ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ብላዕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመርሕነት ኣካላት ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ብላዕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመርሕነት ኣካላት 

ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ብላዕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመርሕነት ኣካላት

ነቲ ቅዱስነቶም ዝደንገዎ ብዛዕባ ብላዕን ምትላልን ግብረ ሽበራን ሕጽቦ ረሳሕ ገንዘብን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ካብ ክፍሊት ግብሪ ምምላጥን ምጭብርባርን ብዝብልከት ገበን ዘይተኸሱን በዚ ገበ እዚ ከምዘይጥርጠሩን ብዛዕባ ብላዕ ብይጻረይ ዝተተሓዘ ዝተወዘፈ ክሲ እውን ከምዘይብሎምን ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝጻረር መዳይን ሃብቲ ገንዘብ ከምዘየዋፈሩን ወይ ከኣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ምስ ዝጻረራ ትካላትን ሱታፌ ከምዘይብሎም ዘረጋግጽ ሰነድ ክፍርሙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍልዩ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ንናይ ሃገረ ቫቲካን ኣካየድቲ ዕዮን ኣመሓደርትን ብዛዕባ ግብረ ሽበራን ሕጽቦ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘንብ ካብ ግብሪ ክፍሊት ምምላጥን ምትላልን ካብ ዝብል ክስን መርመራን ናጻ ክኾኑ ኣለዎም ዝብልን ከምኡ እውን ናይ ሃገር ቫቲካን ሰራሕተይንታት ልዕሊ ኣርብዓ ኤውሮ ዝግመት ህያብ ከይቕበሉን ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ሓድሽ ሕጊ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ፡ ኣብ ንኣሽቱን ኣገደስትን ነገራት እሙም ምዃን” ብዝብል ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት መሪሕነት ቅድስቲ መንበርን ከምኡ እውን ኵሎም እቶም ኣብ ምምሕዳር ሓላፍነት ዝተቐመጡን ኣብ ምምሕዳር ሕግን ፍትሕን ዝዓዩን ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ዘለዎምን ኵሎም ብዛዕባ ብላዕን ምትላልን ግብረ ሽበራን ሕጽቦ ገንዘብን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ካብ ክፍሊት ግብሪ ምምላጥን ምጭብርባርን ብዝምልከት ገበን ዘይተኸሱን በዚ ገበን እዚ ከምዘይጥርጠሩን ብዛዕባ ብላዕ ብይጻረይ ዝተተሓዘ ክሲ እውን ከምዘይብሎምን ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝጻረር መዳይ ሃብቲ ገንዘብ ከምዘየዋፈሩን ወይ ከኣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ  ጠመቓዊ ትምህርቲ ምስ ዝጻረራ ትካላትን ሱታፌ የብለይን ዝብል ሰነድ ክፍርሙ” ዝሓትት ሕጊ  ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትካላትን ናይ ውዕሊ ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብቲ ዝደንገግዎ ሕጊ፥ “ብላዕን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ብዝተፈላለየ መገድታትን መልክዕን ክርአይ ይኽእል፡ ስለዚ ኸኣ፡ ኣህጉራዊ ስርዓታትን ብሉጽ ልምድታትን ነቶም ኣብ ሕዝባዊ ትካልትን ቀንዲ ግድ ዘለዎም እብ ዝኾነ ይኹን ዓውድታት ናይ ግል ጥቅሚ ምግርጫዋትን ዓሚላውነትን ንዝኣመሰሉ ብጠቕላላ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንምቅላስ ግልጽልነት ከም ግዴታ ዝሕተቱ፡ እዚ ቅድስቲ መንበር ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝጸደቀ ውሳኔ ጸረ ብላዕ ተቐቢላን ገዛእ ርእሳ “ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብዝተፈላለየ መገድን መልክዕን ዝግለጽ ዘበለ ኵሉ ገበን ምቃላስ ምስ ዝብል ውሳኔታት ትሰማምዕ” ዝብል ሓሳብ ከምዘንበሩሉ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. እቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ሓፈሻዊ ማምርሒ ኵርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያንን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ሓደስቲ ዓንቀጻት ኪውሰኽ ከምዝወሰኑን እዚ ኸኣ ብኹሉ ነቶም ኣብ ኵርያ ሮማና ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝርከቡ ኣካየድቲ ዕዮን ኣመሓደርትን (ካርዲናላትን ምኽትላቶምን ብናይ ንሓሙሽተ ዓመት ናይ ስራሕ ውዕሊ መሰረት) ከም ተቖጻጸርቲ ድዩ ወይ ኣባል ጉጅለ ሓለዋን ዘገልግሉን፡ ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ንጡፍ ፍርዳዊ መዳይን ኣብ ናይ ምቁጽጻር ጉዳያትን ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣብ ዝፍርምሉ እዋን ከከም ናይ ስራሕ ዓመታት ውዕሊ ዛዚሞም ናይ ስራሕ ውዕሊ ክሕድሱ እንከለዉ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ቅዱስነቶም ዝደንገዎ ብዛዕባ ብላዕን ምትላልን ግብረ ሽበራን ሕጽቦ ረሳሕ ገንዘብን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ካብ ክፍሊት ግብሪ ምምላጥን ምጭብርባርን ብዝብልከት ገበን ዘይተኸሱን በዚ ገበ እዚ ከምዘይጥርጠሩን ብዛዕባ ብላዕ ብይጻረይ ዝተተሓዘ ዝተወዘፈ ክሲ እውን ከምዘይብሎምን ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝጻረር መዳይን ሃብቲ ገንዘብ ከምዘየዋፈሩን ወይ ከኣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ  ጠመቓዊ ትምህርቲ ምስ ዝጻረራ ትካላትን ሱታፌ ከምዘይብሎም ዘረጋግጽ ሰነድ ክፍርሙ ዝሓትት እዩ።

