ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መራኸቢ ብዙሓን ንምሕናጽን ንምድልዳልን ነገልግሎት ሓባራዊ ጥቕም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መራኸቢ ብዙሓን ንምሕናጽን ንምድልዳልን ነገልግሎት ሓባራዊ ጥቕም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መራኸቢ ብዙሓን ንምሕናጽን ንምድልዳልን ነገልግሎት ሓባራዊ ጥቕም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንዅሉ እቲ ዘሎና መሳርሕታት ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንጥቀመሉ ብርቱዕ መጋበርያ ኵሉ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምህናጽን ንምድልዳልን ንመጋበርያ ሰላምን ንጠቐመሉ!

ዕለት 3 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናጽነት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ መራኸቢ ብዙሓን ንሕዝባዊ ጥቕሚ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓርሎ ሪፊኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ብባህርይኡ ተራኻቢ ከምዝኾነንን ዝረዳዳእ ፍጥረት እውን ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 03 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ብውሳኔ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን ምዃኑ ዘኪሮም፥ ንዅሉ እቲ ዘሎና መሳርሕታት ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንጥቀመሉ ብርቱዕ መጋበርያ ኵሉ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምህናጽን ንምድልዳልን ንመጋበርያ ሰላምን ንጠቐመሉ! ዝብል ከምዝፈነዉን ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ሚእቲ ሃገራት ጨንፍር ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበር፥ መራኸቢ ብዙሓን ንመጋበርያ ሰላም ክጥቀመሉ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕታ ሓበሬታ ኣብ እዋን ለብዒ

እቲ ዕለት 3 ግንቦት ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን “ሓበሬታ ንማሕበራዊ ረብሓ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ከምዝኾነ  ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ እቲ መርሕ ቃል ኣብ ኵለን ሃገራት ሕጹጽ ኣገዳስነት ናጽነት መርኸቢ ብዙሓን ዘቃልሕ ኮይኑ፡ ስርዓት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ጥዕናናና ሰብኣዊ መሰላትናን ደሞክራሲያዊ ስርዓታትናን ከምኡ እውን ቀጻሊ ዕቤትናን ዘለዎ ማሕታ ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፥ ጋዜጠይናነት ክትባት ጸረ ዝቕባበ ሓበሬታ (infodemia)

ኣብ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ሎሚ ካብ ቀደም ምርኻብ ናይ ሕውየትን ሞትን ጉዳይ ከምዝኾነ ብዝያዳ ንጹር እዩ፡ እንተኾነ ዜና መዓልታዊ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎን ጋዜጠይናነት ጸረ ክትባት ዝቕባበ ሓበሬታ ወይ ነቲ ንሓድሕዱ ዝገራጨው ማእለያ ዘይብሉ ፈነወ ሓበሬታ ፍቱን ፈውሲ ክኸውን ብርቱዕ ክንክን ዘድልዮ ከምዝኾነ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣገልግሎት ወጻኢ ጉዳያት ብምኽንያት መዓልቲ ናይ ሓበሬታ ናጽነት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ትዊተር የመላኽ። ጋዜጠይናነት ክትባት ጸረ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ኣልቦ ጸብጻብ ዘቕርብ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 130 ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ምሉእ ምብሉእ ወይ ውን ብኸፊል ተዓጊቱ ከምዘሎ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ ብመዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ልዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ እንቕበሎን እነካፍሎን ሓበሬታ ናይ ነፍሲ ወከፍና ርእይቶ ስለ ዝሓትት፡ ሓበሬታ ሓባራዊ ጥቕሚ እዩ፡ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉ ብርቱዕ መጋበርያ እዩ፡ ሓበሬታ ናጻ እንተዘይኮይኑን እንተድኣ ዘይተቖጻጸርናዮን ሓቂ ናይ ምክፋል ሕዝባዊ ረብሓ የወግድ፡ ስለዚህ ብሓላፍነት እዩ ክምራሕ ዘለዎ. . . ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናጽነት ውሑስ ምግባር ኪበሃል እንከሎ፡ ጌጋ ክህሉ ይኽእል እዚ ግና ካብቲ ሓቀይና ሓበሬታ ንምክፋል ካብ ዘለካ ባህጊ እምበር ደይ መደይ ቢልካ ዝተጋገየ ሓበሬትታ ንምቕራብ ካብ ዝብል ዘይቅኑዕ ኣገባብ ዝነቕል እንተዝይኮይኑ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብዛ ዓመት ኣዚኣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ሓበሬታ ምስ ጥዕና ሕዝቢ ዚተሓሓዘ ምዃኑ ኣስተውዒልና ኢና ከመይሲ ብዛዕባ እቲ ለብዒ ዝቐርብ ቅኑዕ ሓበሬታ ነቲ ኽንወስዶ ዝግብኣና ስጉምቲ ብውልቅን ብሓባራን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ የመላኽት . . . ሓበሬታ እንተዘይህሉ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ እንታይ ምዀንና ነይርና? ኩሉ ኣብ ዝተረገጠሉ እዋን ሓበሬታ እንተዘይህሉ ቢልና እስኪ ንሕሰብ፡ ሓቀይናን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ይፍነው እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ሓቂ ካብቲ ሓሶት ፈሊኻ ንምልላይ ዘጸግም እዩ፡ ጥዕና ናይ ሓባር ረብሓ እዩ፡ ሓበሬታ እውን ከምኡ፡ ልክዕ ከምቲ ኾሮና ተህዋስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተላባዒ ተህዋስ እዩ፡ እዚ ለብዒ እዚ ብሓቀይና ጋዜጠይናነት እዩ ዝብዳህ፡ . . . ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ሓበሬታን ለብዕን ብርቱዕ ምቝጽጻር ዝሓትት ምዃኑ የመላኽቱ፡ ንነገራት ኣመዛዚንካን ርኢኻን ምክፋል . . . ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ትጽቢታትን ዘሎ ህልው ኩነታትን መን ክሕብረና ይኽእል? እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እቲ ርሑቕ ዝመስል ቀረባ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ፡ ኩሉ ተማራዃሲ ከምዝኾነ እውን፡ ናይ ኵሉ መምዘኒ እቲ ምዑቡል ዓለም ገርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ፡ እዋናዊ ኵነት ዓለምና ዘረጋግጾ ሓቂ እውን እዩ፡ ቦንሆፈር ከምዝብሎ ናጽነትን ሓላፍነትን ዝተኣሳሰሩ ኣምራት እያቶም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና እውን ዝብልዎ፡ ኣብቲ ማንም ክኸዶ ዘይደልየሉ ቦታ ምኻድን ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ምሕባር የድሊ፡ እንተዘይከድካን ዘይረኣኻን ከኣ እተቕርቦ ሓበሬታ ሓሶት እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

04 May 2021, 15:53