ፍራንቸስኮ፥ እታ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ንመላእ ዓለም እተፍቅር ቤተ ክርስቲያን ጽብቕቲ እያ

ሕዝቢ ፊሊፒንስ ነቲ ቅድሚ 500 ዓመት ዝተቐበሎ ወንጌል ኣብ እዋንና ብሓሴት ንመላ ዓለምን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ዝምስክር ብምዃኑ ከመስግን እፈትው፥ ብዘይ ዓውዓውታን ሕርኵት ዕለታዊ መነባብራኹም እምነት ኣብ ምምስካር ትጉሃት

ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብታ ብብዝሒ ካቶሊካውያን ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ ሃገር ኣብ ዝኾነት ፊሊፒንስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ዜጋታት ፊሊፒንስ ኣብ ዝርከብለን ኣብ ዝኸዱለን ኣብ ዝዓዩለን ሃገራትን እምነት ብሓሴት ዝምስክሩ ምዃኖም ገሊጾም፥ “እምነትካ ብሓሴት ምግላጽ እዚ ብሓቂ ቅዱስ ሕማም እዩ እሞ ሓድራኹም ነዚ ሕማም እዚ ዓቅብዎ”  እንክብሉ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብዘይ ቅድም ፍርድን ንመላእ ዓለም እተፍቅርን ገዛእ ርእሳ ኣሕሊፋ እትህብ ቤተ ክርስቲያን ጽብቕትን ማራኺትን እያ” ብዝብላ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ፊልፒንስ ኣብ ሮማ ማሕበርሰብ ፊሊፒንስ ዘሳተፈ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም . . .

ቅዱስነቶም ብናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ተወላዲ ፊሊፒስ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለን ብናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ተሰንዮም ቅድሚ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣቲ ኣብ ፊሊፒስን ኒኞ ብዝብል መጸውዕ ዝፍፈልጥ ናይ እምነት ምልክት ዝኾነ ኣዚዩ ዝኽበር ቅዱስ ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ብዘምረሔ ዑደትን ናብቲ ናይ ማጂላን መስቀል ዝተነብሮ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሓቢ ፍቕሪ ብዘርእስቱን መዝሙር ተሰንዮም ኣብ መንበረ ታቦት በጺሖምን ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ፊሊፒስ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ምእንቲ ምስክርነት ናይ ወንጌል ሓሴት ንናይ ሕዝቢ ፊሊፒንስ ምስጋና አቕርብ

ሕዝቢ ፊሊፒንስ ነቲ ቅድሚ 500 ዓመት ዝተቐበሎ ወንጌል ኣብ እዋንና ብሓሴት ንመላ ዓለምን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ዝምስክር ብምዃኑ ከመስግን እፈትው፥ ብዘይ ዓውዓውታን ሕርኵት ዕለታዊ መነባብራኹም እምነት ኣብ ምምስካር ትጉሃት እንክብሉ ንማሕበርሰብ ፊሊፒንስ ከምዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣብ ፍጻሜ እቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ፊሊፒናዊ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ንቕዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ምስጋና ቃል፥ “ጽሞናን በይናውነት ክስምዓና እንከሎ ናይቲ ምሳና ሓቢሩ ናይ ዝጓዓዝ ኢየሱስ ሓይሊ ንረክብን፡ ኣቦ ሓጐታትናን ኣደ ሓጐታትናን ከምዝጐደሉና ክስምዓና እንከሎ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቦሓጐና ንረክብ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ወንጌል ጠመቓዊ ትምህርቲ ዘይኮነ እቲ ዝተወሃበና ኢየሱስ ባዕሉ እዩ

ኣብታ ራብዐይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም፥ ብስርዓተ ላቲን ሰንበት Laetare - ዘሓሴት ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 14-21 ዝተወስደ ምንባብ፥ ኣብ መንጐ ኢየሱስን ኒቆዲሞስን ዝተኻየደ ርክብ ዘዘንትው ኮይኑ፥ እግዚኣብሔር ንዓለም ወዱ ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀሮ - እዚ ናይቲ ዘይጸንት ሓጐስና ምኽንያት እዩ። . . . ንሕና ሕይወት ክህልወና መታን እግዚኣብሔር ውዱ ንኣና ሃበና፥

ናይ ሓጐስና መሰረት ከመይ ገርካ ሕጉሳት ክንከውን ዘረድእ ህልዩ ዘይኮነ ከምእተፈቕሩን ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘሰንየና ከምዘሎና ኣብ እንነብሮ ተመክሮ እዩ!

