ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ካብ ዕለት 5-8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ካብ ዕለት 5-8 መጋቢት 2021 ዓ.ም.  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ.፥ “ኣስጋኢ መገሻን ናይ ምርኻብ “ግቡእነትን-ግዴታዊ ሓላፍነትን”

“በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ብዘሎ ለብዒ ብዝፈጠሮ ዘይልሙዱ ኵነት ምኽንያትን ዝቖሰለት ሃገርና እተሕልፎ ዘላ ጽንኩር ኵነት ምኽንያትን ነቲ ናይ ምብጻሕ መደብኩም ከተሰጋግሩ ዝብሉ ለበዋታት ይቐርበልኩም እውን እንተነበረ ቅዱነትኩም ነታ ኣብርሃም ዝነቐለላ መሬት ንኽትበጽሑ ካብ ዘለኩም ድላይ ንድሕሪ ዘይምባልኩምን ኣብታ ኣብራሃም ዝነቐለላ መሬት ምህላውኩም ዒራቓውያን ከም ዓቢይን ክቡርን ጋሻኡ ይሕበንን ኵርዓቱ ይገልጽን”

ኣብ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ቃልን ኣብቶም ኣብ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅድስነቶም ኣብ ዝተራኸቡ ማሕበረ ክርስቲያን ወጅሂ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ተባዕ ናይ ቅርበት ወስታ፡ ዓቢይን ጥልቅን ምሳ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ (Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓታት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ናይ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 5 መጋቢት ዝተዛዘመ ቀዳማይ ውዕሎ እቲ ናብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ዝደረኾም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዝበለጸ ትርዳእ፡ እቲ ናብ ዒራቕ ምብጻሕ “ናብታ ንብዙሕ ዓመታት ሰማእት ዝኾነት መሬት ምባል ግቡእነት (ግዴታዊ ሓላፍነት) እዩ” እንክብሉ ባዕሎም ቅዱስነቶም ናብ ዒራቕ ንኽጓዓዙ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ኣብ ዘካይድሉ ህሞት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ፡ . . . ቅዱስነቶም ብኣካል ተረኺቦም ንማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕን ንዅሎም ነቶም ዝተሳቐዩ እቲ ዘሕዝን ነቶም ሕጂ እውን በቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ን 1400 ዜጋታት እታ ሃገር ንሞት ብዝዳረገ ዓመጽ ሽበራን መኽረርትን ሳዕቤናት ምኽንያት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ቅርበቶም ድጋፎምን ንኽምስክሩ ምስ ወሰኑ ነዚ ሓሳብ እዚ ንኽቕይሩ ዝገበረ ሓደ’ኳ የልቦን።

ናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕህ ቃሲም፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ፍራቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዓቢይ ትጽቢት ዝተገበረሎም ከምዝኾነን፥ “በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ብዘሎ ለብዒ ብዝፈጠሮ ዘይልሙዱ ኵነት ምኽንያትን ዝቖሰለት ሃገርና እተሕልፎ ዘላ ጽንኩር ኵነት ምኽንያትን ነቲ ናይ ምብጻሕ መደብኩም ከተሰጋግሩ ዝብሉ ለበዋታት ይቐርበልኩም እውን እንተነበረ ቅዱነትኩም ነታ ኣብርሃም ዝነቐለላ መሬት ንኽትበጽሑ ካብ ዘለኩም ድላይ ንድሕሪ ዘይምባልኩምን ኣብታ ኣብራሃም ዝነቐለላ መሬት ምህላውኩም ዒራቓውያን ከም ዓቢይን ክቡርን ጋሻኡ ይሕበንን ኵርዓቱ ይገልጽን፥ ኣብ ናይ ዒራቓውያን ግንዛበ እውን እቲ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ምስጋር ብጭቡጥ እቲ ምብጽሕ ዘለዎ ክብሪ ብድርብ ክብ ዘብሎ ምዃኑ እዩ ዝስትውዓል” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

ዓቢይ ናይ ሞሳ ስምዒት እውን ኣብቶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ዝተቐበሉ ኣብ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረ ሰብ ኣባላት ወጅሂ እተቃልበሉ ኵውንነት እዩ፡ እታ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዕለተ ሰንበት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣናተሳተፉ እንከለዉ ብዝተቐትሉ በርብዓን ሸሞንተን ናይ እምነት ሰማዕታት ደም ናይ ዝተሓጽበት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ብምድንፋቕ ኣብ ዙሪያ እቶም ቀረባ ንኽኾኑ ካብ ሮማ ኣብ ዝመጹ ር.ሊ.ጳ. ዙርያ ተኣከበ። ኣብ ሓደ ወገን እታ ካቴድራል ዝተነብረ ምስሊ ወርሒ ናይቶም ንኣዋጅ ብጽዕና ኣብ ኪደት ንዘለዉ ኣደዳ ዓመጽ ዝኾነ እተዘኻኽር እያ። ኣብ ዙርያ እቲ መቕደስ ዘሎ ናይ ኣሿኽ ገመድ ምስሊ ድማ ሎሚ እውን ኣብታ ብሽበራን ብዕጡቓት ሓይልታትን ዝተፈንጨሉ ሓይልታትን ኣዚያ ኣብ ዝደመየትን ናይቲ ዞባውን ኣህጉራውን ሓያላን ረብሓታት ዝተጠናነገላን ሃገር ዘሎ ስግኣት ዝገልጽ ክኽውን እንከሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ገጽ እቲ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ንፍራንቸስኮ ዝተቀበለ ማሕበረ ክርስቲያን ወጅሂ ፍርሒ ዘይኮነ ሓሴት ጥራሕ እዩ ዝንበብ! እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

06 March 2021, 00:38