ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ነታ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኮቪድ-19 ኣዚያ ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ሃገረ ህንዲ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ነታ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኮቪድ-19 ኣዚያ ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ሃገረ ህንዲ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ነታ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኮቪድ-19 ኣዚያ ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ሃገረ ህንዲ

ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ እዋን’ዚ ኣብ ዘሰክፍ ኩነት እትርከብ ህንዲ ዝምልከት ዝፈነው ዘሎ ሓበሬታ ብሓቒ ዘሰንብድ ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና ነዚ እናሓሰቡን ነቲ ካብ ህንዲ ዝበጽሖም ሓበሬታን መሰረት ነታ ሃገርን ሕዝባን ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብይብጻሕ ናብ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ህንዲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ በቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንእትርከብ ሃገረ ህንዲ ሓሳብ ዝገበረ ነቶም ህሙማንን ኣባይቲ ስድራኦምን ሓኻይምን ኣባላት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ህጹጽ እዋን ሓደጋ ንምብዳህ ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ንዘገልግሉ ዘለዉን ኵሎም ቅርበቶም ጸሎትም ኣረጋጊጾም፡ ናይ ጽንዓትን ሓይልን ሰላምን ምሕንጽታ ዘንበርሉ መልእኽቲ ናብ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ህንዲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲላን ኦስዋልድ ግራሲያስ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ህንዲ ብኾሮና ተህዋስ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ኣርባዕተ ሺሕ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 380 ሺሕ በቲ ተህዋስ ከምእተለኽፉን ነዚ ጸብጻብ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሓደ ወርሒ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንሞት ከምዝቃልዑን በቲ ሕማም ከምዝልከፉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ህንዲ  ነቲ  ለብዒ ንምብዳህ ንጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባትን ነገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዝውል  7 ቢሊዮን ዶላር ከምዘዋፈረ እውን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ልባዊ ቅርበትን ሓድነትን

ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ እዋን’ዚ ኣብ ዘሰክፍ ኩነት እትርከብ ህንዲ ዝምልከት ዝፈነው ዘሎ ሓበሬታ ብሓቒ ዘሰንብድ ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና ነዚ እናሓሰቡን ነቲ ካብ ህንዲ ዝበጽሖም ሓበሬታን መሰረት ነታ ሃገርን ሕዝባን ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብይብጻሕ ናብ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ህንዲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካሪዲናል ኦዝዋልዶ ግራሲያስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅርበተይ ንዅሉ

ቅዱስነቶም ንዅሎም ነቶም ብዝተፈላለየ መገዲ በቲ ለብዒ ንዝተተንከፉን፥ “ሓሳበይ ልዕሊ ኹሉ ነቶም በቲ ለብዒ ምኽንያት ፍቑራቶም ንዝሰኣኑን ዝተለኽፉን ነቶም ህሙማን ኣብ ምእላይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን መራሕቲ ኣምቡላንስን ነቶም በቲ ለብዒ ምኽንያት ኣብ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ንዝርከቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ምላሽ ንምሃብ ደኺመ ከይበሉ ንዘገልግሉ ዘለዎ እገብር፡ ንኣኣቶም ካብ መዓሙቕ ልበይ ምስጋና አቕርብ እግዚኣብሔር ጽንዓትን ሓይልን ሰላምን ክጽግዎም እጽልይ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ዝተጐድአት እውን እንተኾነ ወትሩ ኣብ ግምባር

ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ህንዲ ንዘካይዶ ዘሎ ዕዮ ግብረ ሰናይን ሓድነትን ንዅሎም ሰባት ኣብ ምግልጋል ንዘርእዮ ተወፋይነትን ብዙሓት ውፉያት መንእሰያት ንዘርእይዎ ልግስን አመስግን፡ ንዅሎም ነቶም ሕይወቶም ንዝሰኣኑ ምእመናንን ብዙሓት ካህናትን ኣባላት ውፉያን ማሕበራትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሃይማኖታውያንን ንመለኮታዊ ምሕረት አወክፍ፡  ኣብዚ እዋን ከቢድ ሓዘንን ስቓይን ኵላትና ካብቲ ካብ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ዝመጽእ ተስፋን ሓድሽ ሕይወት ኣብ ክርስቶስን ዘሎና ነቕ ብዘይብል እምነት ንጸናናዕ” እንክብሉ መልእኽቶ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

08 May 2021, 09:10