እግዚኣብሔር ኣብ ክርስቶስ ኣፍቀረና

እግዚኣብሔር ኣቦ መዳርግቲ ብዘይብሉ ፍቕሪ ኣዚዩ ኣፍቀረና፥ እዚ እቲ ኢየሱስ ነቲ ብዕድመ ንዝደፈአ ኣይሁዳዊ መምህር ክፈልጥ ንዝደለየ ኣረጋዊ ኒቆዲሞስ ዝብለን ቃላት እያተን፡ እግዚኣብሔር ወትሩ ብፍቕርን ንፍቕርን እዩ ዝጥምተና፡ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ኮነ፥

ኣብቲ ዝጠፋእናሉ ንኸናድየና እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ኣቢሉ መጸ፡ ካብቲ ዝወደቕናሉ ንኸተንስኣና ንብዓትናን ስቓይናን ናቱ ገይሩ ሕወትና ንዘለኣለም ባረኸልና፡

እቲ እግዚኣብሔር የፍቕረካ እዩ ዝብል ቃል ብስራት ጽን ንበል

ኣብ ኢየሱስ እግዚኣብሔር ትርጉም ሕይወት ገለጸልና፥

እግዚኣብሔር ሕይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀረና፡ ካብ ላዕሊ ኮይኑ ብዘይተገዳስነት ዝርእይ እግዚኣብሔር ዘይኮነ፡ ናብ ታሪኽ ሕይወትና ካብ ምውራድ ዘፍቅረና ኣቦ እዩ፡ ብሓጢኣት ኣብ ሙማት ዝድሰትን ዝኹንን ኣቦ ዘይኮነ በተን ዝተባርካ ኣእዳዉ ኣብ ሕቝፍኡ ኣንቢሩ ዘድሕነና እዩ፡

ብቓላት ዘይኮነ ሕይወት ክሳብ ምሃብ ዝፍቅረና እዩ

ምእንታና ወዱ ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀረና፥ እዚ ፍቕሪ’ዚ ዘለዎ ሓይሊ ካብ ምድሓን ሓሊፉ ንኣይነትን ነቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ብቐመራቱ ንዝነብሮ ውሕስነትን ፈላላይ መናድቕን ፍርሕን ኩሉ ኣለዮ፥

ዝፋቐሩን ጽቡቖም ዝደላለዩን ዝሓብሩን ሰባት ምርካብ ክንደይ ባህ የብል፡ እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ወዱ ክሳብ ምሃብ ብዘፍቀረና  ባህ ዝብሎ በዞም ሰባት’ዚኣቶም እው ባህል ይብሎ፡ እነፍርዮን እንረኽቦን ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ስለ ምፍቃርና ኣሕሊፍና እንህቦ እውን እዩ ብዝያዳ ባህ ዘብል!

ኣብ ዒራቕ እታ ሰማእት መሬት ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝፈጠረሎም ሓሴት

እቲ ናይ ሓጐስና ምንጪ “እግዚኣብሔር ኣብሊጹ ስለ ዘፍቕረና ወዱ ኣሕሊፉ ንምፍቃርና ኣወፈየ” ዝብል እዩ፡ ስለዚ እዩ ድማ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ብነቢይ ኢሳያስ ኣቢላ ኣብዛ ሰንበት ዘሓሴት፥ “ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ባህ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ” ትብለና እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብቲ ሰማእት ዝኾነ ሕዝቢ ዝረአይዎ ሓቂ ምዃኑ ገሊጾም፥ ብሓሴትን ብጸጋ ምሕረትን እግዚኣብሔር ሕጉስ ዝኾነ ሕዝቢ፥

እውነተይና ሓሴት ኣብቲ ብናጻ ኣብ ምፍቓርና ዘሎ እዩ

ገለ ገለ እዋን ሓሴት ኣብ ዘይርከበሉ ቦታ ሓሴት ንናድይ፡ ኣብቲ ዘደናግርን በናንን ዝኾነ፡ ኣብቲ ናይ ኣነነትና ሕልምታት ነናድዮ፡ ኣብ ቁሳዊ ነጋራት እነንብሮ ውሕስነት፥ ወይ እውን ኣብ ኣምልኾ ምስልታትናን፥

ይኹን ደኣ እምበር ናይ ሕይወትና ተመክሮ እውነተይና ሓሴት ኣብቲ ብናጻ ምፍቓርና ኣብ ዘሎ ሓቅነት ምዃኑን ኣብቲ በይንና ዘይምዃንና ዘሰንየና ከምዘሎናን . . . ኣብቲ ኣብ ድኻምን ምንዋጽና ንረድኤትና ዝቀላጠፍን ናብቲ ውሑስ ዝኾነ ወደብ ኣብ ዘብጽሓናን ምዃኑ ነስተውዕል!

