2021.04.28 ብፁዕ ሻርል ደ ፉኮል 2021.04.28 ብፁዕ ሻርል ደ ፉኮል 

ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ሻር ደ ፉኮል ዝርከብዎም 7 ብፁዓን ኣብ ኩላዊት ቤተክርስትያን ሓደስቲ ቅዱሳን ክእውጁ

ብኮንቺስቶሮ ዝፍለጥ ስቱር ጉባኤ ር.ሊ.ጳን ካርዲናላትን ኣብ ስሩዕ ርክቡ ጉዳይ ሸውዓተ ብፁዓን ምኽንያት ቅድስና ከጽንዑ እዮም። እቲ ዕለተ ቅድስና ገና ክግለጽ ምዃኑ እውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡ ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ እዞም ጉዳይ ቅድስናኦም ንምጽናዕ ጉባኤ እንካይደሎም ብፁዓን ‘ሕይወቶም ብምውፋይን ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ብምዝውታርን ምስክርነቶም ዝሃቡ እዮም’ እንክብሉ ገሊጾሞም።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ብኮቺስትሮ ዝፍለጥ ጉባኤ ር.ሊ.ጳን ካርዲናላትን ቅድስነቶም ኣብ ዝጸዑሉ ግዜ ብኣኦም ዝምራሕ ከም ምዃኑ መጠን ነዚ ትማሊ ዝተኻየደ ጉባኤ ቅዱስነቶም ‘ሕይወቱ ንሰማዕትነት ክሳብ ብምውፋይ ደሙ ብምሳስስ ይኹን ብጅግነንት ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ካልእ መንፈሳውያን ሓይላት ክርስትና ብምዝውታርን እዞም ሎሚ ጉዳይ ቅድስናኦም ነጽንዕ ዘሎና ሰባት ነፍስ ወከፎም ምስክርነት ወንጌል ናብ ዓለም ንምብጻሕ እጃሞም ዘበርከቱ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እያ ቤተክርስትያን ቅዱሳን እትብሎም’ እንክብሉ ቀንዲ ምኽንያት ጉዳይ ናይቶም ጉዳይ ቅዱሳን ብእትከታተል ማሕበር ዝቀረቡ ሸውዓተ ብፁዓን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮን ድምጺ ናብ ምሃብ ሓለፉ። ኣብ መንጎ እዚኦም ብፁዓን እዚኦም ፈረንሳዊ ካህን ኣባ ሻርል ደ ፉኮል ከምቲ ንርእሱ ባዕሉ ዝገልጻ ዝነበረ ድኻ ኣብ መንጎ ድኻታትን ናይ ኩሎም ሓባራዊ ሓውን ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣብ ማእከል ምድረበዳ ሰሃራ ዘርኢ መልኮታዊ ቃል ዝተኸለ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቅዱስነቶም ናይዚ ፍጻሜ ዕቤት ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ንምግላጽ ናብ ሚልዮናት ዝበጽሕ ትዊተር ብዝበሃል ሓጸርቲ መልእኽታት እተመሓላልፈሉ መራኸቢ ብዙሓን ገቢሮም ‘ቅዱሳንን ቅዱሳትን ንእግዚአብሔር ወትሩ ክንውድስ ከም እንኽእል ይረጋግጽሉና። ነዚ ከኣ ኣብ ጥዑም ግዜስ ይኹን ኣብ ሕሱም ግዜ ብማዕረ ይገብርዎ። ምኽንያቱ ከኣ ንሱ እሙን ዓርኪ ብምዃኑን ፍቅሩ ከኣ ንዘለዓለም ስለዘይጐድልን እዩ’ እንክብሉ ብትሽዕተ ቋንቋታት ኣመሓላሊፎ።

ዕለተ ቅድስና ገና ብሕጂ ዝውሰን ጉዳይ!

ንጉዳይ ቅዱሳን ናይ ዝከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ቅዱስነቶም ዕለት ኣዋጅ ቅድስና ናይዞም ብፁዓን ገና ብሕጂ ክውሰን ምዃኑ በቲ ልሙድ ብቋንቋ ላቲን ዝቀርብ መብርሂ ገሊጾም። ሕወት እዞም ቅዱሳን ከኣ ብክርስትያናዊ መነባብሮን ኣብነታዊ ሕይወት ቅድስናን ከምዝግለጽ ኣብሪሆም። ነዚ ዕለት ዘይምውሳን ምኽንያት ዝኾነ ከኣ ዘሎና ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19ን ውሸባን ምዃኑ እዩ’ ኢሎም። ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ቀንዲ ምኽንያት ቅድስና ናይዞም ሓደስቲ ቅዱስ እንክገልጹ ‘እዚኦም ሓደስቲ ቅዱሳን እዚኦም ብሓቂ  ጸጋን ዘማልዱን ተኣምራታት ከምዝፍጸም ዝገበሩን እዮም’ ኢሎም።

