ንኢየሱስዶ ክትርእዮ ትደሊ! ኣተኲርካ ናብ መስቀል ጠምት! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምምርሖም ‘እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ኩሎም ክርስትያንን ማሕበራትናን ንኣገልግሎት ዝውፈ ሕይወት ብምብርካት ብሕይወትና ብምምስካር ጭቡጥ መልሲ ምሃብ እዩ’ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ዕለት 22 መጋቢት ተዘኪሩ ንዝወዕል ዓለምለኸ ዕለተ ማይ ብምዝካር ‘ነዚ ኣደናቂ ዝኾነ ጸጋ ማለት ትዕድልቲ ክነስተንትን ይዕድመና’ ኢሎም፡ ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ጣልያን ተዘኺሩ ዝውዕል ዕለት እቶም ግዳያት ማፍያ ዝኾኑ ንጹሓን ሰባት ዘኪሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ 12.20 ዝተወስደ ነቲ ግሪኻውያን ንሓዋርያት ንኢየሱስ ከርእይዎም ዝሓተቱሉ ኢየሱስ ከኣ ክብሩ ብኣቦ ከምዝግለጽ ዝገበሩሉን ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ብምሳሌ ዘርኢ ሥርናይ ገቢሩ ‘ዘርኢ ተቀቢራ እንተዘይመይታ በይና ከምእትነብርን ፍረ ከምዘይትፈርን’ ብምግላጽ ሕይወትና ብዘይብቂ ብኩለንትናኣ እንተዘየውፊና ሕይወት ክህልወናን ክንፈርን ከምዘይንኽእል ዝገለጸሉ ክፍሊ ነበረ።

ኢየሱስ ከኣ በዚ ምሳሌ እዚ ገቢሩ ንሱ ንባዕሉ ከምታ ሕይወት ሓቢኣ ዘላ ዘርኢ እሞ ተቀቢራ መይታ ሕይወት ዘሪኣ ብዙሕ ፍረ ከምእትፈሪ ንክመውት ግዜኡ ከምዝኣኸለን ብዙሕ ፍረ ክፈሪ ምዃኑን ብጋህዲ ይዛረብ። እዚ ቀቅድሚ ሕማማቱ ካብ ዘቅረቦም ናይ መጨረሽታ ትምህርታት ሓደ ዝኾነ ንበዓለ ፋሲካ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተረኽበሉ እዩ። ኣብዚ ገለ ግሪኻውያን ናብ ፍሊጶስ ሓዋርያ ቅርብ ኢሎም ‘ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ ኣሎና’ ኢሎም ዝሓተቱሉ ኣጋጣሚ እውን ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዛ ‘ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ ኣሎና’ እትብል ሓረግ ብምትኳር እዛ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ብግሪኻውያን ዝቀረበት ሕቶ ናይ ኩሉ ዘመናትን ቦታትን ሰባት ማለት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናብ ቤተክርስትያን ዘቅርብዋ ሕቶ እያ። መልሲ ናይዛ ሕቶ ከመይ ከምዝነበረ እንተተመልከትና ኢየሱስ ‘ወዲሰብ ንክኸብር ክብሩ ንክግለጽ እታ ሰዓት በጺሓ እያ’ እንክብል እታ ኣብ ምጅማር ስብከተ ወንጌሉ ዝገበራ ቀዳመይቲ ተኣምር ቃና ዘገሊላ ‘ግዜይ ኣይበጽሐን’ ብምባል ዝጀመራ ኣብ ካልእ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እውን ንዝኾነ ተኣምር ንማንም ከይነግሩ ብምጥንቃቅ ግዜኡ ገና ከምዘይበጽሐ ዝንቀሳቀሶ ዝነበረ ሎሚ ግን ብግህዶ እታ ሰዓት ኣኺላ ይብሎም። እንተኾነ ኣብዚ እውን ገና ነቲ ሕዝቢ ብምሳሌ እዩ ዝዛረቦም። እታ ዝኸብረላ ሰዓት ምብጻሓ ንሳ ከኣ ‘ዘርኢ ናብ መሬት ወዲቃ እንተዘይመይታ በይና እያ ትተርፍ እንተመይታ ግን ብዙሕ ፍረ ትፈሪ’ ይብሎም። ነቶም ሓዋርያት እኳ ደጋጊሙ ነጊርዎም ነሩ እዩ። እንተኾነ ንሶም እውን ክሳብ ትንሣኤ ሙታን ካብ ካልኦት ኣይፍለዩን ነበሩ።

