ር.ሊ.ጳ.፥ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ማእከል ይዅን ር.ሊ.ጳ.፥ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ማእከል ይዅን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ማእከል ይዅን

ዝምጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 19 መጋቢት ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ እተብዕለሉ ዕለት ናይ ቤተ ሰብ ዓመት ዝብገሰሉ ዕለት እዩ

ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 19 መጋቢት 20216 ዓ.ም. ብዛዕባ ስድራ ቤት ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ዘሰጉም ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘቕረብሉ ዓመት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ እውን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ስድራ ቤት ኣማእክሊ ንኽመክር ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ዛዕባ ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራ ቤት ድሕሪ ዝዘተየ ጉባኤ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ Amoris Letitia - ናይ ፍቕሪ ሕሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝለገስሉ ዓመት ምዃኑ ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ማእከል ክኸውን እንከተሓሳስቡ፥

ዝምጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 19 መጋቢት ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ እተብዕለሉ ዕለት ናይ ቤተ ሰብ ዓመት ዝብገሰሉ ዕለት እዩ፡ ዝተሓደሰን መሃዛውን ስድራ ቤት ማእከል ዝገበረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ከምኡ እውን ሕብረተሰብ ስድራ ቤት ዘማእከለ ኪደት ክረጋገጽ እዕድምን፡

ቢሎም፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ተቕዋማት እውን እንተኾነ ኣብዚ እዋን`ዚ በቲ ለብዒ ምኽንያት ንዝተኸስተ ጽንኵር ኩነት ኣብ ምቅላስ ንዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ማርያምን ዮሴፍን እምነትን ሓይልን ኣስተንፍሶ ንዝገበረ ኪደት ኣብነት ምዃኖም እንከመላኽቱ፥

ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኣብ ቤቱን ናይታ ነታ ዘቤታዊት ማህበርሰብን ምስቲ ኵሉ ከጋጥም ዝኽእል ጽገማት ቅኑዕ ፍቕርን ሓልዮትን ልግስን ናብ ዘስርጽ ናይ ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ህላዌ ከድህ እጽልይ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ፊሊፒንስ ቅዱስነቶም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝተሳተፉን ማሕበረሰብ ፊሊፒንስ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

16 March 2021, 15:58