ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ኣሕዋት ንሓደ ሰማይ እናጠመትና እንጓዓዝ እንተድኣ ኮይንና መጻኢ ሰላም እዩ

ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብዛ ናይ ሓባር መሬት እዚኣ ብሓባር ነቲ ሓደ ዝኾነ ሰማይ እናጠመተ ብምጓዕዝ ንዅሎም ደቃቱ ኣአንጋድን ተቐባልን ኸውን መታን ብሓባር ክንዓዪ ኢና

ኣብ ከለዳዊ ዑር ታሪኻዊ ርክብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ተፈጺሙ፥ ካብቲ ኣብራሃም ናብታ ቃል ዝተኣተወትሉ ናይ ተስፋ መሬት ጉዕዞኡ ዘበገሰላ መሬት ከለዳውያን ዑር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ኵለን ዝተፈላለይያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን ኣቝሳል እውን ይሃሉ ብዘየገድስ መጋበርያ ጽልእ ናብ መጋበርያ ሰላምን ኽቕይሩ” ሓያል ምሕጽንታ ኣቕሪቦም፡ “ካብዚ ናይ ጽሞናን ካብ ናይ ዓለም ረብሓታት ኣዚዩ ዝረሓቐ ስፍራ’ዚ ብዙሓት ናይ ሰላም ጉዕዞ ኣበጊሶም እያቶም” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ናይ ከለዳውያን ዑር ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ዝተፈላለይያ ሃይማኖታት ኣብ ዘስምዕዎ ብርቱዕን ጽዑቕን መደረ፥ “እዚ ዝተባርከ ስፍራ’ዚ ናብቲ ናይ ሃይማኖታትና ውልደት ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ቢልና ንኽንጥምት ይድርኸና” ከምዝበሉን እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብጸሎት ደቂ ኣብራሃም ዝተዛዘመ እውን ከምዝኾነን ኣብቲ ጸሎት፥ ኣብራሃም ኣብ እግዚኣብሔር ተኣሚኑን ኣሚኑን ካብ መሶጶጣሚያ ናብ ቃና ከምዝኸደ” ዝብል ሓሳብ ከምዝተቓልሔን፡ እዚ ርክብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝተርፍ ዘይርሳዕ ህሞት ከምዝኾውን ዘይጠራጥር እዩ፡ እዚ ርክብ እዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብኦም ብዘይኮኑ መኸላእታ ከይፈጸመዎ ዝተረፈ ሕልሚ እነሆ ሎሚ ክውን ኰነ፡ እቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ምድርኽ እውን ነቲ ጥንቲ ኣብቲ ስፍራ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዘቁምዎ ዝነበረ ጻዕዳ ዳስ ዘዘኻኽር ኮይኑ፡ እቲ ስፍራ ዓለምሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ውድብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ቅርሲ እንክብል ከምዝሰመዩ ይዝከር።

ቅዱስነቶም ብሓባር ኣብቲ መድርኽ ምስ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ተረኺቦም ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ማህሌት ቁርዓንን ቃል ምስክርነት ደቂ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ጸሎት ኮይኑን ብዝምስጥ ኣገባብ ቀሪቡን

ካብ ኵሉ ንላዕሊ እቲ ዝዓበየ ርኽሰት፥ ብስም እግዚኣብሔር ንሓው ምርኻስ እዩ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሕብርዎ መገዲ ናይ ኣይሁድን ክርስትናን ምስልምናን ሃይማኖታት ኣቦ ዝኾነ ሰማይ እናጠመተ ኣብዛ ምድሪ ናይ ዝተጓዓዘ ኣብራሃም ኣሰር ንስዓብ ዝብል እዩ፥ ሎሚ እውን ናይ ኵለን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ክስዕብዎ ዝግብኦም መገዲ እዩ፥

ኣብዚ ምእንጋድ ፍሉይ መለለይኡ ዝኾነ ስፍራ፥ ኣብርሃም ናይ እግዚኣብሔር ምብጻሕ ተቐቢሉን ውህበት ውላድ እውን ተዓደለ፡ ንሕና ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ዝተፈላለይያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ኣብዛ ቤትና እዚኣ ተራኸብናን ካብዚ ኸኣ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ክውን ክኸውን መታን፥ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብዛ ናይ ሓባር መሬት እዚኣ ብሓባር ነቲ ሓደ ዝኾነ ሰማይ እናጠመተ ብምጓዕዝ ንዅሎም ደቃቱ ኣአንጋድን ተቐባልን ኸውን መታን ብሓባር ክንዓዪ ኢና፡

