሱስ ሓንሳእ ሓንሳእ ቅጽበታዊ ነበረ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ግዜ ይወስድ ይድንጒ ነበረ። ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ዘይምልስ እውን ይመስል ነበረ። ንኣብነት ንጉዳይ እታ ደድሕሪኡ ከይተሓለለት ጓላ ከሕውየላ ትልምን ዝነበረት ከናዓናዊት ሰበይቲ እንተተመልክትና ድሕሪ ነዊሕ ምሕጽንታን ክርክርን እዩ ንልመናኣ ሰሚዑ ዝመለሰላ (ማቴ 15 21)። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበላ ደስ ዘይትበል ዘረባ ማለት ‘መግቢ ድቂ ንኣኽላባት ምሃብ ኣይግባእን’ ንዝበላ እውን ብትሕትና ክትሰምዓ ክኢላ። ውርደትን ጸገምን ኣይእንታያን ነበረ ዘገድሳ ዝነበረ ጥዕና ጓላ ነበረ። በዚ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ንቅድሚት ትግስግስ ‘እወ ጐይታይ እንተኾነ ኣኽላባት እውን ካብ መአዲ ጐይቶቶም ንዝወደቁ ርፍራፍ እዮም ዝምገቡ’ ትብል። እዛ መልሲ እዚኣ ንኢየሱስ ብጣዕሚ ተሐጒሶ። ትብዓት ጸሎትከስ እዚ እዩ። ወይውን ብዛዕባ እቲ ኣርባዕተ ብጾቱ ተሰኪሞም ናብ ኢየሱስ ዘምጽእዎ መጻጒዕ መእተዊ ምስ ሰኣኑ ናሕሲ በሲዖም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ዘውረድዎ ኢየሱስ ከኣ መጀመርያ ነቲ ጉዳዮም ገዲፉ ኣብ ጉዳዩ ብምእታው ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እንክብል መንፈሳዊ ፍወሳ ምስ ገበረ ብካልኣይ ደረጃ ኣብ ናይ ሥጋ ፍወሳ ኣትዩ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ እንክብል ዝፈወሶ ንመልከት (ማር 2.1-12)። ስለዚኸስ ንዝኽዕነ ጸገም ዝወሃብ መልሲ ቅጽበታዊ ኣይኮነን። ኣብ መነባብሮ እውን እንተኾነ ነፍሲወከፍና ከምዚ ዓይነት ተመኲሮ ኣለዎ። ክንደይ ግዜ ኢና ሓደ ጸጋ ሓደ ተኣምር ካብ ጐይታ ዘይለመና ጐይታና ነዚኣ ጥራይ ኢልና ብዙሕ ተማሕጺና ዘይተመለሰልና ክንደይ ኣሎ። እንተኾነ ድሕሪ ግዜ እቲ ጉዳያት መስርዑ ሒዙ ንረኽቦ እዚ ግን ከም መደብ እግዚአብሔር እምበር ከም መደብና ኣይኮነን። ኣብታ ሁመት እቲኣ ከምዝደለናዮ ዘይኮነ ከመ መለኮታዊ መደብ ክፍጸም ንርእዮ። ናይ እግዚአብሔር ግዜኸስ ግዜና ኣይኮነን።

በዚ መንጽር እዚ እንክምልከት ጉዳይ ሕማም ጓሉ ብዙሕ ዘሻቀሎ ኢያኢሮስ (ማር 5.21) ፍሉይ ኣተኲሮ ክነንብረሉ ንዕደም። ብሕማም ጓሉ ልቡ ዝተሰንጠቀ ኣቦ ካብ ኢየሱስ ሓገዝ ይደሊ። ኢየሱስ ብኡ ንብኡ ይቅበሎ። እንተኾነ ናብቲ ቦታ ገጾም ክጐዓዙ እንከለው ካልእ ተኣምር ምሕዋይ ይክሰት ይደንጉዩ። ካብ ገዛ ኢያኢሮስ ከኣ እታ ቈልዓ ድሮ መይታ እያ ንመምህር ኣይተድክሞም ዝብል መርድእ ይመጽእ። ኩሉ ዘብቀዔ ኣብ ዝመስለሉ ሁመት ኢየሱስ ነቲ ተዳሂሉ ዝነበረ ወላዲ ‘ኣጆኻ ኣይትፍራህ እምነት ጥራይ ይሃሉኻ’ (ማር 5.36) ይብሎ። እቲ ኣቦ ኣብ እምነቱ ይጸንዕ።  