ሓደስቲ ቅዱሳን ኣማለድቲ ጸጋታትን ተኣምራታትን! ብፁዕ ካርዲናል ሰማራሮ

ናይዞም ንመዓርገ ቅድስና ብቊዓት እዮም ተባሂሎም ብር.ሊ.ጳን ብካርዲናላትን ኣብ ጉባኤ ድምጺ ዝተዋህበሎም ጉዳይ ብዝምልከት ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ኣስፍሕ ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ መግለጺ ሂቦም።

“እዚኦም ብፁዓን እዚኦም በቲ ዘርኣይዎ ዘይጸዓድ መንፈሳዊ ሓይላት ጥራይ ኣይኮኑን ብሕዝበ እግዚአብሔር ኣድናቆት ዝረኸቡ እንታይ ደኣ ጸጋታትን ተኣምራታትን ዘማልዱ ምዃኖም እውን ስለዝተረጋገጸ እዩ።”

ብፁዕነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሥርዓተ ጉባኤ ከም ልሙድ  ጸሎት ሰዓታት ዘሠለስት ብሓባር ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረጉሉ እዋን ነበረ። ከም ልማድ ድሕሪ እዚ ጸሎት እዝን ንእሽቶ ኣስተንትኖን ሓላፊ ጉዳይ ቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ጉዳይ ነፍሲወከፍ ብፁዕ ጽጹይ መግለጺ ከቅርብ ግዲ ስለዝኾነ ናይ ነፍሲወከፍ ብፁዕ ሓጺር ታሪኽ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕይወት ናይ ሸውዓተ ብፁዓንን ብፁዓት ኣቅሪቦም። ንኩሎም ብሓባር ንምግላጽ ዝተጠቅሙሉ ቃላት ከኣ ‘እዚኦም ብፁዓንን ብፁዓትን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸዋዕታ ምስክርነቶም ሂቦም! ገሊኦም ሕይወቶም ብሰማዕትነት ብምውፋይ ገሊኦም ዝለዓለ ጅግንነታዊ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ብምዝውታር ገሊኦም ከኣ ዝለዓለ መንፈሳውያን ሓይልታት ክርስትና ብምዝውታር ነቲ ምንጪ ተስፋ ዝኾነ ፍረ ትንሣኤ ክርስቶስ ኣወፍዮም ኢሎም።

ብፁዕ ሻርል ደ ፉኮል!

ሻርል ደ ፉኮል ሓው ካርሎ ዘክርስቶስ ብዝብል ስመ ምንኲስና ንኣምላኽ ቅድሚ ምውፋዩ ብዝተፈላለየ ሕልኽላኻት ሕይወት ዝሰገረ ሰብ ነበረ።  ብ1858 ኣብ እስትራስበርግ ዝበሃል ከተማ ፈረንሳ ዝተወሊዱ ቀዳማት ሰላሳ ዓመታት ሕይወቱ ብብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ሓጐስ ዝዓብለሎ መንነቱ ከርኢ ዝተቃለስ ብርቱዕ ወታሃደር ኰይኑ ኣብ ቅድመ ግንባራት ብዙሕ ጅግንነት ዘርኣየን መዝነት ዝተቀበለን ኣብ መንጎ ኣልጀርያን ሞሮኮን ብዙሕ ዳህሳሳት ዘካየደ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከሎ ኣብ ሻውላት እምነት ዝነብሩ ዓቢ ፍቅሪ ክርስቶስ ዘለዎም ይምልከት። በዚ ተተንኪፉ ‘ኦ እግዚአብሔር ብሓቂ እንተደኣ ሃሊኻ ከምዝፈልጠካ ግበር` ክብል ኣበርቲዑ ይጽሊ። እዚ ዝኾነሉ ጽቡቅ ዕድል ናይ ትምህርቲ እኳ እንተረኸበ ብዝተፈላለየ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ተጸልዩ ክሳብ ካብ ቤትትምህርቲ ኢየሱሳውያን ዝስጐጒ ምስ ኮነ እዩ። ሕጽር ብዝበለ ንኩሉ ጠንጢኑ ምስ ሠራዊት ፈረንሳይ ይጽመድ ክሳብ ሓለፊ ፈረሰኛ የገልግል ይገድፎ ኣብ ዳህሰሳን ጆግራፍን ይዝምብል ብዙሕ ይሰርሕ። ንኩሉ ገዲፉ ካቶሊካዊ ካህን ይኸውን ኣብ መወዳእታ ብሕትውና ይመርጽ ኣብ ትዋረግ ዝበሃል ናይ ኣልጀርያ ሳሃራ ምድረበዳ ብብሕትውና እንክነብር ብ1916 ይቅተል። ከም ሰማዕት እውን ይሕሰብ። ትምህርቱን ጽሑፋቱን ንብዙሓት ብምስሓቡ ናኣሽቱ ኣሕዋት ኢየሱስ ዝበሃል ማሕበ ንክቀውም ይሕግዝ። ብ24 ሚያዝያ 2001 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ መገልገል ኣምላኽ ይብልዎ ብ13 ሕዳር 2005 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ብፁዕ ኢሎሞ።

ብፁዕ አልኣዛር ደቫሳሃያም!

