ፍራንቸስኮ፥ ጽባቔ ስድራ ቤት ዘዋግይን ኣብ ሕቶ ካብ ዘእትው ዘበለ ኵሉ ንከላኸል ፍራንቸስኮ፥ ጽባቔ ስድራ ቤት ዘዋግይን ኣብ ሕቶ ካብ ዘእትው ዘበለ ኵሉ ንከላኸል 

ፍራንቸስኮ፥ ጽባቔ ስድራ ቤት ዘዋግይን ኣብ ሕቶ ካብ ዘእትው ዘበለ ኵሉ ንከላኸል

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ይብሉ፥ ንናይ ስድራ ቤት ጭቡጥ ኩነት ግምት ዝህብ ብሓድሽ መቓርቦ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነን

ናይ ስድራ ቤት ዓመት ኣብ ዝተበገሰሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንስድራ ቤት ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘበለ ናብቲ ጭቡጥ ናይ ስድራ ቤት ሕይወት እትው ዝኾነ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኣብ ዘስዕቦ ጸገም ቀረባ ክኸውን ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ምልኩት ዝኾነ ዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ምልስ ቢሎም ናብቲ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ሓምሻይ ዓመት Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሓባር ኣብ ሓደ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዘይኮነ ብመረብታዊ ውሕዘት ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቕዋም ብሓባር ናብ ዘሰናደውዎ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ስድራ ቤት ጽባቔ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትው ዘበለ ፈተና ኩሉ ክንኣልይ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብግልጽነትን ለውሃትን

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ይብሉ፥ ንናይ ስድራ ቤት ጭቡጥ ኩነት ግምት ዝህብ ብሓድሽ መቓርቦ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ ናይ ስድራ ቤት ጽባቔ ናይቲ ናይ ስድራ ቤት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከናኸኖንን ግልጽነት ኣስፍሆተ ወንጌልን ብሓልዮትን ለውሃትን ምስናይን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከምዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ጠመቓዊ ትምህርትን ጭቡጥ ሕይወትን

ኵሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ከምኡ እውን እቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝገድስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ በኻልእ መዳይ ከኣ ኣብቲ ወትሩ ሓድሽ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ዝጸንዔ እዩ፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ርክባት ውጅሁ ዘበላሽውን ንዘይምርግጋእ ካብ ዘቃልዖ ጊላ ክገብሮ ካብ ዝደልይ ውልቃውነትን ፍርሒ መጻእን ዝብል ኣመላኽኽታ ዝዓብለሎ ነቲ ንመላእ ሕይወት ዝብል ሓላፍነት ዘዳኽምን ግዚያዊ ዝኾነ ካብ ዘተባቦዕ ፈተና ንኽላቐቕ ዝጠልብን  ብኻልእ መዳይ እውን ቤተ ክርስቲያን ከም መምህራ ኣብቲ ናይ ሰብ ሓዳርን ወለድን ጭቡጥ ሕይወት፥ ኣብ ዕለታዊ ድኻምን ክትስባእ ዝተጸውዐት እያ ቢሎም፡ ወንጌል ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዘይተሰግወ ኮይኑ ካብ ላዕሊ ዝቐርብ ጠመቓዊ ትምህርቲ ነይሩ እንተዝኸውን ህልዩን ከም ግብረ ገባዊ ግዴታን ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ጽባቔ ሰዋስው

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድንዅምን ካብ ጐይታ ዝተቐበልኩምዎ ጸጋ ክትዕቅቡን ክትነብርዎን ንኽትድግፈኵም ቀረባኹምን ምሳኻትኩም እያ ዝብል ጭቡጥ ምስክርነት ንስድራ ቤት ኣብ ጉዕዞ ምስናይን ጽን ምባልን ዝዕድም እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢላ ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ተክሊል - ክርስቲያናዊ ቃል ኪዳን ከም ናይ እግዚኣብሔር መደብን ናይ ጸጋኡ ውጽኢትን ብምልእትን ተኣማንነትን ብሞሳን ዝንበር ጸዋዕታን ጸጋን እዩ ዝብል ክብረቱ ተስርጽን፥ እዚ ኣገባብ እዚ እዩ ቃል ኪዳን ብምውዳቕን ምትንሳእን ምቅይያራትን ምልኵት ዝኾነ ጉዕዞ እውን እንተለዎ በዘየገድስ ንናይ ምልኣት ሓሴትን ሰብኣዊ ርክባትን ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ሕውነትን ፍቕርን መባዅዕቲ ንኽኸውን ዘብቅዕ፡ ብዅለንተናኡ ድማ ናይ ጽባቔ ሰዋስው ኮይኑ ዝርከብ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስድራ ቤት ናይ ሕውነት ውሕስነት እዩ

ብትኽክል እውን ካብ ክውንነት ምእንቲ ርሒቕካ ከይንበር፡ ቅዱስነቶም ነቲ ብዙሕ ናይ ስነ ልቦናን ቁጠባን ጥዕናን ጸገማት ዘስዕብ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንናይ ስድራ ቤት ርክባት ዓቢይ ፈተና ኮይኑ ዘሎ ጭቡጥ ኩነት ክንየው፡ ስድራ ቤት ንሕብረተሰብን ንመላእ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ናይ ሓልዮትን ምድግጋፍን ርግኣትን መወከሲ እዩ ቢሎም፥ ስድራ ቤት ክድገፍ ከመዝለዎ ጻውዒት እንከቕርቡ፥ ካብቲ ጽባቔኡ ንሓደጋን ዋጋ ዕዳጋን ዘቃልዕ ንከላኸል፥ ነዚ ናይ ፍቕሪ ምስጢር’ዚ ብምስትውዓልን ብለውሃትን ብኣግራሞትን ንቕረቦ፡ እቲ ክቡርን ጥንቃቔ ዝሓትትን ጥሙር፥ ምስ ውላድን ወለድን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ዘለዎ ርክባቱ ንሓልው፥ ንምንባርን ብሰናይ ንምንባርን ሕብረተሰብ ዝያዳ ሕውነታዊ ክኸውን እቲ ኣብ ስድራ ቤት ውሽጢ ዘሎ ርክብ ምክንኻን ኣገዳሲ እዩ፡ ስድራ ቤት ናይ ሕውነት ውሕስነት እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 March 2021, 22:11