ታሕጓስ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ጐይታ ኣብ ካልአይ ቅዳሴ ፋሲካ ዘመነ ኮቪድ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 4 ሚያዝያ 2021 ዓም ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ፋሲካ ቅዳሴ ንክሰርዑን ነቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ዝብል ንከተማን መላእ ዓለምን ዝቅርብ መልእኽቲ ፋሲካ ንምቅራብን ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 10 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ነቶም ሳልስቲ ጸሎት ትንሣኤ ብፍሉይ ድምቀት ክፍጸም ጻዕሪ ንዝገበሩ እውን ኣመስጊኖም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብቲ ናይ ዕለቱ ቅዳሴ እውን ከምቲ ኣብ ድሮ ዝተገብረ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ውሱናት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ብኣካል እንክሳተፍዎ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ካቶሊካውያን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ምሳኦም ብዓለ ፋሲካ ኣብዒሎም። ንኣብነት ኣብቲ ብመንገዲ ፈይስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ብቋንቋ እንግዝሊዝ ዝዝርግሖ 9 ሺሕ ዝኾኑ ብሓንሳብ ምስ ር.ሊ.ጳ ይጽልዩ ነሮም። ልዕሊ 170 መርበባትን መራኸቢ ብዙሓንን ቀጥታ ካብ ቫቲካን ብምውሳድ ዘርጊሐንኦ ከምኡ ንናይ ሎምዘመን ፍሉይ ዝግበር ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ብቋንቋ ጽሙማን ማለት ብምልክት ማዕረ ማዕረ ቅዱስነቶም ዘመልክቶ ምንባሮም ፍሉይ ድምቀት ሂብዎ ነበረ። እዚ መደም እዚ ‘ማንም ክግለል የብሉ’ ብዝብል ፕሮጀክት ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ዘበግሶ ኣዩ።

ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ክፍሊ ወንጌል ዮሓ 20.1-9 ኰይኑ ማርያም መግደላዊት ኣንጊሃ ናብ መቃብር ኢየሱስ ከይዳስ ባዶ መቃብር ምስ ጸንሓ ልባ ክሳብ ዝነጥር ብጉያ ናብ ጴጥሮስን ዮሓንስን ከይዳ እናላህለሀትን እናበኸትን ‘ንጐይታይ ካብ መቃብር ወሲዶሞ ኣበይ ከምዘንብርዎ ከኣ ኣይፈልጥ’ ክትብል ብጭንቀት ክትነግሮም ንሶም ከኣ ተቀዳዲሞም ከይዶም ባዶ መቃብር እንተኾነ እቲ መግነዝን መሸፈኒ ርእስን ኣብኡ ከምዝጸንሕም ኣብቲ መቃብር ኣትዮም ዮሓንስ ርእዩ ከምዝኣመነ፡ ማርያም መግደላዊት ግን ኣብኡ ክትብኪ ተሪፋስ እናነብዔት ደኒና ነቲ ሬሳ ኢየሱስ ዝነበሮ እንክትምልከት ክልተ ጻዕዳ ክዳውንቲ ዝተከድኑ ረኣየጥ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ኢየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። ኢየሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ወንጌል ምስ ተነበ ኣይከም ልማዶም እስከ ሎምስ ቃል ኣምላኽ ባዕሉ ይስበኽና ነዚ ዝሰማዕናዮን ምሥጢረ ትንሣኤን ብሱቊታ ነስተንትን ብሱቊታ እውን ብሕልናና ንጸሊ ኢሎም ንግላዊ ኣስተንትኖ ዓደሙ።

ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዲስ ልቀ ካህናት ገሮም ንዝሸምዎም ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ርሑስ ምጅማር ሥራሕ ይግበረልኩም ድሕሪ ቢሎም ነቶም ን16 ዓመት ምስ መመላእታ ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ዘገሎ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ከኣ ንዘበርከትዎ ጒስነት ነፍሳትን መንፈሳውነቶም ስብከቶምን ምሕረቶምን ኣመስጊኖም።  ምስዚ ኣተሓሒዞም እውን ንኩሎም ንጸሎት ሣልስቲ ፋሲካ ብውዕውዕ መንፈስ ክሳለጥ ዝደኸሙን ዝሰርሑን ከምኡ እውን ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥርስ ዘገልግሉ መዘምራን ልኡኻን ኣንበብትን ዲያቆናትን ዝለዓለ ምስጋ አቅርብ እንክብሉ ነታ ንዓለም ምሉእ እትልኣኽ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ትብል መልእኽቲ ፋሲካ ንምቅራብ ተሰናደው።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 April 2021, 18:52