ካርዲናላትን ጳጳሳትን ምስ ዝኽሰሱ ልክዕ ከም ካልኦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክፍረ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ምስ ዝኽሰሱ ልክዕ ከም ካልኦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክፍረ 

ካርዲናላትን ጳጳሳትን ምስ ዝኽሰሱ ልክዕ ከም ካልኦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክፍረዱ

ኣብ ልዕሊ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዝቐርብ ክሲ (ምስ ምጥሓስ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ዝተተሓሕዘ ዘይኮነ) ልክዕ ከም ኵሉ ናይ መጀመሪያን ካልኣይን ደሓር ይግባይ ዘይበሃሎን ናይ ቤት ፍርዲ ፍርዳዊ ስርዓት መሰረት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ንፍርዳዊ ስርዓት ሃገረ ቫቲካን ዝሕድስ ዓንጸቅ ከምዝደንገጉን እዚ ኸኣ ጉዳይ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዝምልከት ኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ካርዲናላት ጳጳሳትን ዝቐርብ ክሲ ብሓደ ካርዲናል ዝምራሕ ኣብ ናይ ይግባእ ተቐባሊ ቤት ፍርዲ ይቐርብ ዝብል ተኣልዩ ልክዕ ከም ኵሎም ኣብ ቀዳማይ ኣጻራይ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ክምርመር ብዝብል ዓንቀጽ ክሕደስ ከምዝገብሩን፡ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ዘመሓላልፍ ኣካል ንዝህቦ ብይን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍቓድ ዝሓትት ንዝብል ውሳኔ ከዘሎ ክተርፍ ከምዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገበን ፈጺሞም ዝኽሰሱ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብሓደ ካርዲናል ብዝምራሕ ናይ ይግባይ ተቐባሊ ቤት ፍርዲ ዘይኮነ ጉዳዮም ከም ኵሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ክጻረ ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ነቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ቅዱስነቶም ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ኪደት ኣባይቲ ፍርዲ ቫቲካን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጉዳዮም ክጻረን ናብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ፍቓድ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሳኔ ዘድልዮ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ሕጊ ዘተኣታተውዎ ለውጢ ዕለት 27 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ዕዩ ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣመላኺቶምዎ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሕዳሴ ኣብ መንጐ ዅሎም ኣባላት ቤተ ክርትያን ነቲ ሕጂ እውን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ፡ ማዕረ ክብረት ከምዘለዎም ዘዘኻኽርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እትቕበሎ ሓላፍነት ኣብ ኪደት ቤት ፍርዲ ጽልዋ ዘየብሉን ኣብ ኪደት ፍርዳዊ ስርዓት ሃገረ ቫቲካን ፍሉይ መሰል ክህልወካ ዘይገብር እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ዘውዓለ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ኣስዒቡ እውን፥ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ገበን ፈጺሞም ብዝብል ጉዳይ ዝኽሰሱ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከምቲ ቀደም ዝነበረ ኣብ ዓንቀጽ 24 ናብቲ ብሓደ ካርዲናል ናብ ዝምራሕ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ዓንቀጽ ዝኣልይ ሕዳሴ ከምዝኾነ የመላኽት።

ኣብ ልዕሊ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዝቐርብ ክሲ (ምስ ምጥሓስ እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ዝተተሓሕዘ ዘይኮነ) ልክዕ ከም ኵሉ ናይ መጀመሪያን ካልኣይን ደሓር ይግባይ ዘይበሃሎን ናይ ቤት ፍርዲ ፍርዳዊ ስርዓት መሰረት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ቀሪቡን ተጻርዩን ክፍረዱ ዝብል ኮይኑ፥ እቲ ዝወሃብ ፍርዲ ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ፍቕዲ 1405 ቀዳማይ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ይዅንታ የድሊ ዝብል ሓሳብ ከምዘሎ ዘኽብር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካርዲናላትን ኣቡናትን ንኺፍረዱ ፍቓዶም የድሊ ዝብል ዓንቀጽ ከምዘይተቐየረን እዚ ዘይተቐየረ ዓንቀጽ እዚ እውን ከምቲ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ድዩ ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣባል ወይ መራሒ መንግስትን ርእሰ ብሔርን ክሲ ምስ ዝቐርቡ ብናይ ሃገሮም ቤት ፍርዳዊ ስርዓት መሰረት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ናይ ሕዝባዊ ባይቶም ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ፍቓድ የድሊ ምስ ዝብል ኣሰራርሓ ዝመሳሰል እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 May 2021, 16:09