ኣናስርን ልምድን ፍኖተ መስቀል፥ ካብ ቅድስቲ መሬት ክሳብ ኮሎሰዩም

ለምዘበን እውን ፍኖተ መስቀል ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምብዳህ ዝተወሰነ መምርሒ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ መሰረት ኣብ ኮሎሶዩም ዘይኮነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ኮይኑ

ዓርቢ ስቕለት ናይ ኢየሱስ ኣብዛ መሬት ናይ መወዳእታ  ካሳብ ጉልጐታ ዘሎ ጉዕዞ ሕይወቱ ዘጠቓልል እዩ፡ እዚ ታሪኽ እዚ ምስ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ናይ ተስፋን ድሕነትን ፍኖት እዩ። ፍኖተ መስቀል ዝብል ቃል ካብ ማእከላይ ዘመን ዝነቐለ ኮይኑ ብፍላይ ቅዱስ በርናርዶ በዓል ኪያራቫለን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ቅዱስ ቦናቨንቱራ በዓል ባኞረጆን ነቲ ናይ ፍኖተ መስቀል ስነ ስርዓት ባይታ ዝፈጠሩ እያቶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍኖተ መስቀል ኣብቲ እዋናዊ ዘለዎ ስርዓት ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ኣብ ስፐይን ብፍራንቸስካውያን ማሕበር ዝተሰርዓ ኮይኑ፡ ማዕቢሉን ኣብ ኢጣሊያ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ብተኸተል ነቲ ፍኖተ መስቀል ሰሪዑን  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍቕዲ ፍኖት ኣስተንትኖ ደሪሱ ብምቕራብ ዘስፈሔ ኣባል ማሕበር ንኡሳውን ኣሓውን  ቅዱስ ሊዮናርዲ በዓል ፖርቶ ማውሪዚዮ (1676-1751 ዓ.ም.) ከምዝኾነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል
ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

14 ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል

ፍኖተ መስቀል 14 ምዕራፍ ዘለዎ ኮይኑ እቲ ናይ ለዘበን ዕለት 2 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተፈጸመ ኣብ ኢጣሊያ ብሕጻናትን መንእሰያትን ብዘቕረብዎ ኣስተንትኖን ኣሳእል ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰነየ ከምዝነበረን ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጲላጦንስ ንኢየሱስ ንሞት ከምዝፈረዶ፥ ካልኣይ ምዕራፍ ኢየሱስ መስቀል ከምእተሸከመን ሳልሳይ ምዕራፍ ኢየሱስ ንመጀመሪያ ግዜ ከምዝወደቐን ራብዓይ ምዕራፍ ምስ ኣዲኡ ማርያም ኣብ ጐደና መስቀል ከምእተራኸበን ሓምሻይ ምዕራፍ ስምዖን ቀረናዊ ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ተሰኪሙ ከምዘብረዮን- ከምዝሓገዞን፥ ሻድሻይ ምዕራፍ ሓንቲ ሰበይቲ ብመጐልበቢኣ ነቲ ብረሃጽ ጠልቂዩ ዝነበረ ናይ ኢየሱስ ገጽ ከምዝሓበሰትን ሻብዓይ ምዕራፍ ኢየሱስ ንካልኣይ ግዜ ከምዝወደቐን፡ ሻምናይ ምዕራን ኢየሱስ ምስ ኢየሩሳሌም ኣንስቲ ከምእተራኸበን ታሽዓይ ምዕራፍ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝወደቐን ዓስራይ ምዕራፍ ኢየሱስ ክርስቶስ ልብስ ከምእተገፈን መበል 11 ምዕራፍ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ከምዝሸንከርዎን መበል 12 ምዕራፍ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ከምዝሞተን መበል 13 ናይ ኢየሱስ ዓስከሬን ካብ መስቀል ክወርድ ከምእተገበረን መበል 14 ምዕራፍ ናይ ኢየሱስ ዓስከሬን ናብ መቓብር ከምዝወረደን ዘስተንትን እዩ።

ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል

ፍኖተ መስቀል ኣብ መሬት ኢየሱስ

ኣብ ኢየሩሳሌም ፍኖተ መስቀል ናይ ሕማም ጐደና ዘመላኽትን እቲ 14 ምዕራፍ ናይ ሕማም ጐደና ክኸውን እንከሎ፡ ኢየሱስ ምስ ጲላጦስ ካብ ዝተረኻበሉ ቦታ ተበጊሱ ክሳብ ኣብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መቓብር ዝርከበሉ ስፍራ ዘሎ ፍኖት ዘጠቓልል ከምዝኾነን ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ መንፈሳውያን ነጋዶ ናብቲ ቅዱስ ስፍራ በቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ንኽነግዱ ኣብ ዘይከእልሉ እዋን ኵሉ ብምናባዊ ኣገባብ ኣብቲ ናይ ሕማም ጐደና ንኢየሱስ ኣብ መስቀሉ የሰንዩን፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝተኸወነ ናብቲ ናይ ድሕነት ጐደና ይነግዱን ነቲ መንፈስ ድሕነት ይነብሩን፡ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ካብ ኢየሩሳሌም ብዝመሓላለፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስሊ ዝተሰነየ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 30 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ከምእተኻየደን በዚ ኣገባብ እዚ ናብ ሰሙነ ሕማማት ተሰጋጊርናን እነሆ ናብ በዓለ ፋሲካ ንጓዓዝ ኣሎና።

ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል
ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ዝኽሪ ኢየሱስን ሰማዕታት እምነትን

ፍኖተ መስቀል ካብ ኢየሩሳሌም እዚዩ ርሑቕ ምስ ዝኾነ ምስታ ሕብርቲ ካቶሊካውነት ምስ ዝኾነ ከተማ ሮማ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ እዚ ኸኣ ብኣደባባይ ኮሎሲዩም ዝወከል ከምዝኾነን፡ ብዙሓት ክርስቲያን ኣብ እዋን ሮማውያን ንግስነት ናይ ደማ ሰማእትነት ምስ ዝተቐበሉሉ ስፍራ ዓቢይ ርክብን ምትእስሳርን ስለ ዘለዎ። ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዝተኣወጀ ቅዱስ ዓመት 1750 ዓ.ም. ኮለሰዩም ንዝኽሪ ስቓይ ክርስቶስን ሰማእታትን ከምእተወከፈን፡ ድሕሪ ክልተ ሚእቲ ዓመት ዮሓንስ መበል 23 እቲ ብበነዲክቶስ መበል 15 ተጀሚሩ ዝነበረ ተቛሪጹ ዝጸነሔ ክቕጽል ከምዝገበሩን፡ ብጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ክቕጽል ተገይሩን ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1979 ዓ.ም. ኣብ ኮሎሰዩም ብኣኦም ዝተመርሔ ብናይ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣስተንትኖ ዝተሰነየ ፍኖተ መስቀል ከምፈጽም ከምዝገበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የዘኻኽር።

ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል
ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ፍኖተ ስቓይ-ሕማማት

ኣብ 2005 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዝዓረገ ስነ ስርዓት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክሓብሩ ከምዘይከኣሉን፡ ኣብቲ እዋን ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከምዝሰዕብዎን፥ “ብመንፈስ ምሳዅም እየ፡ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ኣስተንትኖ መስቀል፥ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቶም ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። እታ ብክርስቶስ ኢየሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን አሎና” (ቆሎሴ ምዕ. 1, 2-4) እንክብል ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም ኣነ እውን ስቓየይ መደብ ኣምላኽ ክፍጸምን ቃሉ ኣብ ማእከል ህዝቢ ክኸውን ንኣኡ እወፍይ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ብፍሉይ ቀረባ እየ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ናይቲ ዓመት ናይ ፍኖተ መስቀል ጸሎት ኣስተንትኖ ብጆሰፍ ራትዚንገር ዝተደርሰ እውን ከምዝነበረን ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ “ጸሎት ፍኖተ መስቀል ብመንፈስ ምስ ኢየሱስ ጥልቂ ሱታፌ ክህልወና ዝገብርን ብዘይ ፍኖተ መስቀል ቅዱስ ምስጢራዊ ሱታፌ ባዶ ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመርሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል
ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ናይ ምሕረት ፍኖት

