ጸሎት ርክብ ምስ ቅድስት ሥላሴ ምናዳ ከኣ ምስቲ ንክርስቶስ ኣባና ህልው ዝገብር መንፈስ ቅዱስ እዩ!ር.ሊ.ጳ

‘ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩም፡ውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። … ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።’ (ዮሓ 14,15-17.25-26)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ምስ ቅድስት ሥላሴ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና ብምምልካት ክንዛዝሞ ኢና። ናይ ዝኾነ ህልውና ክርስትና ቀዳማይ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ካብ ብዙሕ ውህበታት ሓደ ዘይኮነ መሠረታዊ ውህበት ኣምላኽ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኢየሱስ ንክሰደልና ዘተፈወና ውህበት እዩ። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስስ ይኹን ምስ እግዚአብሔር ኣብ ርክብ ክንገብር ኣይንኽእልን። መንፈስ ቅዱስ ንህላዌ እግዝአብሔር ልብና ስለዝኸፍት ናብቲ ወትሩ ከም ንፋስ ዘራጊቶ ናብ ውሽጡ ዝስሕብ ፍቅሩ እዚ ከኣ ልቢ እግዚአብሔር ዝኾነ ልብና ከም እንኸፍት ይገብረና። ንሕና ኣብዚ ዓለም እዚ ጥራይ ኣይኮናን ኣጋይሽን ነጋድያንን እንታይ ደኣ ኣብ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ እውን ነጋድያን ኢና። ከምቲ ብሃንደበት ሠለስተ ዘይፈልጦም ኣጋይሽ ተቀቢሉ ንእግዚአብሔር ዝረኸበ ኣብርሃም ኢና። ንእግዚአብሔር ‘ኣቦ ኣባ’ ክንጽውዕ እንኽእለሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ውሽጥና ዝነብር መንፈስ ቅዱስ እዩ ኣብ ማዓሙቊ ልብና ኰይኑ ነቲ ከም ውሉድ እግዚአብሔር እንፍቀረሉ ደስ ዝብል ታሕጓስ ከም እነስተማቅር ዝገብረና። ኣብ ውሽጢ ማዓሙቊ መንፈሳዊ ሕይወትና ናብ እግዚአብሔር ንዘቅነዔ ዝኾነ ተግባር ዝመርሖን ዝፍጽሞንከስ እዚ ውህበት እዚ ማለት መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ክርስትናዊ ሕይወትና ምስ ኢየሱስ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ገጹ ንቅድሚት ንክስጉም ወትሩ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ይሰርሕ።

ነዚ ብዝምልከት ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.2670 ‘“ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተዘይኮይኑ “ኢየሱስ ጐይታ” ኪብል ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ናብ ኢየሱስ ዚቐርብ ጸሎትና እናክንጅምር፣ በቲ ኣቐዲሙ ዚመጽእ ጸጋኡ ገቢሩ፤ ኣብ መንገዲ ጸሎት ዚመርሓናን ዘብርሃናን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንክርስቶስ እናዘኻኸረ ምጽላይ ዚምህረና ካብ ኮነ፤ ናብ መንፈስ ቅዱስ ከይጸለናኸ ከመይ ኢልና ክንተርፍ ንኽእል? በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር፣ መዓልቲ-መጸ ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ምፍላምን ምፍጻምን ኣገደስቲ ተግባራትና፣ ንመንፈስ ቅዱስ ጸዊዕና ክንምህለል ቤተክርስትያን ትዕድመና’ ይብል።  እነሆ እምበአር ኣባና መንፈስ ቅዱስ ዝሰርሖ ሥራሕ። መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ የዘክረና ምሳና ከምዝህሉ ከኣ ይገብሮ። ነዚ ብካልእ መንገዲ ክንገልጾ እንከሎና ዝኽሪ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኣእምሮና ንዝኽሪ እግዚአብሔር ብክርስቶስ ህልው ይገብሮ ሽዑን ኣብኡን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ኢየሱስ ሓሲብካዮ ጥራይ ዝተርፍ ሕሉፍ ኣካል ዘይኮነ ብኣካል ምሳና ወትሩ ህልው እዩ። ማለት መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ኣብ ሕልናና የምጽኦ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ርሑቅ እንተዝኸውን ንሕና በይንና ምዃና ኣብዚ ዓለም ከኣ ምጠፋእና። ርግጽ እዩ ንኢየሱስ ከም ዝሓለፈ ንዝክሮ እንተኾነ ኣብታ ሁመት እቲኣ ኣብ ልብና ኣምጺኡ ህልው ዝገብሮ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ ሓዲስ ተኽእሎ ምርካብ ኢየሱስ ተኸፈተልና ንኢየሱስ ከም ታሪኻዊ ፍጻሜ ገርካ ምዝካር ጥራይ ኣይኮነን! መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ስሒቡ ኣብ ልብና የሕድሮ ማለት ምስ ኢየሱስ ከም እንራኸብ ዝገብረና መንፈስ ቅዱስ እዩ።     እንተኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ኩሉ ሕይወት ይዘርእ። ናይ ዝኾነ ግዜን ዝኾነ ቦታን ክርስትያን ንክርስቶስ ናይ ምርካብ ዕድሎም ክፉት እዩ። ንሱ ርሑቅ ኣይኮነን ወትሩ ምሳና ኣሎ። ከምቲ ንሓዋርያቱ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ከምኡ እውን ንማርያም መግደላዊት ምስ ኩሎም ሓዋርያት ልቦም እናለወጠ ዝመሃሮም ሎሚ እውን ንሰዓብቱ ልቦም እናለወጠ ይምህር ኣሎ። እንተኾነ ከመይ ቢሉ እዩ ኢየሱስ ዝህሉ! መንፈስ ቅዱስ ኣባና ስለዘምጽኦ እዩ እቲ መልሱ።

