ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢንዶነዢያን ኢስት ቲሞርን ምእንቲ ኣደዳ ምዕልቕላቕ ማይ ዝኾኑ ዜጋታት ይጽልዩ

ቅዱስነቶም ምእንቲ ኵሉም በቲ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተገድኡ ከምዝጸለዩ

ዕለት 7 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ቀዳማይ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ደቡባዊ ምብርቕ እስያ ዝሃርመ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ኣደዳ ምእንቲ ዝኾኑ ኵሎም ከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዥያን ኤስት ቲሞርን ሰሮጃ እተሰምየ ብርቱዕ ህቦብላ ብዝስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ ሚእቲ ዝግመቱ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ቁጽሮም እውን ክብ ክብል ከምዝኽእል ክንገር እንከሎ፡ ብዙሓት እውን ብዘይ ኣባይትን ንብረትን ከምዝተረፉን በሸሓት ዝቑጸሩ እውን ከምዘመዛበለን ዝተሓበሩ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 7 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥

ነቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኢንዶነዢያን ኢስት ቲሞርን ዝወረደ ብርቱዕ ዝናምብ ህቦብላን ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ኣደዳ ዝኾኑን ዝተጐድኡን ኣብ ጸሎተይ ዝኩራት ምዃኖም ከረጋገጽ እፈትው፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ጐይታ ኣብ መንግስቱ ይቀበሎም ንኣባይቲ  ስድራ ምውትታት የጸናንዕ ቤቶም ንዝባደሞም ይደግፍ!

ክምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከምዚ ዓይነት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ከጋጥም ንፈለማ ግዜ ከምዘይኮነን ብተደጋጋሚ ዝርአይን ናይ ዝናም ወቕቲ ዝፈጥሮ ምዕልቕላቕ ማይን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ብዘጋጥም ምብዳም ድልድልን መደረጋሕን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንኽቢድን ፎኪስን ሓደጋ ከምዘቃልዕ እውን ጠቒሱ፡ ቅዱስነቶም ምእንቲ ኵሉም በቲ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተገድኡ ከምዝጸለዩ ኣፍሊጡ።

07 April 2021, 22:43