ኣብ ናይ 2006 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኮሎሰዩም ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል መዛዘሚ፥ “ኣብ መስቀል ናይ እዋንና መላእ ዘርኢ ሰብ ስቓይ ንርእይ፡ ኣብ ናይ ክርስቶስ መስቀል ናይ ዝተጠንጠኑን ዝተዓመጹን ኣደዳ መሃድዳት ኣብ ዝኾኑ ኣባይቲ ስድራን ኣብ መንጐ ነቲ ኣብ ኣፈት ቤቱ ወዲቑ ዘሎ ኣልኣዛርን ብትዕቢት ዝተመልኡ ሃብታማት ኣብ ዝተገማምዐ ዓለም ዘሎ ስቓይን ሓሳርን ጥምየትን ጽምእን ዝፈጥሮ ስቓይ ይንጸባረቕ፥ ፍኖተ መስቀል ናይ ምሕረት ፍኖት እዩ፥ ፍኖት ነቲ ሕማምን ክፋእን ውሱን ዝገበረ ናይ ምህረት ፍኖት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ኣብ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ኣብ ዝኣወጅሉ ዓመት ኣብ ዝወዓለ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዝተፈጸመ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስትንትኖ ዝደረሱ ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ፥ ኣብቲ  ናይቲ ጸሎት ፍኖተ መስቀል መእተዊ፥ “ምሕረት ናብ ዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ መትረብ እዩ፡ ብዙሓት ኣሰብኡትን ኣንስትን ብዙሕ እዋን ጠፊኦምን ተደናጊሮምን ገሊኣቶም ቁሳውያንን ኣምላኽያን ጣዖታትን ዝኾኑ ብዙሓት ድኻታትን እውን ኣብ ብሕትውናን ዝተረስዑን፥ ብዙሓት ትርጉም ሓጢኣትን ሓቅን ዘጥፈአ ኣካል ሕብረተሰብ ኮይኖም ይርከቡ” ዝብል ሓሳብ ከምዘሰመርሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽረና። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንጸሎት ፍኖተ መስቀል ዝውከፍ ናይ ግዜ መደብ ከምዘሎ ጠቒሶም ባዕሎም እው ወትሩ ኣብ ጁባ ዝተሓዝ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምዘይፍለዮም ከምዝመስከሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል
ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓናማ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ “ምስ ማርያም ነቲ መስቀል ተስኪሙ ዝጓዓዝ ኢየሱስ ምስዓብ፡ መስቀል ናይ ሕይወት ክርስትና ቤት ትምህርቲ ፍቕርን ትዕግስት ጽሞናን ኵውንነትን እንመሃረሉ ስፍራ እዩ፡ ንዓይ - ክነግረኵም - ጸሎት ፍኖተ መስቀል እዚዩ ዝምስጠንን መንፈሰይ ዝስሕብንን ዝማርኸንን ጸሎት እዩ፡ ምክንያት ምስ ማርያም ኲይንካ ደድሕሪ ኢየሱስ ምኻድ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ብጁባ ዝተሓዝ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ብሓደ ብርቱዕ ጻዕራም ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝተወሀበኒ ገጸ በረኸት ንእሽተይ ፍኖተ መስቀል ወትሩ ካብ ጅባይ ፈልየ ኣይፈልጥን፡ ግዜ ክረክብ እንከለዅ ካብ ጅባይ ኣውጽኤ ዝደግሞን ዘስተንትኖ ዝጽልዮም ጸሎት እዩ፡ ንስኻትኩም እውን ፍኖተ መስቀል ሓደራ ግበሩ፡  ምስ ማርያም ኣብ ፍኖተ መስቀል ምጉዓዝ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ኢየሱስ ምእንታና ሕይወቱ ኣሕሊፉ ኣብ ዝሃበሉ ናይ ድሕነት ስፍራ ምስ ማርያም ምዃን፡ ፍኖተ መስቀል ዓቃልን ዕጉስን ጽሞናውን ጭቡጥን ፍቕሪ እንመሃረሉ ስፍራ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ የዘኻኽር።

