ዳንተ ኣሊጊየሪ (1285 ዓ.ም. –1321 ዓ.ም.) ዳንተ ኣሊጊየሪ (1285 ዓ.ም. –1321 ዓ.ም.)  

ር.ሊ.ጳ.፥ ዳንተ ነቢይ ተስፋን ገጣሚ ምሕረትን

እቲ ልዑል ገጣሚ ይብሉ ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም፥ ብቕንዕናን ብትብዓትን ልብና ክሳብ እቲ ፍጻሜኡ ዝኾነ ሰላምን እውነተይና ሓሴት ማለት እቲ ጸሓይን ካልኦት ኵለን ከዋኽብቲ ምስ ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ ክሳብ ዘይተራኸበ ኣብ ናይ ሕይወትን እምነትን ንግደት ንቕድሚት ክንብል ይድግፈና

ዳንተ ኣሊጊየሪ (1285 ዓ.ም. –1321 ዓ.ም.) ካብዚ ዓለም ዝሓለፈሉ ዝኽሪ መበል 700 ዓመት  ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Candor lucis aeternae - ግርማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽ ዕለት 25 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ናይታ Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ (ፍጻሜታት መዓልታዊ ሕይወት) ብዝብል ኣርእስቲ ዳንተ ዝደረሶ መጽሓፍ እዋናውን ዘላቕን ጥልቂ ናይ እምነትን መጽሓፍ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዳንተ ካብታ ዘፍቅራ ከተማ ፊረንዘ ርሒቑ ኣብ ዘሳቕይ ስደት ቅድሚ 700 ሚእቲ ዓመት ኣብ 1321 ዓ.ም. ኣብ ከተም ራቨና ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ እውን እንተኾነ ሎሚ እውን ይዛርበና፡ ብዛዕባ ኣሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ ኩላትና ብዛዕባ ሎምን ይዛረብ፡ ከነንብቦን ከነጽእዖን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጽን ክንብሎን ኣብቲ ናብ ሓሴት ዝመርሕ መገዲ ወይ ከኣ ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ኢትኣላውን ዘለዓለማውን ፍቕሪ ኣብ ዝመርሕ መገዲ ክንመስሎ ይሓትተና። ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ብምኽንያት ዳንተ ካብዚ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለይ መበል 700 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን Candor lucis aeternae - ግርማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎን ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ትስብእቱ ለእግዚእነ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት 25 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝኾነ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 25 መጋቢት ወግዓዊ ዝገበርሉ ምኽንያት እውን ኣጋጣሚ ዘይኮነ፡ እቲ ካብቲ ማርያማዊ እነዅልካ ከምዝበልካዮ ይዅነለይ ዝመንጨወ ምስጢረ ስጋዌ፡ ናይ ዳንተ Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ (ፍጻሜታት መዓልታዊ ሕይወት) መጽሓፍ ሓቀይና ኣስተንፍሶን ኣገዳሲ ሕመረት ብምዃኑ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፡ እዚ ኸኣ ዳንተ፥ እግዚኣብሔር ስጋና ለቢሱ ኣብ ታሪኽና ብምእታው ሰብኣውነት ኣብቲ እውነተይና ሓሴት ናብ ዝረኽበሉ  እግዚኣብሔር ይዓርግ ብዝብል ሓሳብ ነቲ ኣብ መንጐ መለኮታውነትን ሰብኣውነትን ዘሎ ጥልቂ ርክብ  ዘመላኽት እውን ብምዃኑ እዩ ይብሉ።

