ር.ሊ.ጳ. መላእ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ክትጽልይ ይሓቱ ር.ሊ.ጳ. መላእ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ክትጽልይ ይሓቱ 

ር.ሊ.ጳ. መላእ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ክትጽልይ ይሓቱ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ሓሳበይ ናብቲ ኣብ ቅድቲ መሬት ዘሎ ህልው ኵነታት የብል፡ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ደው ክብል ምእንቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ አመስግን፡ ናይ ዘተን ሰላምን መገዲ ክስዓብ እውን ተስፋ እገብር

ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጓሶት ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዝፍጸም ናይ በዓለ ጰራቅሊጦስ ስነ ስርዓት ጸሎት ዋዜማ ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ክሓብሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝጸውዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብበዓለ ጰንየቆስጠ ምኽንያት ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ዋዜማ ትሓብር ነዚ ዝብሉ ዕለት 21 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ቅዱስነቶም መቐመጢኦምካብ ሮማ ወጻኢ ንዝኾኑ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊክ መደበይና ጳጳሳት ኣብ ዋዜማ ጰራቅሊጦስ ምእንቲ ሰላም ክጽለይ ዘነቓቕሕዎ መደብ ክትሳተፍ ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ሓሳበይ ናብቲ ኣብ ቅድቲ መሬት ዘሎ ህልው ኵነታት የብል፡ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ደው ክብል ምእንቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ አመስግን፡ ናይ ዘተን ሰላምን መገዲ ክስዓብ እውን ተስፋ እገብር። ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ መላእ ካቶሊክ ማሕበረሰብ እውብ ብሓባር ኣብ ኢየሩሳሌም ቅዱስ እስጢፋኖስ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ስላም ክጽግወና ክጽልዩ እያቶም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

“በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኵሎም ጓሶትን ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሳታቶም ሓቢሮም ክጽልዩ እላበው፡ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ዕጉሳት ሃነጽቲ ሰላምን ምፍትሕን ምእንቲ ክኾኑ በቢ ደረጃ እውን ናብ ሓባራዊ ተስፋ መታን ከብሉን ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንኽነብሩ መገዲ ዘተን ይቕረታን ክስዕቡ ጸሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ጸሎተ ልመና ናብ መንፈስ ቅዱስ ክዓርግ ጻውዒት አቕርብ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እዘን ቃላት እዚኣተን እውን ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘቕርብዎ ጸዋዕታ ዘቃልሕ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

22 May 2021, 14:54