ብዙሓት ጸለይቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዓቀን መንፈስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ምሕረት ሥራሕን ኣገልግሎትን ጸሎትን ዝተጸምዱ ነዚ ተመኲሮ እዚ ኣስተማቂሮም ነበሩ።  ንኢየሱስ ክርስቶስ በዚ መንገዲ እዚ ምርካብ ዓቢ ጸጋ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ህርመት ልቦም ከምዝቅየር ጠመተኦም ክንዮ ነገራት ሰጊሩ ክርኢ ይኽእል። ንመነኮሳትን ባሕታውያንን ጥራይ ኣይንሕሰብ ኣብ መንጎ ሓፋሽ እናነበሩ ነዊሕ ታሪኽ ርክብን ዘተን ምስ እግዚአብሔር ዘለዎም ንእምነቶም ዘጽሪ ብርቱዕ መንፈሳዊ ቃልሲ ዘሕልፉ እውን         ኣለውና። እዞም ትሑታት መሰኻኽር ጐይታ እዚኦም ንእግዚአብሔር ኣብ ወንጌል ኣብ ቅዱስ ቊርባን ሃሰስ ኢሎም ረኺቦሞስ ብስግደትን ኣምልኾን ኣመስጊኖም ኣብ ገጽታ ጽጉማት ኣሕዋቶም እውን ይረኽብዎ እሞ ህላዌኡ ኣብ ውሽጦም ከም ድጉል ሓዊ ይዕቅብዎ።

ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ክርስትያንከስ ነቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ሓዊ ወትሩ ህያው ኰይኑ ኣብ ልቦም ከምዝነብር ምግባር እዩ (ሉቃ 12.49)። ኣየናይ እዩ እዚ ሓዊ እዚ እንተበልና ፍቅሪ እዩ። ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ እንተዘየልዩ ትንቢት ይቅህም ሓዘን ንታሕጓስ ይዕብልል ብልማድ ዝግበር ነገራት ንናይ ፍቅሪ ሥራሕ ይትክእ ኣገልግሎት ናብ ባርነት ይቅየር። ኣብዚ ቅጅል ዝብለኒ ኣብ መንበረ ታቦት ህላዌ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ንምምልካት ወትሩ እትበርህ ቀንደል እያ። ኣብታ ቤተክርስትያን ማንም ሰብ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ እውን ምሸት ኰይኑ ለይቲ ምስ ኮነን ቤተክርስትያን እንክዕዞን እታ መብራህቲ ሥራሓ ትቅጽል ማንም ኣይርእያን እንተኾነ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ጐይታ ወትሩ ትበርህ። እዚ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ከምኡ እዩ ኣብ ልብና ወትሩ ኣሎ። ከምዛ መብራህቲ እዚኣዚኸስ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ኣብ ልብና ኣሎ።

