መደብ “ይሴባህ”፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ንደቅና እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ክንሓድገሎም እንደሊ?

ብፍላይ ንመጻኢ ወለዶ ዓብዪ ሓልፍነት እዩ ዘሎና። ንደቅናን ንመንሰያትናን እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ገዲፍናሎም ክንሓልፍ እንደሊ? ስስዔናን ዘይምግዳስናን ከምኡ እውን ሓላፍነት ኣልቦ ዝኾነ ዓይነት ኣነባብራናን ናይ ደቅና መጻኢ ንሓደጋ የቃልዕ ኣሎ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዴና መሬት ናብቲ ንቡርን ኣናስራዊ ጽባቔኣ ንኽትምለስን ፍጥረት ብመሰረት መደብ ኣምላኽ እንደገና ክዅላዕ መታን ዝመርሕ ንብዙሕ ዓመታት እንስዕቦ መደብ ይሴባህ ንምትብባዕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኵሉን ነፍሲ ወከፍናን ከከም ናቱ ባህልን ተመክሮን ነናቱ ተበግሶታትን ክእለታቱን ሒዙ ክተሓባበር ዘተባብዕ ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ሓደስቲ ወለዶታት እንታይ ዓለም ኢና ኽንገድፈሎም እንደሊ? ንደቅናን ንመንእሰያትናን ምድረ በዳ ወይ ናይ  እታኽልቲ ስፍራ ከነመሓላልፈሎም ንደሊ ዶ? ሓለውቲ ወይ ሃደንቲ ሃብቲ ምድሪ ኽንከውን ዲና ንደሊ? እዞም ኣገዳስን ሕቶታት እዚኣቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመሰረት እታ ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ናይ ሓባር ቤት ንምክንኻን እትመርሕ ዓዋዲት መልእኽቶም መሰረት ዝገበረ ንሸውዓተ ዓመት ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክልኻል ዝመርሕ መደብ ይሴባህ ብዅሉ መደያት ንኸበግሱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብ ምእመናን ሰበ ስልጣናትን ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኣባይቲ ሕክምናን ናይ ንግዲን ሕርሻን ዓለም ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ ተቕዋማትን ብፍልሉይ ኣብዚ መዳይ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤት ንኽሓብሩ ዝላበው ሓሳብ ኣቕሪቦ፡ እዚ ናይ ሸውዓተ ዓመት ናይ ጉዕዞ መደብ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና፥ “ሕብረተሰብና ብዝተፈላለየ ኣገባብ፥ ዘይንጽል መንፈስ ኵለንተናዊ ማሓድሮን መሰረት፥ ዘላቕነት ዝብል ክኸውንን ኣብዚ መዳይ’ዚ እዚ እውን ኣብርዒ ክዓዩ ጻውዒት ከመዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝቖሰለት ቤት

ናብ ናይ ይሴባሕ ሸውዓተ ሸቶታት ዘብጽሕ መደብ መሳለጢ ብወግዒ ከምዝቐረበን እዚ ኸኣ ንናይ ምድር ገዓር ምስማዕን ናይ ድኻታት ገዓር ጽን ምባልን ኤኮኖሚያዊ ማሓድሮን ዘይተሓላለኸ ኣገባብ ሕይወት ምቕባልን ስነ ማሓድሮኣዊ ሕንጸትን ማሓድሮኣዊ መንፈሳውነትን ሓባራዊ መደብ ዕዮን ናብ ዝብሉ ሸውዓተ ሸቶታት ዘብጽሕ መደብ ንምትብባዕን ኣብዚ መዳይ እውን መላእ ሕብረተሰብ በቢ ማዕቅፋቱ ክዋሳእን ኣብ ግብሪ ከውዕሎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ እቲ መደብ ንምልላይ ዕለት 25 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ነቲ መደብ ንምልላይ ናብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣተባቢዖም፥ ነቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ይሰባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ “ናይ ሓባር ቤትና ዝኾነ ምድሪ ምክንኻን” ዘለዎ ህጹጽ ኣገዳስነት ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሓደራ እትብል ከምዝኾነት ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ፥

ካብ ብዙሕ እዋን እትሒዙ እታ ዘአንገደትና መሬት በቲ ሃዳናይ ዝኾነ መዝማዚ ግብርና ምኽንያት ብእነስዕበላ ማህሰይት ከቢድ መጉዳእቲ ወሪድዋ ኣሎ፥ እዚ ነቲ እግዚኣብሔር ብሓላፍነት ዝዓደለና ጸጋታት ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣጠቓቕማና ዘስዕቦ እዩ፡ ሎሚ እዚ በሰላ’ዚ ንሓመድን ንኣየር ንማይ ብሓፈሻኡ ኸኣ ነቲ ደቅሰብ ዝነብርዎ ዘለዉ ስርዒት ማሓድሮኣዊ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ማሓድሮኣዊ ቅልውላው የስዕብ ኣሎ። ብጀካ እዚ እውን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ለብዒ ነቲ ናይ መሬትን ናይ ድኻታትን ገዓር ብዝለዓለ ደረጃ ክገሃድ ገይሩ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኵሉ ነገር ንሓድሕዱ ዚተኣሳሰረን ዚደጋገፍን ጥዕናና ካብ ናይ ከባቢና ጥዕና ዝተፈልየ ወይ ዘይተኣሳሰረ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹልና እዩ!