ካብታ ግብረሽበራን ውግእን ዓመጽን ጽዑቕ ጽሉም ደበና ዝኸበባን ናይ ኵለን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ስቓይን መከራን ዝረኣየላን ዒራቕ፡ ቅዱስነቶም ምእንቲ ኩሎም ኣደዳ ዝኾሉ ቃሎም ንሰማየ ሰማይ እንከቕርቡን፥

ካብዛ ናይ እምነት ፈልፋሊት ዓይኒ ማይ ዝኾነት ናይ ኣቦና ኣብራሃም መሬት እግዚኣብሔር መሓሪ ምዃኑ ነረጋግጽ፥ እቲ ዝዓበየ በደልን ርኽሰትን ሓውኻ ብምጽላእ ስም እግዚኣብር ምርካስ እዩ፥ ጽልእን ኣኽራርነትን ዓመጽን ካብ ሓደ ሃይማኖታዊ መንፈስ ኣይውለድን፡ እቲ ምግጋይ ካብቲ ዘሎና ናይ ሃይማኖት ጌጋ ርድኢት ዝነቅል እዩ፡ እቲ ናይ ሰማይ ብርሃን ብናይ ጽልእ ደመና ክሽፈን ኣይንፈቅድን!

ኣመንቲ ናይ ጽልእ መጋበርያ ንናይ ሰላም መጋብርያ ናይ ምልዋጥ ሓላፍነት ኣለዎም

ኣብራሃም ድምጺ እግዚኣብሔር ሰሚዑን ካብዛ መሬት እዚኣ እውን እቲ ዓለም ዝቐረየ ጉዕዞ ኣበገሰ፥ ኩላትና ናይታ ኣብራሃም ዝተቐበላ ጸዋዕት ፍረ ኢና፥ ናይ ዘርኡ ተስፋ ረአየ፥ ንኣና ረኣየና፥ እዚ ተስፋ’ዚ እውን ሎሚ ተፈጺሙ እዩ። ኣይሁድን ክርስቲያንን እስላምን ብሓባር ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኵሎም ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ኣብራሃም ነኽብር”፥ እዚ ተስፋ’ዚ ኩሉ ጭቡጥ ዝኾነ ምልዋጥ ክገብር ዝጠልብ እዩ፥

እቲ ናይ ጽልእ መጋበርያ ናብ ናይ ሰላም መጋበርያ ምቕያር ሎሚ ኣባና ፍጥረት ሰብ እዩ፥ ብፍላይ ኣባና ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኣቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ንምርባሕ ውግእ ኣጽዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንኹሉ መግቢ ንምክፋል ንዝውዕል መጋበርያ ክፈስስ ንናይ ኵለን ሃገራት መራሕቲ ምትብባዕ ካባና እዩ፡ እቲ ኩሉ ምኽንያት ናይ ዝተጨቆኑን ዝተሓረጉን ከም ውዳቕ ናይ ዝሕሰቡን ሰባት ገዓር ከብቅዕን ዕለታዊ እንጌራን ሕንጸትን መድሃኒትን ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጐም ኵነታቶም ብዅሉ ክስትውዓልን ፍትሓዊ መልሲ ክወሃቦን ሃብቲ ገንዘብን ዓለምን ንውሑዳት መደለቢ ክኸውን ከምዘይብሉ ብዓውታ ምሕባር ካባና እዩ፡ ናይ ሓባር ቤትና ካብቲ ሃዳናይ ተግባራትና ናጻ ክወጽእ መታን ምክንኻኑ ካባና እዩ፡ ህይወት ሰብ ብዘለካ ሃብቲ ዘይኮነ ብምዃኑ ክኽበር ከምዘለዎ ንመላእ ዓለም ምሕባር ካባና እዩ፡ ናይ ዝውለዱን ኣረጋውያንን ስደተይናታትን ናይ ዝኾነ ይኹን ዜጋን ዝኾነ ብዘይ ፈፍላላይ ሕድብሪ ቆርበትን ናይ ኵሉ ክቡር ሕይወት ብዝወንኖ ዘይኮነ ከም ኵሉን ምዃኖምን ብማዕርነት ክኽበሩ ካባና እዩ፡ እቲ ኣቦና ኣብራሃም ዝረአየን ናብ ናይ ተስፋ ከዋኽብትን የዕንትና ሓፍ ኣቢልና ነተን ከዋኽብቲ ንኽርእያ ምግባር ትባዕት ክህልወና ምግባር ካባና እዩ!