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዳንተ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ Candor lucis aeternae - ግርማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መእኽቲ፥ ትሽዓተ ሕጡበ ጽሑፍ ዘጠቓልልን፡ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዳንተ ዝበልዎ ሓሳብ ጸሚሮም ብዘቕርብዎ ጽሑፍ ዝአንፍትዎ ኮይኑ፥ ኣብ 1921 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 15 In praeclara summorum - ዘደንቕ ብራኸ ብዝብል ኣርእስቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 600 ሚእቲ ዓመት ሕልፈት ዳንተ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፥ ንዳንተ ክሳብ ናትና እንክብሉ ብምግላጽ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑን ብመሰረት እቲ ዓቢይ ዝኾነ ዘደንቕ ድርሰት፥ እምነት ክርስትና ኣስተንፍሶ ዝገበረ ምዃኑ የብርሁ፡ ኣብ 1965 ዓ.ም. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝኽሪ መበል 700 ዓመት ልደት ዳንተ ኣሊግሄሪ Altissimi cantus - ልዑል ማህልየ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ እታ ናይ ዳንተ Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ (ፍጻሜታት መዓልታዊ ሕይወት) መሬትን ሰማያን ዘለዓለማውን ግዜን ዝሓቁፍ መጽሓፍ ብምዃኑ ኵላዊ እንክብሉ ገሊጾም . . . ሰብ ካብ ሓጢኣት ናብ ቅድስና ንኸብል ዝብል ሸቶ ዝተበሮ መጽሓፍ ምዃኑን፡ ዳንተኣዊ ድርሳን ብዛዕባ ኣምር ሰላምን ዝተዓትረ ናጽነትን ዝዛረብ ምዃኑ ኣመላኺቶም ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ንኸብል ዝመርሕ እዩ እንክብሉ ሞንቲኒ ዘመላኸትዎ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ጠቒሶም፥ ኣስዒቦም ኣብ 1985 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ (ፍጻሜታት መዓልታዊ ሕይወት) መሰረት ገይሮም ክንየው-ምዃናውነት ሰብ  ዝብል ግሲ ብምጥቓም ኣብ መንጐ መለኮትን ሰብን ሕድ ሕዳዊ ምስርራዝ ከምዘየለ የብርሁ፡ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኣብቲ ናይ Deus caritas est - እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” ናይ 2005 ዓ.ም. ዓዋዲ መልእኽቶም፥ ናይ ዳንተ ግጥሚ ሓድሽ ዘብሎ እቲ እግዚኣብሔር ወጅህን ልቢ ሰብን ዘለዎ ኮይኑ - ክስባእ ዝደርኾ ፍቕሪ ምዃኑ ክጐልሕ ኣብ ምግባሩ እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ዝዘከሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ Lumen fidei – ናይ እምነት ብርሃን ዘርእስቱ ኣብ 2013 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዝበቐዔ ዓዋዲ መልእኽቶም፥ ባዕሎም ናይ እምነት ብርሃን ንኸረድኡ ነቲ ልዑል ገጣማይ ዳንተ ጠቒሶም እምነት ይብሉ “ብርሃንን ሃልሃልታን ኾኾብ ኣብ ሰማይን” ኣብ ሰብ ውሽጢ ብልጭ ዘብል እንክብሉ ይገልጽዎ።

Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ፥ ወትሩ እዋናዊ ዝኾነ ናይ ክቡራት ዋጋታት ውርሻ

ኣብ ናይ ዳንተ ናይ ሕይወት ታሪኽ ኣርጊጾም፡ ዳንተ ናይ ሰብኣዊ ኵነት መረኣያ - ረባሕታን እዋናውን ነባርን ቢሎም፥ ብግጥሚ ኣቢሉ ናይቲ ጥልቂ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ፍቕርን ጽባቄ ዘብርህ እንክብሉ ይገልጽዎ። ስለዚህ “ድርሳን ዳንተ ናብቲ ናይ ኤወሮጳን ምዕራብ ዓለምን እናስር ዝኮነ ክርስትና ዘሰንይ ሓደ ናይ ባህልና ኣካልን ነቲ ሎሚ እውን ቤተ ክርስቲያንን በርገሳዊ ሕብረተሰብን  ኵላትና ኣሕዋት ምዃንና ንክንፋለጥን ሓላፍነት ንኽስምዓናን ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ መሰረት ቢሉ ዘቕርቦ ሓሳብን-ሸቶን ክቡራት ዋጋታትን ርሰቓ እዩ። ዳንተ ናይ ቋንቋ ጣልያን ኣቦ፥ ከም ሓደ ነጋዳይን ስደተይናን ብደጋዊ ኣገላልጻ ጥራሕ ዘይኮነ ብውሳጣዊ ጉዕዞ ኣቢሉ እውን ብዓቢይን ጥልቅን ናፍቆት ተደሪኹ ሕይወቱ ወትሩ መባጼሕ ኣብ ምንዳይ ዝነበረን፣ ትርጉምን ፍጻሜን ሕይወት እንታይን ኣበይን ዘናድይን፡ እንክብሉ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ (ፍጻሜታት መዓልታዊ ሕይወት) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ እቲ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ ሃረርታን ባህረትን ዝውክል ኮይኑ፡ ካብቲ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝተዓደለ ናይ ሓሴት ራእይ  መባጽሔ ወይ ከኣ ሸቶ ዝገበረ ከምዝኾነ እውን የብርሁ።

ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ ናይ ሓሴት ድላይ ዘማራይ

ዳንተ ኢዱ ዘይህብ ብምዃኑ እውን “ናይ ተስፋ ነቢይ” እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ በቲ ድርሳናቱ ኣቢሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ቅኑዕ መገዲ ንኸለይን ናብ ናይ ሕይወት ምልኣት ዝኾነ ንኽበጽሕ መታን ካብቲ ናይ ሓጢኣት ደልሃመት ንኽርሕቕ የተባብዕ። ስለዚህ ዘይፈርሕን ድሕር ዘይብልን ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብልሽው ምግባር ዝፍጽሙ ካብ ምእመናን ክሳብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ንናይ ውልቆም ረብሕ መጋበርያ ንዝገብርዋ ዝኹንን ዝነቕፍን፡ ብሓጺሩ ነቢያዊ ተልእኾ ዘለዎ እዩ፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓሴት ደላይነት ዘማራይ፡ . . . ልቢ ሰብ  ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነትን ደረጃን ሕይወት እውን ይኹን ዕረፍቱን ሰላሙን ምስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝራኸብ ናብዚ ፍጻሜ እዚ ዘቕነዔ ተጓዓዛይ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ ይብሉ።

ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ገጣማይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብዳንተ ዝተመልከተ መገዲ እንከረድኡ፥ምሕረት እግዚኣብሔር ወትሩ ናይ ምልዋጥን ንኽትልወጥን ዕድል ዝህብ እዩ”  እዚ ኸኣ ጭቡጥን ተኻኣልን ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ስለዚህ ዳንተ ኣሊጊየሪ “ናይ ኣምላኽ ምሕረት ገጣማይን ደራስንን፡ መራሒ ክሳብ ምዃን ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ናጽነት ዘማራይን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ምርጫ ሕይወትን እምንትን እውን ከይተረፈ ናጽነት መሰረታዊ ኵነት ምዃኑ ብምስትዓል እዩ። ኣብቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር እምነት ናይ ምግባር ናጽነት እቲ ዝዓበየ ጐይታ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝህቦ ጸጋ እዩ፥ ሰብ ነቲ ናይ ፍጻሜ ሸቶኡ መታን ክወቅዕ ዝተዓደሎ ናጽነት እዩ ይብሉ።

ኣብ ድርሳኑ ኣገዳስነት ደቀንስትዮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ Candor lucis aeternae - ግርማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘርእስታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ኣቢሎም ዳንተ ኣለጊየሪ፡ ኣብታ Divina Commedia - መለኮታዊ ትረኻ (ፍጻሜታት መዓልታዊ ሕይወት) ዘርእስታ መጽሓፉ ዝትርኾ ናይ ደቀንስትዮ ተክለ ሰብነት፡ ንደቀንስትዮ ዝህቦ ዓቢይ ስፍራ ክሳብ ክንደይ ክቡርን ልዑልን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ናይ ፍቕሪ ተምሳሌትን በኣትሪቸ ናይ ተስፋ ትእምርትን ቅድስቲ ሉቺያ ናይ እምነት ምስልን ምዃነን ይመላኽት። እዘን ሰለስተ ደቀንስትዮ ነቶም ሰለስተ ቲዮሎጊያውን መንፈሳዊ ሓይላት ዝውክላ ገይሩ እዩ ዘቕርበልና።፡ ዳንቲ ኣብቲ ሕይወት ንግደት እዩ እንክብል ኣብ ዝገልጾ ሓሳብ፥ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እውን በይንኻ ምድሓን ከምዘይሎ የመላኽተና፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብጥበብን ብጥንቃቔን ንኽንጓዕዝ ዘሰንዩናን ዝድግፉናን ከምዘድልዩና ይምዕደና፥ ማርያምን በኣትሪቸን ሉቺያን . . . እዚ ኸኣ ድሕነት ዝጽግወና እግዚኣብሔር ጥራሕ ምዃኑ ንኸዘኻኽረና እዩ . . . ኣብ መንጐ ብጹዓን እቲ ምስሊ ዕምበባ ገይሩ ዝገልጾን ዘንብሮን ከኣ ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እዩ፡ በዚ መሰረት እዚ ኣቢሎም እውን ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ዳንተን ዘሎ ዓቢይን ጥልቅን ተመሳሳልነት ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም፥ ክልቲኦም ናይ መለኮታዊ ፍቕሪ ገጠምቲ ናይ ፍጥረት ጽባቔን ክብርን ናይ ፈጣሪ ነጸርባቕ ኣብ ምዃኑ ዘመላኽቱ እያቶም እንክቡ ይገልጽዎም።

