ፍራንቸስኮ፥ ብሓቂ ዘሕፍር ረድኤት ተነፊግዎም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ 130 ስደተይናታት

ናይ ሕፍረት ግዜ እዩ፡ ምእንቲ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ እቶም ሕጂ እውን ኣብቲ ከምኡ ዓይነት ዘሕዝን ጉዕዞ ዝሞቱን ንጸልይ፡ ምእነቲ እቶም ኪሕግዙ እናኸኣሉ ግና ጐስዮም ዝሓልፉን እውን ንጸልይ፡ ናይ ጽሞና ጸሎት ነዕርግ . . .

ዕለት 25 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ እናሓሰቡ፥ “ንኽልተ መዓልቲ ንኸንቱ ርድኡና ዝበሉ፡ ረዳእን በጻሕን ስኢኖም ኣደዳ ዝኾኑን ክረድእዎም ኣኽእሎቱ እናሃለዎም ሕቖኦም ክህብዎም ዝመረጹን፡ ኣብ ባቕዳድ ኣገልግሎት ሕክምና ጸረ ኾረና - ተህዋስ ቤት ሕክምና ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሕይወቶም ዝሰኣኑ 82 ሰባት ሰባትን እቲ ኣብ ደሴት ሳን ቪንሰንትን ግራናዲንስ ብዝተኸስተ ንቷግ እሳተ ጐምራ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመን ጠቒሶም፥ ጸሎት ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

“ዓቢይ ስቓይ፥ ግዜ ሕፍረትን” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሕይወቶም ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዝሰኣኑ 130 ሰባት ዝፈጠረሎም ዓቢይ ሓዘን ገሊጾምን፡ ብዘይ ምቁራጽ ንኽልተ መዓልቲ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ከመሓላልፉ ሕይወቶም ንምድሓን ዝለመንዎ ናይ እድሕኑና ሓገዝ ገዓሮም መልስሊ ዘይረኸቡን፥ ዝሓተትዎ ረድኤት ዘይበጸሖም ኣሕዋትና እንክብሉ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ነቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝሞቱ 130 ሰባት፥ ሰብኣዊ ሕይወት ዘለዎም እያቶም” እንክብሉ ከምዝዘከርዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምእንቲ እቶም እቶም ኪሕግዙ እናኸኣሉ ግና ጉስዮም ዝሓልፉ ንጸልይ

ኵሉ በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ኵነት’ዚ ገዛእ ርእሱ ይሕተት . . .

ናይ ሕፍረት ግዜ እዩ፡ ምእንቲ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ እቶም ሕጂ እውን ኣብቲ ከምኡ ዓይነት ዘሕዝን ጉዕዞ ዝሞቱን ንጸልይ፡ ምእነቲ እቶም ኪሕግዙ እናኸኣሉ ግና ጐስዮም ዝሓልፉን እውን ንጸልይ፡ ናይ ጽሞና ጸሎት ነዕርግ . . .

ምእንቲ እቶም 82 ኣብ ባቕዳድ ቤት ሕክምና ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ኣደዳ ዝኾኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ዝርከብ ህሙማን ኾሮና ተህዋስ ዝእለይሉ ቤት ሕክምና ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣደዳ ምእንቲ ዝኾኑ ንጸልይ፡ እቶም በቲ ዘጥጋጠመ ሓደጋ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ክሳብ ሕጂ 82 ጥራሕ ምዃኖም እዩ ዝንገር” ምስ በሉ ኣስዒቦም እውን ኣብ ደሴታት ሳይንት ቪንሰንትን ግራናዲንስ ብዘጋጠመ ንቷግ እሳተ ጐሞራ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንዝተቃልዑን ኵሎም እናሓሰቡ ጸሎቶምን ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጓተማላኵላ፥ ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ዝበለቶም 10 ደቂ ቤተ ክርስቲያን “መሰኻኽር ፍቕሪ”

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 23 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ጓተማላ ሰበኻ ሳንታ ክሩዝ ደል ኪቸ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትሎም ሰለስተ ካህናትን ሸውዓተ ዓለማውያን ማመናን ኵሎም ኣባላት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ካብ 1980 ክሳብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ናይ ዓመታት ገደብ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ውጹዓትን ጠበቓ ብምዃን ኣብ እትዓየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ናይ ደም ሰማእታት ዝተቐበሉ ኾሰ ማሪያ ግራንን ትሽዓተ ሰማእታት እምነት ብጾቱን ዘኪሮም፡ እዞም ሰማዕታት እዚኣቶም በቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ዝተደረኹ፥ “ጀጋኑ መሰኻኽር ፍትሕን ፍቕርን እያቶም፡ ኣብነቶም ንወንጌል ኣብ ምንባር ዝያዳ ለጋሳትን ተባዓትን ይግበረና” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

25 April 2021, 22:12