ንፍሊፒናውያን ደቀንስትዮ ምስጋና ይኹን፥ እምነት ዘካፍላ!

ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ስብከተ ወንጌል ኣብ ፊሊፒንስ እናሓሰቡ፥ ናይ ወንጌል ሓሴት ከምእተቐበልኩምን ከምዝበጻሓኩም ኣብ ውጅህታትኩምን መዛሙራትኩምን ጸሎታትኩምን ይረአይ፡ . . . ኣብ ሮማ ብዙሓት ደቀንስትዮ ፊሊፒናውያን ናይ እምነት ሰንደቕ ዕላማ እያተን፥ . . .

ንኣኻትክን ፊሊፒናውያን ከመስግን እፈትው፡ ኣብ እተገልግላሉን ኣባይቲ ሮማን ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ዝተፈላለይየ ኵርናዕ ዓለም ተዋፊርክን ኣብ እተገልግላሉን ህላወኽን ብጽሞናን ብዘይ ዓውዓውታ ናይ እምነት መሰኻኽር ብምዃንክን ከመስግነክን እፈተው፡

ቤተ ክርስቲያን እተአንግድን ናብ ክርስቶስ እተሰንይን እምበር እትፈርድ ኣይኮነትን

ብናይ ማርያምን ዮሴፍን ኣብነት ኣቢልኵም ብትሑትን ረኣዩለይ ብዘይብልን ተባዕን ጽኑዕን ኣገልግሎት ኣቢልኩም ሃይማኖት ንምስዳዕ ዘይብል ሓቀይና እምነት መሰኻኽር ኢኻትኩም፡ እቲ ዝተቐበልኩምዎ ቃል ብስራት ናብ ካልኦት ብሓልዮትን ብምክንኻንን ትምስክሩ፡ . . . ከምቲ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢየሱስ ንኣና ብምሃብ ዝገበሮን ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ ብዘይ ቅድመ ፍርድታት እተአንግድ እያ፡ እቲ ድሕነት ዝኾነ ክርስቶስ ተብጽሕ፥

ወንጌል ንምብሳርን ንምግልጋልን ንምፍቃርን ኣይትፍርሑ፥ ብሓጐስኩም ኣቢልኩም፡ እግዚኣብሔር ንዓለም ወዲ ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀረና ዝብል ብስራት ኣተብጽሑ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ብምፍቃርን ገዛእ ርእሳ ኣሕሊፋ ብምሃብ ብእትነብሮ ፍቕሪ እትማርኽን ምዃና እትምስክሩ ኢኻትኩም፡ ኣብ ፊሊፒንስን ኣብ መላእ ዓለምን ድማ ከምዚ ይኹን!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ታግለ፥ ብስም ኵሎም 10 ሚሊዮ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርከቡ ፊሊፒናውያን

ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ፊሊፒናዊ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ብስም እተን 7641 ደሴታት ፊሊፒንስን ብስም እቶም ኣብ ዝተፍላለያ ሃገራት ዓለም ብስራሕን ብዝተፍላለየ ምኽንያት ዝርከቡ 10 ሚሊዮን ፍሊፒናውያንን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ድኽነትን ኤኮኖሚያዊ ኢማዕርነትን ኣብ ፖለቲካዊ ጸገማትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ኣብ ዝፈጥሮ ኩነትን . . . ናይ ፊሊፒናውያን እምነት ናይ ተስፋ ምንጪ ከምዝኾነ” ኣረጋጊጾም፥

ንሕና ስደተይናታት ፊሊፒናውያን፥ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቦሓጐታትና ንረክብ

ኣብ ስደት ንዝርከብ ንኣና ኣባይቲ ስድራናን ቤትናን ኣቦሓጐታትናን ኣደሓጐታትና ይጐድሉናን ኣብ እርከበለን ቁምስናታት ቤትና ንረክብ፡ ጽምዋ ክስምዓና እንከሎ ልባታን ንቅዱሳት ምስጢራት ብምርሃውን ኣስተንትኖ ቃል ቅዱስ መጽሓፍን የጸናንዓናን . . . ኣብ ዕዮታትና ነቶም ብሓላፍነት ዝወሃቡና ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራን ኣረጋውያንን ልክዕ ከም ቤትናን ኣባላት ስድራናን ንከናኸን፡ . . . ንሕና ስደተይናታት ፊሊፒናውያን ስም ኢየሱስን ናይ ቤተ ክርትያን ጽባቔን ፍትሕን ምሕረትን ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ሓሴት ናብ መላእ ዓለም ነብጽሕ ንኹን ብዝብል ጸሎት ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 March 2021, 14:49