“ወትሩ ናብ ዝዓበየ ‘ንሕና’፥ መርሕ ቃል ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት “ወትሩ ናብ ዝዓበየ ‘ንሕና’፥ መርሕ ቃል ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት 

“ወትሩ ናብ ዝዓበየ ‘ንሕና’፥ መርሕ ቃል ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት

ኣብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብፍላይ ኣብ ፍቕዲ 35 ኣብ መወዳእታ ካልኦት ዝብል ተሪፉ ንሕና ዝብል ጥራሕ ይሃሉ እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣስተንፍሶ ዝገበረ እውን ምዃኑ ዕለት 27 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ

ዕለት 27 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ናይ 2021 ዓ.ም. መበል 107 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ነቲ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ምዃኑ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዕለት 26 መስከረም 2021 ዓ.ም. ተዝኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣርእስቲ ወትሩ ናብ ዝዓበየ ‘ንሕና’ ናብ ዝብል ኮይኑ ኣብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብፍላይ ኣብ ፍቕዲ 35 ኣብ መወዳእታ ካልኦት ዝብል ተሪፉ ንሕና ዝብል ጥራሕ  ይሃሉ እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣስተንፍሶ ዝገበረ እውን ምዃኑ ዕለት 27 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡ እቲ “ንሕና ዝብል ኵላዊ ቅድም ቀዳም ኣብታ ኣብ ብዙሕነት ሱታፌ ንኽትነብር ኣብ ዝተጸወዔት ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ይኹን ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘስመሩሉ የመላኽት።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ እቲ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ኣብ ሽዱሽተ ንኡሳን ኣርእስታት ዝጸንዔ ኮይኑ፡ ንናይ ሓባር ስድራን ናይ ሓባር ቤትናን ክንክን ኣድህቦ ክንገርብ ዝዕድምን ናይዚ ሸቶ ኸኣ እቲ ንሕና ዝብል ወትሩ እናሰፈሔን ኣኣንጋድን እናኾነ ክዓብይ ዝብል ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጽንብል ግቡእ ምድላው መታን ክግበረሉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ብናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ኣብቲ ናይቲ መልእኽቲ ሽዱሽተ ንኡሳን ኣርእስታት መሰረት ዝገበረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ማለት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ብህብረ መራኸቢ ብዙሓን ዝቐርብ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሓርዩ ቅዉም ሓሳባት መሰረት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ክኢላታትን ዘቕርብዎ ናይ ሓበሬታን ኣስትሰንትኖን ዝተመስረተ መደብ ጐስጓስ ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ። 

01 March 2021, 15:26