ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ፥ ከም ኣብርሃም ኣብ ናይ ተስፋ ጉዕዞ

ኣብ ኣሰር እቲ ኣስላማይን ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብ እንኰ ስድራ ቤት ዘጠራንፍ ኣቦና ኣብርሃም ብሓባር ምስ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ኣሓትን ኣሕዋትን ንምጽላይን ንምጉዓዝን ብዝብል ድላይ ተደሪኸ ኣሕዋት ከናይድን!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሓደ መዓልቲ ቅድም ኣቦሎም፡ ናብታ ናብ ዝበጽሕዋ ሃገር ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላልፉ ዝፍለጥ ኮይኑ ቅዱስነቶም ናብ ዒራቕ ዕለት 5 መጋቢት ቅድሚ ምንቃሎም ዕለት 4 መጋቢት 2021 ዓ.ም.  ንማሕበረሰብ ክርስቲያንን ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕን፥ “ብሓባር ብሩህ ሰላማዊ መጻኢ ንምሕናጽ ሕውነት ንምድልዳል” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብታ ዝተሳቐየት ሃገር፥ “ምሕረትን ዕርቅን” ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዒራቓውያን ካብተን ዝመርሐኦም ኸዋኽብቲ የዕንቶም ከኣይኣለየ ኣብ ናይ ኣብርሃም ናይ ተስፋ ጉዕዞ ንቕድሚት ክብሉ ዝዕድም ናይ ተጣዓስን (ደላይ ምሕረት) ሰላምን መንፈሳዊ ነጋዲ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መጋቢት ናብ ዒራቕ ቅድሚ ምንቃሎም ናብ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕን መላእ ሕዝቢ እታ ሃገርን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገዛእ ርእሶም ገሊጾም ፥ “ጥንታዊትን ፍልይትና ናይ ስልጣነ መርክብን ዝኾነት መሬትኩም ከም ተጣዓሲ ድላይ ምሕረትን ነጋዲ ኮይነ ክበጽሓ እየ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውግእን ሽብርተይናነትን ካብ ጐይታ ምሕረትን ዕርቅን ክልምንን ንእዚኣብሔር ምጽንናዕን ኣልባባትን ፈውሲ ነቑሳልን ክሓትት ናባኹም እነቅል፡

ኣሕዋቱ ዘናድይ ናይ ሰላም ነጋዲ

ከም ናይ ሰላም ነጋዲ እውን ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፥ “ኵላትኩም ኣሕዋት ኢኻትኵም” ዝብሎ፥

ኣብ ኣሰር እቲ ኣስላማይን ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብ እንኰ ስድራ ቤት ዘጠራንፍ ኣቦና ኣብርሃም ብሓባር ምስ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ኣሓትን ኣሕዋትን ንምጽላይን ንምጉዓዝን ብዝብል ድላይ ተደሪኸ ኣሕዋት ከናይድን!

ናባኹም እመጽእ ኣለኹ ከዝበሉ የመላኽት።

ምስታ ሰማዕት ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ንምርኻብ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣብ ኢየሱስ እምነቶም ምስ ዝመስከሩ ዒራቓውያንን ነታ ሰማዕት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያንን ምስጋና ይኹን ቢሎምን በዚ መንፈስ እዚ ንማሕበረ ንክርስቲያንን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕን ገሊጾም፥ ብዙሓት ናይ ደም ሰማዕታት ዝፈለጥኵም፡ እቶም ሰማዕታትን ኣብቲ ትሕትና ዝመልኦ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ከጽንዑና እምሕጸን፥ ብዳዒሽ ዝተሃደነን ንስደት ዝተዳርገን ሕዝቢ ዒራቕን እቲ ዝባደመ ኣባይትን ዝረኸሳ ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ስቓይ በሰላታት ኵሉ ሎሚ ኣብ የዕንቱን ልቡን ዝዓቖረ እዩ”

ንኣኻትኩምን ንመላእ እቲ ንሰማዕትነት ዝዳረግ ዘሎ ማእከላይ ምብራቕን ቀረባኹም ናይ ዝኾነት ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ንቕድሚት ንኽብትሉ እናተባባዕኩ ከቕርበልኩም እፈትው፥

ከም ኣብርሃም ንከዋኽብቲ ንጠምት

ኣብ ቅድሚ እቲ እናተላበዐ ዝኸይድ ዘሎ ግብረ እከይ ምሩኻት ኣይትዅኑ፡ ምኽንያቱ እቲ ናይቲ ጥንታዊ ናይ ዝኾነ መሬትኩም ምንጪ ጥበብ ከም ኣብርሃም ኵሉ ነገር ዝገደፈ እውን እንተኾነ ፈጺሙ ተስፋ ዘይቕሃመ ክንየው ንኸነመስርቕ ዝድርኸና እዩ፡ ኣብራሃም ኣብ እግዚኣብሔር ተኣሚኑ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ንዝበዝሐ ዘርኢ ወለዶ ሕይወት ዘውሃበ፥ “ንኸዋኽብቲ ንጠምት ኣብኡ እዩ እቲ ቃል ዝተኣተወልና” እንክብሉ ከምዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ሕውነት ምድልዳል

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም መለእ ዒራቓዊ፥ “ብዙሕ ዝተሳቐየ እውን እተኾነ ኣይጠፈኤን”፥ ነቶም ብዙሕ ዝተሳቐዩ ንማሕበረ ክርስቲያንን ማሕበረ እስላምን ያዚድን፥ ንኹሎም “ኣሕዋት”  እንክብሉ ጸዊዖም፥ ከም ናይ ተስፋ ነጋዳይ ኣባኹም ምባለይ እቲ ናይ ነነዌ ዕንወት ከይህሉ ዝገበረ ሓድሽ ተስፋ፥ ናይ እግዝኣብሔር ተስፋ ብዘብጽሔ ብዮናስ ዝተነግረ ትንቢት ዘቃልሕ ምዃኑ ዘዘኻክር እዩ”

በቲ ንዳግመ ሕንጸትን ንዳግማይ ብጋሴን ዘተባብዕ ተስፋ ንኽንትንከፍ ንፍቕድ፡ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ለብዒ’ዚ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ባህሊ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር  ሕውነትን ንምድልዳልን ብሓባር ሰላማዊ መጻኢ ንኽንሓንጽን ንደጋገፍ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ናይ ሰላም ጐደናታት ኣብ ናይ ኣብርሃም ጉግዕዞ ንሰጉም

“ቅድሚ ዓሸሓት ዓመታት ኣቢሉ ኣብርሃም ጉዕዞኡ ዝጀመረ ካባኻትኩም እዩ” ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ መንፈስ ብሓባር ኣብቲ ንሱ ዝተጓዕዘሉ ኣብ ናይ ሰላም ጐደናታት ንኽንምርሽ ግዴና እዩ፡ ከም ኣብርሃም ኣብ ናይ ተስፋስ ጐደና ንጓዓዝ የዕንትና ካብተን ከዋኽብቲ ኣይነርሕቕ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

04 March 2021, 17:47