ብዙሕ ግዜ ኣብ ታሪኽ ብፅዕናን ቅዱስናን ገዳማያንን ገዳማውያትን መነኮሳትን ካህናትን ጳጳሳትን ዲያቆናትን ኢና እንረክብ። ብፁዕ ኣልኣዛር ግን ቀዳማይ ብፁዕ ዝተባህለ ህንዳዊ ምእመን እዩ። ኣቦ ስድራቤት ኰይኑ ስድራቤት ብክርስትያናዊ ሕይወት ዝመርሕ ዝነበረን ብሰማዕትነት እምነቱ ዝመስከረን እዩ።  ኣብ ትራቫንኮር ዝበሃል ግዝኣት ህንዲ ካብቶም ሓርበኛታት ዝበሃል ወገን ዝኾነ ኣቦ ተወሊዱ። ብእምነት ኣቦታቱ ምስ ዓበየ ግን ወዲ 33 ዓመት ምስ ኮነ ጸዋዕታ ክርስቶስ ተቀቢሉ ክርስትያን ንክኸውን ሓቲቱስ ምሥጢረ ጥምቀት ተቀቢሉ። እንተኾነ እዛ እምነት ክርስትና ምቅባል በቶም ኣኽረርቲ እምነትን ባህልን ዝኾነ መንግሥቲ ዓዲ ከም ክሕደትን ሓደጋ ሓድነት ግዝኣትን ኮይኑ ተራእየ። ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ክዳጎን ውርደትን መግረፍትን ክቅበል በቶም ሓለፍቲ ከኣ ብዙሕ ግፍዒ ተቀበለ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ክቅተል ትእዛዝ ተመሓላልፈ። እቲ ክሲ ከኣ ንእምነት ሂንድዊስም ምኽሓድ ነበረ። ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ብ2011 ብፅዕናኡ ኣወጁ።

ብፅዕት ማርያ ፍራንቸስካ ዘኢየሱስ!

ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ኣውራጃ ፕየሞንተ ናይ ሃገረ ጣልያን ዝተወልዳ ኣናማርያ ሩባቶ ንድኻታት ቶሪኖ ኣብ ምሕጋዝን ንሕሙማት ኮቶለንጎ ብምግልጋልን ኣብ ኲስኰሳ መንእሰያት ቤተኲስኰሳ ዶን ቦስኮን ተጸሚደን ብዙሕ ዘወፈያ እየን። ኣብ ጥቃና ከተማ ሳቮና ዝርከብ ሎኣኖ ዝበሃል ዓዲ ሣልሳይ ማሕበር ካፑቺነ መሥሪተን ንደብብ ኣመሪካ ነቀላ ኣብኡ ከኣ ምስ ማሕበረን ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ተጸምዳ። ብ1892 ዓም ንደናግለን ሞንተፊደዮ ኣብ ዝበሃል ክፍሊ ሃገረ ኡራጋይ ቀጺለን ናብ ኣርጀንቲና ካብኡ ናብ ብራዚል ዘርግሓ። ንሸውዓተ ግዜ ዝኸውን ነቲ ተልእኮ ንምፍጻምን ንተልእኮ ዝኸዳ ደናግል ንምስናይን ንውቅያኖስ ኣትላቲክ ላዕሊ ታሕቲ ክብላ ኣቋረጻ። ኣብ ሞንተቪደዮ ብ1904 ዓረፋ ድሕሪ 89 ዓመት ከኣ ብ1993 ዓም ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብፅዕት ተባህላ።

ብፅዕት ማርያ ዶመኒካ ማንቶቫኒ!

ብመንፈሳዊ መሪሕነት ብፁዕ ጁሰፐ ናሺምበኒ ከምኡ እውን ምሳኡ ብምትሕብባር ንኡሳት ኣሕዋት ቅድስት ሥድራ ዝብል ማሕበር ኣቊማ መራሒቱ ኮነት። ናይዚ ማሕበር እዚ መንፈሳውነት ብቀንዱ ሃንዳሲቱን ብሕይወት ብምንባር ጸኒዑ ኣብቲ ማሕበር ከምዝዝውተርን ገበረት። ክሳብ መወዳእታ እስትንፋሳ ሕይወታ ምሉእ ንኣገልግሎት ትሑታት ድኻታትን ዘኽታማትን ሕሙማትን ኣወፈየት። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ2003 ዓም ብፅዕናኣ ኣወጁ።

ብፁዕ ቸዛር ደ ቡ!