ንዅሉ ዝሓሸ ጽባሕ ምድላው

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ድርብ ገዓር ምድርን ድኻትን ዝመዓረረዮ መልሲ ንምሃብ፥ “ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ሕይወትን ኣነባብራን ኣብ ዓለምን ምስ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዘሎና ርክብን ብሓፈሻኡ ንሰብ እንርእየሉ ኣገባባን ሕይወት ኣብ ምንባር እንስዕቦ ኣገባብን ዝቕይር ንሓድሽ ማሓድሮኣዊ መቓርቦ” መሰረት እዩ። ስለዚ ንናይ ድኻታት ገዓርን ንሓድሽ ሕብረትሰብን መባዅዕቲ ንምዃን እቲ ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ “ንኣከባብያዊ ጒዳያት ጥራይ ዘይኮነ ንብምሉእ ሰብ ዘጠቓልልን ዘይንጽል “ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ማሓድሮ” ኣገዳሲ ምዃኑ ብጥልቂ ከምዘነጸሩ የመላኽት።

ብፍላይ ንመጻኢ ወለዶ ዓብዪ ሓልፍነት እዩ ዘሎና። ንደቅናን ንመንሰያትናን እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ገዲፍናሎም ክንሓልፍ እንደሊ? ስስዔናን ዘይምግዳስናን ከምኡ እውን ሓላፍነት ኣልቦ ዝኾነ ዓይነት ኣነባብራናን ናይ ደቅና መጻኢ ንሓደጋ የቃልዕ ኣሎ! ስለዚህ ነቲ - ነዴና መሬት ንኽንከናኸና ነቲ ሃደንቲ ጸጋታት ዝገብረና ስስዐ ዝመልኦ ናይ ኣነባብራ ፈተና ንስገሮ ንውህበት ምድርን ፍጥረትን ኣኽብሮት ነማዕብል ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ሕይወትን ማሓድሮኣዊ ስርዒት ዘገድሶ ዘላቒ ማሓድሮኣዊ ሕብረተሰብ ዝብል መደብ ወግዓዊ ንግበር፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ ናይ ኣታክልቲ ስፍራ ተቐቢልና ኢና ንደቅና ድማ ምድረ በዳ ከነረክቦም ኣይንኽእልን፡ እንክብል ቅድም ቢለ ዘቕረብክዎ ምሕጽንታ ደጊመ አቕርብ!

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትንቢታዊ ተግባራት ዝጠልብ እዋን

ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ካብ እትሕተም ሽዱሽተ ዓመት ከምዘሕለፈትን፡ በዚ መሰረት እውን  እቲ ኩለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓመት ይሴባሕ ዕለት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ተዛዚሙ እዩ። በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ይሴባሕ ዓውዲት መልእኽቲ ኣብ ግብር ንምውዓል ብዙሕ ተግበግሶታት ተወሊዱ እዩ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእሉ ሓደስቲ ጐዳናታት ዘተባዕ ሕርያ ዝተኾልዔ ኣገባብን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝርአይ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት መዓልቲ ጸሎት ዘፍጥረት ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ፥ “እዋኑ ትንቢታዊ ስጉምቲ ዝጠልብ እዩ፡ ብዙሓት መንእሰያት ትብዓት ዚመልኦ ምርጫታት ውሑስ ክኸውን ብምሕታት ኣብ መላእ ዓለም ድምጾም የስምዑ ኣለዉ፡ ዝተኣትዉ መብጽዓታት ካብ ማሕበራዊ ረብሓታት ብሔራውን ውልቃውን ረብሓታት ብምቕዳም ኣብ ግብሪ ከይወዓለ እውን ስለ ዝተረፈ ክጒህዩ ይርአይ ኣሎ፡ መንእሰያት ምድሪ ኽትባኽን ክትህሰን ዘይኮነ ክትመሓላለፈሉ ዝግብኣ ውርሻ ምዃና የዘኻኽሩና፡ ንጽባሕ ተስፋ ምግባር ሎሚ ጭቡጥ ስጉምቲ ዝሓትት እዩ፡ ባዶ ቃላት ዘይኮነ ናይ ሓቂ መልሲ ክንህቦም እዩ ዝግብኣና፡ ሕልምታት ዘይኮነ ጭብጥታት” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

26 May 2021, 15:48