ምኽንያቱ ከኣ እምነት ንጸሎት ስለዝድግፍ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ነታ ዝሞተት ጓሉ ካብ ድቃስ ሞት የተንስኣ። ከም ሓቁ ግን ኢያኢሮስ ንሕጽር ዝበለ ግዜ ኣብ ግብ ዝበአለ ጸልማት ምስ ንእሽቶ ብልጭታ ብርሃን እምነት እዩ ተጓዒዙ።  ኦ ጐይታ እምነት ሃበኒ! እምነት ንክትዓቢ ደግፈኒ እናበልና እምነት ንክህልወና ነዛ ጸጋ እዚኣ ንማህለል። ኢየሱስ ኣብ ወንጌል እምነት እምባታት ከምዘንቀሳቀስ ይነግረና። እንተኾነ ሓቀኛ እምነት ክህልወና ኣለዎ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ እምነት ድኻታቱን ሰቡን ይሰዓር እዩ ከመይ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ እምነት ፍሉይ ርሕራሔ እዩ ዝስምዖ ሽዑ ነቲ ልመና ይሰምዖ።

እታ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማና ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘቅረባ ጸሎት እውን ዘይተሰምዔት ጸሎት ትመስል። እታ ጸሎት ‘ኣቦየ ዝከኣል እንተዀይኑ ነቲ ክቅበሎ ዘሎኒ ካባይ ኣርሕቆ’ ዝብል ነበረ። እግዚአብሔር ኣቦ ዘይሰምዓ ጸሎት ትመስል ነበረት። ከመይ ወልደ እግዚአብሔር ነታ ጽዋዕ ሕማማት ጭልጥ ኣቢሉ ክሳብ መወዳእታ ነጥቢ ክሰትያ ነርዎ። እንተኾነ ቀዳም ስዑር ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣይነበረን ከመይ ብሳልሳይ መዓልቲ ማለት ዕለተ ሰንበት ትንሣኤ ኣሎ። ሕሰም ቀቅድሚ ፍጻሜ ናይ ዘላ መዓልቲ ንጉሥ እዩ። ነዚ ጽቡቅ ገርኩም ዘክርዋ። ሕሰም ናይ ፍጻሜ ንጉሥ ፈጺሙ ኣይኮነን! ኣይፋል! እንተኾነ ናይታ ቀቅድሚ ፍጻሜ ዘላ ወጋሕታ ኰይኑ ክረኤ ይከኣል። ኣብዚ ቀቅድሚ መወዳእታ ዕለት ዘላ መዓልቲ እቲ ጸላኤ ሠናያት ዝተዓተወተ ዝመስለሉ ዓቢ ኣደራዕ ኣሎ ‘ርኢኻዶ ኣነ ስዒረ!’ እናበለ ክፍክር ይኽእል። ሕሰም ቅድሚ መወዳታ ዕለት ናይ ዘላ መዓልቲ ጐይታ እዩ። እታ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ኣምላኽ ጥራይ እያ። ኣብታ ዕለት እቲ ንድሕነት ዝተገብረ ገዓርን ኣውያትን ፍጻሜ ክረኽቡ እዮም። ነዛ መወዳእታ ዕለት ጐይታ ጸጋ ጐይታ ናይ ምጽባይ ትሑት ትዕግሥቲ ንመሃር። ብዙሕ ግዜ እታ ቀቅድሚ መወዳእታ ዕለት ጐይታ ዘላ መዓልቲ ብጣዕሚ ሕስምቲ እያ ከመይ ሥቃይ ደቂሰባት ሕሱማት እየን። እንተኾነ ኣብ መወዳእታ መዓቲ ጐይታ እግዚአብሔር ንኩሉ ክፈትሖ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 May 2021, 14:01
ንኩሉ ኣንብብ >