ኣብተን ብምሕጻብ ሃብቲ ገንዘብ ፍሉጣትን ተጠርጠርትን ኣብ ዝኾና ሃገራትን ትካላትን ጥረ ገንዘብ ኮነ ወይ ዝተዋፈረ ሃብቲ ገንዘብ እውን ከምዝይብሎም ከፍልጡ ግድን ዝብል ሓድሽ መምርሒ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፥ እቶቶም ኵሉ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝርከብ እውን ምዃኑ ከረጋገጹን ምስተን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርትን ብሓፈሻኡ ሰረተ-እምነት ኣብ ዝጻረር ዓውዲ ምስ ዝዋፈራ ትካላት ምንም ዓይነት ሽርክና ኮነ ተኻፋሊ ረብሓ ክኾኑ የብሎምን ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እውን እቶም ኣካላት ዝህብዎ ሓበሬታን ዝፍርምዎ ሰነድን ክምልከትን ዝህብዎ ሓበሬታን ከጻርይ ሓቅነቱ ከረጋግጽን ሓላፍነት ከምዘለዎን ከምቲ ዝኸተምዎ ኮይኖም እንተድኣ ዘይትረኽቡ ካብ ስራሕ ክስጐጉን ዘስዓብዎ መጉዳእቲ እንተድኣ ኣሎ ተሓታቲ ክገብሮም ከምዝኽእል እውን እቲ ቅዱስነቶም ዝደንገግዎን ሓድሽ መምርሒ የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሓድሽ ሕጊ፥ ብዛዕባ ኹሎም እቶም ኣብ ግዝኣት ቫቲካን ከምኡውን ምስ ግዝኣት ቫቲካን ኣብ ዚዛመዳ ትካላት ዚሰርሑ ሰራሕተይናታት ምስቲ ዝፍጽምዎ ስራሕ ኣብ ዝተተሓሐዘ መዳይ ዝወሃቦም ህያብ ልዕሊ ኣርብዓ ኤውሮ ክኸውን የብሉ ዝብል ትእዛዝ እውን ዝተነብሮ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 April 2021, 23:13