በሳዶ ንዝተሳቐዩ ማሕበረሰብ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃሎም፥ ናይታ መሬት ኣቑሳል ዘኪሮም፡ ብፍላይ ሰዓብቲ ሃይማኖት ያዚድ ዘጓነፎም ኣሳዶን መቕተልትን መከራን ዝተጨወዩ ሕጻናቶምን ዝተጨወያ ደቀንስትዮን ንንግድ ሰብ ዝተቓልዓን ንኣካላዊ ዓመጽ ዝተዳረጋን በስገዳድ ሃይማኖቶም ክቕይሩ ዝተገብሩን ኵሎም ዘኪሮም፡ ሎሚ ምእንታኦም ንጸልይ ሎም እውን ንተመሳሳሊ ሓደጋ ምእንቲ ዝተቓልዑን፡ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ናጽነት ክኽበርን ንጸልይ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ክብርቲ መሬትን ኣብ ልዕሊ ሃይማንታዊ ቅርስታታን ኣቢያት ክርስቲያንን ኣባይቲ እምነትን ገዳማታን ዝተፈጸመ ደብዳብ ኩሉ ዘርዚሮም፥ ኣብቲ ጽንኩር እዋን እውን ብኸዋኽብት ተኾሊዑ እዩ ቢሎም እተን ዝወደማ ኣቢያተ ክርስቲያን ገዳማትን ምሕዝነት ብምቛን ኣብ ዳግመ ሕንጸት ህርኩት ጻዕሪ ንዘርኣዩ ናይ ሞሱዑል ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ወለንተይናታት መንእሰያትን ኣብ ልዕሊ ፍርስራስን ጽልእን ሕውነታዊ ምሕዝነት ዝሓነጹን ሎሚ ብሓባር መሳጊድን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ እምነት ኣባይትን ዝሓንጹን ኵሎም ከምዝዘከሩ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኩሎም ካልኦት ንሕና ክሳብ ዘይኮኑ ሰላም ኣይክህልውን እዩ

ናይ ሰማይ ፍኖት መገድታትና ዝሕብር እዩ፥ ናይ ሰላም መገዲ እዩ! ምትሕብባርን ተኻፊልካ ምንባርን ምትሕልላይን ፍትሕን ማዕርነትን ንዅሉ ክሳብ ዘየለ ሰላም ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ፡ . . .

ካልኦት ንሕና ክሳብ ዘይኾኑ ምግምማዕ ዘህልው ካልኦት ዝነጽግን ዝጉጅልን ጥምረት ክሳብ ዘሎ ሰላም ኣይክህሉን እዩ . . . ሰላም ሰዓርን ተሳዓርን ኣይሓትትን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝሓለፈ ዘይምርድዳእን ኣቑሳልን ይሃሉ ብሓባር ንጓዓዝ፡ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብታ ሰማዕት ዝኾነት ሶርያ ሰላም ክወርድ ንጸልይ!

ክንየው ኵሉ ንእዚኣብሔር ምጥማት ክንየው ኵሉ ሕውነትን ሓብትነትን ንክንጥምት የብቅዓና፥ ናይ እውነተይና ሃይማኖት መንነት፥ “ንእግዚኣብሔር ኣብ ምኽባርን ምስጋድን ንሓው ኣብ ምፍቓርን እዩ”