ፍኖተ ሕማማት ኣብ እዋን ለብዒ

ለምዘበን እውን ፍኖተ መስቀል ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምብዳህ ዝተወሰነ መምርሒ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ መሰረት ኣብ ኮሎሶዩም ዘይኮነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተፈጸመን፥ ናይቲ ፍኖተ መስቀል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣስተንትኖ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኡምብሪያ ክፍለ ሃገር ፎሊኞ ቀዳማዊ ዳህሳስያን ማሕበርን ኣብ ሮማ ቁምስና ሰማዕታት ዘኡጋንዳ ዘሰናደውዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ሕጻናት ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ እውን፥ “ንሕና ሕጻናት እውን መሳቕል ከምዘሎና ተፈልጦ ኢኻ፡ ካብ ናይ ካልኦት ዓበይት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝኸበደ ወይ ከኣ ዝፈኾሰ ኣይኮነን፥ መስቀል እዩ፡ ከምቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ መስቀል እዩ፡ ንስኻ ጥራሕ ኢኻ እትፈልጦን ኣርዚንካ እትርእዮን፥ ከምቲ ንስኻ መስቀልካ ዝተሰከምካ ንሕና እውን መስቀልና ክንስከም ሓግዘና፡ ወትሩ ዝሓሹ ክንከውን መታን፡ ከምቲ እተደልየና ክንከውን መታን” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፥ እቲ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል እውን፥ ካልኦት 500 ሕጻናት ሮማ ናይ እትርከብ ቁምስና ሰማዕት ዘኡጋንዳ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ተመሃሮን ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባንን ንምስጢረ መሮንን ዝሰናደዉን መንእሰያትን ኣብ ክፍሊ ከተማ ሮማ ኣድሪያቲኖ ኣብ ዝርከብ ንብዙሓት ግዱዓት ናይ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መወከሲ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብኣባ ልዊጂ ዲ ኤንሪኮ ዝምራሕ ቁምስና ከምኡ እውን ቤተ ዑቕባ ኣጋርን እቲ ቤተ ቤታኒያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዝተፈላለየ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾና ኣዴታት ምስ ደቃተን ከምኡ እውን ግዳም ሓደር ደቀንስትዮን ዝእለያሉ ማእከልን ሸሞንተ ቁምስናታት ዘጠቓልል ናይ ሮማ ዞባ 22 ንናይ ሰበኻ ሮማ ሊቀ ጳጳሳት ወኪል ምክያድ ሓዋርያዊ መስተናብር ህልው ኵነታት ዘንጸባርቅ ኣብ መእለይ ድኻታት ካብ ዝእለዩ ኣባይቲ ስድራ ዝተዋጽኡ ካብ 3 ክሳብ 8 ዓመት ዝግመቱ ሕጻናት ብዝሰርሕዎ ኣሳእል ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ክስነይ ከምዝኾነን ናይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናይ መቆጻጸሪ ስርዓተ ሕጊ ብዘኽብር ኣገባብ ብምፍንታት ብዘካየድዎ ርክብ ዘሰናደውዎ ኣሳእል ዝተሰነየው እውን ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ትውፊት ፍኖተ መስቀል

ፍኖተ መስቀል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ባህለንን ልምድታተንን ስርዓተን ብዘኽብር ኣገባብ ዝንበር ኮይኑ፥ እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ድማ እቲ ዝምስክሮ ነቲ ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሕለፎ ስቓይ እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብቕብእን ቅረጻ ሓወልትን ብስነ ትያትርን ድርሰት ፊልምን ስነ ጽሑፍን ዝግለጽን ኣብ ናይ ስነ ጥበብ ባህሊ እውን ዓቢይ ቆላሕታ ዝተገብረሉን ዝግበረሉን እውን እዩ።

Photogallery

ኣናስርን ልምድን ፍኖተ መስቀል፥ ካብ ቅድስቲ መሬት ክሳብ ኮሎሰዩም
03 April 2021, 17:36