እንደገና ናብ ትምህርተ ክርስቶስ ምልስ ምስ እንብል ኣብ ቊ. 2672 ‘ንመላእ ዅለንትናና ብቕብኣቱ ዚመልእ መንፈስ ቅዱስ፤ ንሱ ናይ

ጸሎተ-ክርስትና ውሽጣዊ መምህርን ጐይታን እዩ። ናይ’ቲ ሕያው ዝኾነ ትውፊት ጸሎት ዋና ቀራጺ ሓናጺ እዩ። ብርግጽነት ንምዝራብ፤ ክንድ’ቶም ብዝሒ ጸለይቲ ሰባት፤ ብዝሒ መንገድታት-ጸሎት ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ኵሉን ምስ ኵሉን ዚሰርሕ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጸሎተ ክርስትና ናይ ቤተክርስትያን ጸሎት ኮይኑ ዚርከብ ድማ ሳላ ሱታፌ(ኅብረት) መንፈስ ቅዱስ እዩ’ እንክብል ቀንዲ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ የብርሃልና። ብዙሕ ግዜ ኣይንጽልን ወይውን መብዛሕትኡ ጸሎትና ከም ሕንጻይ ማለት ፓፓጋሎ ኣፍና ይልፍልፍ ልብና ግን ዘየለ ርሑቅ ይኸውን። ሎሚ እምበአር ንመንፈስ ቅዱስ እንልምነሉ ግዜ እዩ ‘ኦ መንፈስ ቅዱስ ንዓ ንልበይ ኣውዒ። ንዓ ጸሎት ከመይ ክምዝግበር መሃረኒ። ንእግዚአብሔር ኣቦን ወልድን ክርኢ ኣኽእለኒ። መንገዲ እምነት ከመይ ከምዝኾነ መሃረኒ። ከመይ ገቢርካ ከምዝፍቅር ልዕሊ ኩሉ ከ ኣ ተስፋ ኣብ ልበይ ክስዕርር ደግፈኒ` ንበሎ። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ኣብ ሕይወትና ምእንቲ ክህሉ ብቀጻሊ ክንጽውዖ ኣሎና።

በዚ ከምዚኸስ ንታሪኽ ቤተክርስትያን ታሪኽ ዓለምናን ዝጽሕፎ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሕና ክፉታት ገጽ ናይዚ መጽሓፍ ታሪኽ ኰና መንፈስ ቅዱስ ክጽሕፍ ነፍቅደሉ። ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍና መንፈስ ቅዱስ መበቆላዊ ዝኾነ ሓዲስ ሥራሓት ይሠርሕ። በዚ ከኣ ማንም ክርስትያን ምስ ካልእ ማንም ክርስትያን ሓደ ኣይኮነን። ነፍሲወከፍና ነናቱ መንነት ዘሎና ኢና። ኣብቲ ግራት ቅድስናኸስ ቅዱስት ሥላሴ ብፍቅሮም ገቢሮም ዝተፈላለዩ ዕምባባታት ምስክርነት ከምዝዕንብቡ ይገብሩ። ብክብርን መሰልን ኩልና ማዕረ ኢና እንተኾነ ኣብ ነፍሲወከፍና መንፈስ ቅዱስ ዘዐምበቦን ዘፍረዮን ፍሉይ ጽባቄ  ብምሕረት እግዚአብሔር ደቁ ዝገብረና ጽባቄ ንውንን። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ህልው ከምዝኾነ ኣብ ውሽጥና ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ። ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኢልና ንስማዕ። ንጸውዓዮ። እግዚአብሔር ዝዓደልና ዓቢ ውህበት እዩ እሞ ‘ኦ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም እትመስል ገጽታኻ ኣይፈልጦን እየ እነኾነ ንስኻ ሓይሊ ከምዝኾንካ እፈልጥ እየ ብርሃን ከምዝኾንካን ንቅድሚት ከምዝስጉም እውን ክትገብረኒ ትኽእል ኢኻ እሞ ከመይ ገቢረ ከምዝጽሊ መሃረኒ። ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ’ እናበልና ንጸሊ። እዛ ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ እትብል ጽብቅቲ ጸሎት እያ እሞ ነዘውትራ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 March 2021, 12:13