COLOMBIA-CONFLICT-BLAST COLOMBIA-CONFLICT-BLAST 

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ደቡብ ኮሎምቢያ ኣደዳ ዓመጽ ንዝኾኑ

ኣብ1984 ዓ.ም. ኣብ ቶርቢዮ ቀዳማይ ናይታ ሃገር ተወላዲ ደቀባት ካህን ኣባ ኣልቫሮ ኡልከ ከምእተቐትሉ ኣዘኻኺሩን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኮሎምቢያ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ናይ ሰላም ሽማግለ ብምቛም ኣብ ጐድኒ ኣቶም ዒላማን ኣደዳ ዓመጽን ዝኾኑን ምእንቲ ድኻታትን ዝዓዪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኮሎምቢያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነበሮ ነቶም ኣብ ኮሎምቢያ ደቡባዊ ዞባ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣደዳ ዝኾኑን ናይ ሓዘንን ጸሎትን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ብይብጻሕ ናብታ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኮሎምቢያ ዝተፈጸመ ግብረ ዓመጽ ኮኒኖም፡ ነቶም ኣደዳ ዝኾኑን ንዝተፈላለየ ስቓይ ዝተዳርጉን ቅርበቶምን ጸሎቶምን በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብታ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ቪላቪሰንሲዮ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኦስካር ኡርቢና ኦርተጋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ገሊጾም፥ እተሓሒዞም እውን ኣብታ ሃገር ሰላማዊ ጥምረት ክህልው ከይተሓለሉ ዝዓዩ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናን ዜጋታትን ከምዘዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መጥቓዕትን ዓመጽን

ኣብ ቀረባ ናይ መወዳእታ መዓልታት ኣብ ኮሎምቢያ ደቡባዊ ዞባ ብተደጋጋሚ ዝተፈላልየ ኣብቲ ናይታ ሃገር ታራኢኻዊ ቦታ ተባሂሉ ዝንገረሉ ስፍራ ብተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ክፍጸም ዝረአይ ኮይኑ፡ ዝሓለፍ ዕለት 26 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ካውካ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ምኽንያት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ኣብ ፊት ናይ ከተማ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ብዝተባርዐ ቦምቢ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዝወረደን፡ ኣብቲ ከባቢ እቲ ገዛእ ርእሱ ናይ ኮሎምቢያ ሶውራዊ ግንባር ዕጡቓት ሓይሊ ቢሉ ዝሰመየን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕጸ ፋርስ ብዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ብተደጋጋሚ ዝፍጽም መጥቓዕቲ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ኣብ ኮሪንቶን ቶሪቢዮን ታሪኻውያን ናይታ ሃገር ተወለድቲ ደቀባት ከተማታት ቤት ምኽሪ ሕንጻ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ዘሰክፍ ከምዝኾነነን ብዙሕ እዋን እቲ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ኣብቲ ናይታ ሃገር ትእምርታዊ ተባሂሉ ዝንገረሉ ስፍራ ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነን ኣመላኺቱ፥ ኣብ1984 ዓ.ም. ኣብ ቶርቢዮ ቀዳማይ ናይታ ሃገር ተወላዲ ደቀባት ካህን ኣባ ኣልቫሮ ኡልከ ከምእተቐትሉ ኣዘኻኺሩን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኮሎምቢያ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ናይ ሰላም ሽማግለ ብምቛም ኣብ ጐድኒ ኣቶም ዒላማን ኣደዳ ዓመጽን ዝኾኑን ምእንቲ ድኻታትን ዝዓዪ ብምዃኑ እውን ንዝተፈላለዩ መጥቓዕቲ ዒላማ ከይኑ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።  

10 April 2021, 10:28