ር.ሊ.ጳ.፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቻይና ብዝያዳ ውሁድ ኣብ ፍቕርን እምነትን ይዅን

ኣባላት ሓንቲ ክርስቲያናዊት ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ብፍቕርን ብእምነትን ብዝያዳን ኪሓብሩስ ክሳዕ ክደይ ሰናይን ኣድላይን እዩ!

ዕለት 23 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስም ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን

ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ቻይና ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘሸሻን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ማሕበረሰብ ቻይና ኣብ መዓሙቕ ልበይ ዝኵራት ኢኻትኵም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምፍናዎም ር.ሊ.ጳ. ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ቻይና ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሽሻን ምዃኑን “ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሸሻን ብፍሉይ እትኽበርን” ቢሎም “ኣብ ዕለታዊ ፈተናን ዕለታዊ ተስፋታትን ብክርስቲያን ስድራ ቤት ደጋጊሞም ሰኣሊ ለነ እንክብሉ በማላድነታ ዝጽልዩን” ዘለዎም ማርያማዊ መንፈሳውነት ጥልቂ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ”

ኣባላት ሓንቲ ክርስቲያናዊት ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ብፍቕርን ብእምነትን ብዝያዳን ኪሓብሩስ ክሳዕ ክደይ ሰናይን ኣድላይን እዩ! በዚ ኣገባብ እዚ ወለድን ውሉዳትን ኣቦሓጐታትን ኣደሓጐታትን ሕጻናትን ጓሶትን ናይቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ሓደ ሲሶ ዝኾኑ ንመንፈስ ቅዱስ እናተጸበዩ  ምስ ማርያም ሓቢሮም ዝጽልዩ ናይ ዝነበሩ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኣብነት ኪስዕቡ ይግባእ፡

ቢሎም ማላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቻይና “ኣብ መዓሙቕ ልበይ ህልዋን ዝኾኑ” እንክብሉ ንዝገለጽዎም ኣብ ቻይና ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቻይና “ብልባዊ ጸሎት” ከሰንይዎም ዓዲሞም፡ ነቲ ኣብ ዓለም ቀንዲ ተልእኾ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሳኢ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ናይቲ “ዘሐጉስ ብስራትን ናይ ሓልዮትንሰናይ መሰኻኽርን ኣብ ሃገሮም ሓነጽቲ ፍትሕን ሰላምን ኪኾኑ” እጽልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይናን ሕዝቢ ጻይናን ናይ ጸሎት ቅነ

ዕለት 24 ግንቦት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ እመቤተ ማርያም ዝበዓለሉን ዓለም ሓቆፍ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዝብገሰሉ ዕለት ክኸውን ዝወሰኑ በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ኣብዛ ዓመት’እዚኣ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ፈደራላዊ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ መላእ ምእመናን እስያ ኣብዛ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ኣብ ቻይና ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ኣበርቲዖም ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ንጸልይ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

24 May 2021, 15:11