ንናይ መራኸቢ ብዙሃን ባህሊ መገዲ ዘቕንዓ

ኣሊጊየሪ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዓቢይ ቦታ ዝህብን እዋናውነቱ ዝምስክርን በሊሕ ስነ ጥበበይናን ንናይ ህብረ መራኸቢ ብዙሓን ባህልና ቀዲሙመገዲ ዘቕንዔ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ኣጥቓቕማ ቃላትን ብቓላት ኣቢሉ ኣብ ኣነባብራ ምስልታትን ድምጽታቱን ኩሉ ነቲ ዘቕርቦ እንኮ መልእኽቲ ዝገልጽን ዝነብርን እዩ፡ እቲ እንኰ መልእኽቱ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሻቕሎትን ናብቲ ሓቀይና ሃሴት ዘንቃዕርር ባህረትናን ዝገልጽን፡ ኣብ’ዚ ኣፍልጦ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ዝረገጸ እዩ፡ ብሓቂ እቲ ዳንታዊ ድርሳን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ክኸይድ ዘለዎ ዓቢይ ሃብቲ ዝሓቖፈ እዩ፡ ንተመራመርትን ምሁራንን ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ነቶም ውሻጣውን ናይ እምነት ሕይወት ንምንባር ዝደልዩ ናጽነት ጸጋን ሓላፍነት ምዃኑ ብምስትውዓል ንዘእንግን ኵሎም።

ካብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ወጻኢ ዳንተ ናብ ኩሉ ምብጻሕ

ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ ነቶም ናይ ዳንተ መልእኽትን ባህላውን ሃይማኖታውን ግብረ ገባውን  ኵሉ ብዓቢይ ተምሳጥ ንዘመሓላልፉ መምሃራን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ እዚ ዳንታዊ ባህላዊ ውርሻ’ዚ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ተሓጺሩ ከይተርፍን ኣብ ህርኩት ጻዕሪ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክፍለጥን ክሰፍሕን ብጠቕላላ ካብ ናይ ሕንጸት ክሳብ ናይ ባህሊ ማሕበራትን ኣብ ሕብረተሰብ ዝበጽሕ ክኸውን ተላብዮም፡ ናይ ስነ ቅብእን ስነ ጥበብን ሙያተይናታት እውን ኣብቲ ናይ ጽባቔ ጉደና ንናይ ዳንተ ግጥሚ ክቐርጽዎ ዝተጸውዑ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ በዚ ኵሉ ኣገባብ’ዚ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ብዙሕ ጸገምን ደበንገረን ቅልውላውን ዝረኣየሉ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ ዝጐድለሉን እዋን እቲ ናይ ሰላምን ናጽነትን ሕውነትን ዝኾነ ዳንታዊ መልእኽቲ ምስፋሕ የድሊ ቢሎም፡ እቲ ልዑል ገጣሚ ይብሉ ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም፥ ብቕንዕናን ብትብዓትን ልብና ክሳብ እቲ ፍጻሜኡ ዝኾነ ሰላምን እውነተይና ሓሴት ማለት እቲ ጸሓይን ካልኦት ኵለን ከዋኽብቲ ምስ ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ ክሳብ ዘይተራኸበ ኣብ ናይ ሕይወትን እምነትን ንግደት ንቕድሚት ክንብል ይድግፈና ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን።

26 March 2021, 16:22