ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

- ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፖርቱጋልን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ኣዕጋብን ከምኡ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖርቱጋል ብፍላይ ኣብዚ ቅልውላው ክንክን ጥትዕና ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋንን ሕይወት ኣብ ምክልኻልን ንሰላማዊ ማሕበራውን ናብራ ኣብ ዝብሉ መዳያት ኣበርክቶኣ ዝነኣድ ምዃኑ ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ከምዘረጋገጹ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ክሌኣዊ ርክብ ሃገረ ቫቲካንን ፖርቱጋልን፡ ዞባውን ኣህጉራውን ርእሰ ጉድይ ዘማኣከለ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንኻልኣይ ግዜ ካብ ዝሕረዩ ንፈለማ ግዜ ዕለት 12 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ምስ ዘካየዱ ናይ ረፓብሊካዊት ሃገረ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ማርቸሎ ሮበሎ ደ ሱሳን ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ ርእሰ ብሔር ማርቸሎ ሮበሎ ደ ሱሳ ንኻልኣይ ግዜ ካብ ዝሕረዩ እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ምብጻሕ ቀዳማይ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ - ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበሮ -  ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፖርቱጋልን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ኣዕጋብን ከምኡ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖርቱጋል ብፍላይ ኣብዚ ቅልውላው ክንክን ጥትዕና ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋንን ሕይወት ኣብ ምክልኻልን ንሰላማዊ ማሕበራውን ናብራ ኣብ ዝብሉ መዳያት ኣበርክቶኣ ዝነኣድ ምዃኑ ናይ ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ከምዘረጋገጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፖርቱጋል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተረይና ናይ መርሕነት ስልጣን ማዕቅፍ መሰረት ብዝሓ ጉድናውነትን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘተኣታተዎ ሕጹጽ እዋን ምብዳህን ዝብሉ ኣርእስታት ዘጠቓለለ ብዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ዓበይይቲ ሕቶታት ዝምልከቱ ጉዳያት ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

13 March 2021, 23:20