ፕርቨንሳ ኣብ ዝበሃል ክፍሊ ሃገረ ጣልያን ተወሊዱ ብኢየሱሳውያን ተዀስኲሱ ኣብ መዓርገ ክህነት በጺሒ ብ1572 ዓም ማሕበር ካህናት ትምህርተ ክርስቶስ መሥሪቱ ንምእመናን ንምኲስኳስ ብዙሕ ሰሪሑ ሕይወቱ ምሉእ ከኣ ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣሕለፎ። ብቅልል ዝበለ መንገድ እትርድኦ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅራብ ምስ ሕዝቢ ምቅሉልን ገርሀይናን መንፈስ ድኽነት ዝዓሰሎን ቅርበት ብምዝውታር ነበረ። ብ1607 ዓም ኣብ ጊሓት ፋሲካ ዓረፈ። ብ1975 ዓም ብቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብፁዕ ተባህለ።

ብፁዕ ልዊጂ ማርያ ፓላሶሎ!

ተወላዲ በርጋሞ ሃገረ ጣልያን ኮይኑ ብክህነት ዘገልገለ ኣብ ርእሺኡ ከኣ ማሕበር ድኻታት ደናግልን ማሕበር ኣሕዋት ቅድስት ሥድራን መስሪቱ ዘኽታማትን ድኻታትን ሕጻናት ተቀበሎም ኣገልገሉ። ከምኡ እውን ንዓበይትን መንእሰያትን ምሸታዊ ቤትትምህርታት ኣቈመ። እቲ ብኣኡ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርትን ኲስኰሳ እምነት ብጣዕሚ ዓሚቊ ብምንባሩ ካብቶም ንሱ ዝዂስኲሶም ዝነበሩ መንእሰያት ልዕሊ ኣርባዓ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ብዙሕ ኣካላውን ሞራልውን ሥቃይ እኳ እንተተቀበለ ብዓቢይ መንፈሳውነት ኣብ 58 ዓመት ዕደመኡ ዓረፈ። ብ1963 ዓም ብቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብፁዕ ተባህለ።

ብፁዕ ጁስቲኖ ማርያ ሩሶሊሎ!  

ተወላዲ ናፖሊ ሃገረ ጣልያን ብኣገልግሎት ክህነቱ ፍሉጥ ኮይኑ ንጸዋዕታ ክህነት ዘገልግል ማሕበር ካህናት እውን ዝመሥረተ እዩ።  ዓቢ ሰባኽን ኣሰናዳዊ ኮፈረንሳትን ጸሓፍን ነበረ። ኣብ ቊምስናኡ ቀጻሊ ትምህርቲ ክርስቶስ ብምቅራብን ፍሉይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሥድራቤታት ብምቅራብን ፍሉጥ ነበረ። በዚ ከኣ እታ ቊምስናኡ ገዛ ቅድስናን ፈልፋሊት ጸዋዕታ ክህነትን ኮነት። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ጸገም ንዝነበሮም ካህናትን ገዳማውያንን እውን ኣስፍሖ። ሕይወት ሥድራ ዝጅምሩ ንዝነበሩ መንእሰያት እውን የስተምህር ነበረ። እንተኾነ ብዙሕ ናይ ዘይምርዳዳእ ጸገማት የሳቅዮ ነበረ። ነዚ ስቃይ እዚ ግን ወትሩ ንድንግል ማርያም የወፍዮ ነበረ። ብ2011 ብልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብፁዕ ተባህለ።

ሾመንተ ካርዲናላት ኣብ መሥርዓ ካህናት ተሠርዑ!

ኣብ ሲመት ካርዲናላት ሠለስተ መሥርዓት ማለት ዲያቆናት ካህናት ጳጳሳት ኣለው። ኣብዚ ትማሊ ዝተገብረ ጉባኤ ከኣ ሾመንተ ካርዲናላት ካብ መሥርዕ ዲያቆናት ናብ መሥርዕ ካህናት ከምዝተሰጋገሩ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ንሶም ከኣ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ካርዲናል ሮበርት ሳራ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞተሪዚ ካርዲናል ራይሞንድ ለዮ ቡርከ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ካርዲናል ማውሮ ፕያቸንሳ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫሲን ካርዲናል ቫልተር ብራንድምዩለርን እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

04 May 2021, 15:21