ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዒራቓውያን ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ኣባላት ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዒራቓውያን ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ኣባላት 

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ባቕዳድ ምስ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ኣባላት መንእሰያት

ር.ሊ.ጳ. ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦንሰስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ነተን ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ምስቲ እዋናዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ክላለያን ናይዚ ምዓበለ’ዚ ተቛደስቲ ክዀና ንምድጋፍ ኣሚቶም ዘበገስዎን ሎሚ ጳጳሳዊ ስልጣን ዘለዎ ንኽኸውን ዘብቅዕዎን እቲ ቅዱስነቶም ዝሓቀንዎ ናይ ሕንጸተ ባህሊ ዘነቓቕሕን ዘሳልጥን

ቅዱስነቶም ናይቲ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መርሓ ግብሪ ውዕሎኦም ኣብቲ ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ዝእንገድሉ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ ዒራቕ ምስቶም ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ኣባላት መንእሰያት ብዘካየድዎ ርክብ ከምዘጠቓለሉ  ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ምስቶም መንእሰያት ዘካየድዎ ዘተ፥ እቶም መንእሰያት ሕልምታቶም ንቅዱስነቶም ከማሕጽኑ ቅዱስነቶ እውን ህያው ተስፋ ክዕቅቡ ነቶም መንእሰያት ከምእተላበዉ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ዒራቕ ካብ ዝረከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ጨንፈር ኣወሃሃዲ ማሪዮ ደል ቨርመ ዝተሰነዩ ከምዝነበሩን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እውን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኣብ ዒራቕ ኣባላት ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ኣባላት ነናቶምታሪኽን ሕልምታቶም ንመጻእን ከምዘዘንተዉን ቅዱስነቶም እውን ነቶም መንእሰያት ተስፋ ክገብሩን እቲ ኣብ ጉዕዞ ዝመርሖም ወርሒ ከናድዩ ሓደራ ከምዝበሉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብናይ ዒራቕ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 18.30 ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።

መረብታዊ ተራኽቦ ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር

እቲ መረብታዊ ተራኽቦ ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበር ኣብ 190 ሃገር ዝርክብን 500 ሺሕ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሓቁፍን ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም እዚ ውድብ’ዚ መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ዘይኰነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ናጽነት ዘቃልሕን መጻኢ ዝሓንጽን ዝፈጥርን ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦንሰስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ነተን ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ምስቲ እዋናዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ክላለያን ናይዚ ምዓበለ’ዚ ተቛደስቲ ክዀና ንምድጋፍ ኣሚቶም ዘበገስዎን ሎሚ ጳጳሳዊ ስልጣን ዘለዎ ንኽኸውን ዘብቅዕዎን እቲ ቅዱስነቶም ዝሓቀንዎ ናይ ሕንጸተ ባህሊ ዘነቓቕሕን ዘሳልጥን እውን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

05 March 2021, 22:03