ንሕና ወለዶ ኣብራሃም ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እንውክል እዚ ሓላፍነት እዚ ክስምዓናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን የዕንቶምን ጸሎቶምን ናብ ሰማየ ሰማያት ከቕንዑ ንደግፍ፥ . . . ሰብኣዊ ፍጥረት ከሃሌ ኵሉ ኣይኮነን ንበይኑ ዝኽውኖ ሓደ’ኳ የልቦን፡ ንበይነይ ዝብል እንተድኣ ኮይኑ ነቲ ዝበንን መሬት እዩ ዝሰግድ፡ ምድራዊ ሃብቲ እግዚኣብሔርን ብጻይካን ንኽትርስዕ ዝድርኽ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ እቲ ምድራዊ ሃብቲ ኣብ ዓለም ናይ እንገብሮ ጉዕዞ ምኽንያት ኣይኮነን፡ ካብ ናይ ኣነነት ጊልያነት ተላቒቕና ንኸነፍቅር እዚኣብሔር ክድርኸና መታን ናብ እዚኣብሔር ንኸነብል የዕንትና ኣብቲ በናንን ከንቱን የዐዊርና ናብ ሰማየ ሰማያት ቋሕ ነብል፡ ንእግብዚኣብሔር ነገልግል!

ኣብቲ ዝተኻየደ ክርብ ካብ ዝቐረቡ ቃል ምስክርነት፥ ናይ ዳዉድ ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትናን ሓሰንን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምናን ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ጠቒሶም፥ ብሓባር ዝዓበይኑ ዝተማሃሩን ኣሕዋት ምዃኖም ዘስተውዓሉን ሕውነት ዝረኸቡን፡ ብሓባር ሰናይ ንምግባር ዝድርኹ ኣብነት እያቶም . . . ክንየው ናይ ዝሓለፈ ቁስሊ ሎሚ ሕንጸት ህይወትን የዕንቲ ናብ ሰማይ ሓፍ ምባልን ሕጹጽ ኣግዳስነት ዘለዎ ተግባር እዩ፡ . . .

ፕሮፈሰር ዓሊ ታጅል እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምስክርነት፥ ናብቲ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳውያን ነጋዱ ክመጹ ከምዝጀመሩ ኣዘኻኪሮም እዮም። ንግደት ናብ ቅዱሳት ስፍራ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ንሰማይ ናይ ዘሎና ናፍቖት ዝገልጽ ውበት ሕልሚ እዩ፡ . . . ኣብዚ ምርኻብና ንዒራቕን ንማእከላይ ምብራቕን ንመላእ ዓለምን ናይ ቡራኬን ተስፋን ትእምርቲ እዩ፡ . . . ሰማይ ንምድሪ ኣብ ምጥማት ኣይደኸመን! እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ዘፍቅር እዩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ወዱን ጓሉል ዘፍቕር ኣምላኽ እዩ!

ሓደ’ኳ ንበይኑ ገዛእ ርእሱ ከድሕን ኣይከኣሎን

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሓባር እንተዘይኮነ ሕደ’ኳ ንበይኑ ገዛእ ርእሱ ከምዘየድሕን ንኸነስተውዕል ገይሩና እዩ፡ ኵሉ ገዛእ ርእሱ የድሕን ምባል ኵሉ ተጻይ ኵሉን ጸረ ኵሉን ይዅን ማለት እዩ፡

ኣምልኾ ገንዘብን ሃብትን ጣዕምን ኣየድሕንን፥ እዚ ጣዖት’ዚ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትዕጸው ዝገብርን እቲ ሰብኣውነት ዘጥሕል ድንቕድ ዝበለ ደልሃመት ኢማዕርነትን ኢፍታሓውነትን እዩ ዝቱኽቱኽ፡

እንገዳን ትቕባልን

ኣስዒቦም ተቐማጢት ዞባ ራፋሕ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ምስክርነት፥ ናይ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ሳበኣን ናንደኣን ሰዓቢት ዝኾነን ሓንቲ ሰዓቢት ሃይማኖት ምስልምና ስድራ ቤት ንምድሓን ሕይወተ ዝሰወኣ ዘኪሮም፥ ብጽሞና ገዛእ ርእሱም ምእንቲ ብጻይ ዝሰውኡ ናይ ሕይውነት መገዲ ዘአንፈቱ ምዃኖም ኣብሪሆም፡ በቲ ዝነበረ ኣሳዶን ዓመጽን ንስደት ዝተዳረጉን ኣብ ዝርከብሉን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንገዳን ትቕባልን ክረኽቡ እላበው እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዶኒኒ ሓቢረን።

06 March 2021, 16:52