ቅዱስነቶም ናብታ ገና ትቅጽል ዘላ ‘ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ ኣሎና’ እትብል ምልስ ይብሉ እሞ እታ መልሲ እንትርፎ ነቶም ግሪኻውያን ዝተዋህበት መልሲ ካልእ የለን ንሳ ከኣ ‘ነቲ ኣብ መሬት ተቀቢራ እትመውት ዘርኢ’ ምርኣይ እዩ። እዚ እንትርፎ ናብ መስቀሉ ኣተኲርካ ምጥማት ንኢየሱስ እትፈልጠሉን እትርደኣሉን ካልእ መንገዲ ከምዘየለ እዩ ዘመልክት እንክብሉ ነዘን ዝስዕባ ሓያላት ቃላት ኣቅሪቦም።

“ካልእ እሞ ንግደፎ ነታ ንዘመናት ፍሉይ ምልክትን ኣርማን ክርስትያን ዝኾነት ወትሩ እንገብራ ትእምርተ መስቀል እሞ ንሕሰብ። ምናልባት ካብተን ኢየሱስ ብዙሕ ዘይተፈልጠለን ዘይተሰብከለን ሃገራትን ባህልን ዝመጸ ሰብ ንኢየሱስ ክርኢ ምስ ዝደሊ ብቀዳምነት ዝርእዮ እንታይ እዩ እንተበልና! ወይውን ኣየናይ ምልክት እዩ ብግህዶ ዝርእዮ! ቢልና እንተሓተትና መስቅል እዩ ኢየሱስ ዝተሰቅለሉ መስቀል። ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ገዛውቲ ክርስትያን ኣብ ገሊኦም ከኣ ኣብ ኣካሎም ዝተወቀጠ መስቀል እዩ ዝርኢ። ኣብዚ እቲ ዘድሊ ቀንዲ ጉዳይ እት ምልክት መስቀል ምስ ወንጌል ዝሰማማዕ ክኸውን ኣሎዎ። መስቀል እንትርፊ ፍቅርን ኣገልግሎትን ብኩለንትናኻ ንኣኡ ምውፋይን እንተዘይኰይኑ ካልእ ከመልክት ኣይክእልን። ከምዚ ብምግባር ጥራይ ከኣ እቲ ዕጸ መስቀል ዕጸ ሕይወት ናይቲ ሕይወት ምስ ትርፉ ዝኾነ ጐይታ ዝህበና ሕይወት ዝኸውን፡ ነዚ ንምዃን ከኣ ብኩለንትናኻ ሕይወትና ንኣገልግሎት ብምውፋይ ምስክርነት ብምሃብ እዩ ኢሎም።”

ብኩለንትናኣ ብእትውፈ ሕይወት ምምስካር!

ቅዱስነቶም እንደገና ናብታ ኣብ ዘመነ ኢየሱስ ብገሊኦም ግሪኻውን ዝቀረበት ‘ንኢየሱስ ናይ ምርኣይ ሃረርታ’ ሕቶ ምልስ ይብሉ እሞ፡ ሎሚ እውን እተኾነ ብዙሓት ሰባት ብኣፎም ምንም ከይተዛረቡ ኣብ ልቦም ዝመላለስ ንኢየሱስ ናይ ምርኣይ ሃረርታ ንኢየሱስ ናይ ምርካብ ሃረርታ ንኢየሱስ ናይ ምፍላጥ ሃረርታ ድቃስ ዝኸልኦም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምዘለው ገሊጾም።

“ካብዚ ሃረርታ እዚኸስ ንሕና ክርስትያንን ማሕበራትናን ዘሎና ዓቢ ሓላፍነት ክርድኣና ይጅምር። ንሕና እውን ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ሃረርታን ሕቶን ኣሕዛብ ኣገባብ ኢየሱስ ተኸቲላ ንኣገልግሎት ብኩለንትናኣ እትውፈ ሕይወት ብምምስካር ክንምልሽ እዚ ከኣ ቅርበትን ርሕራሔን ሕያውነትን ዝመለለዪኡ ኣገልግሎት ብምውፋይ እዩ። ዘርኢ ፍቅሪ ብምዝራእ እዩ ዝግበር እዚ ግን ብኡ ንብኡ ብዝበሩ ቃላት ዘይኮነ ብተግባር ክኸውን ኣለዎ። ገርሀይናን ማንም ከበርክቶን ዝኽእል ብትብዓት ዝውፈ ኣገልግሎት እምበር ብሥነ ሓሳብን ዝተወራረቀ ቃላትን ዝቀርብ ናይ ኩነኔ መደረ ዘይኮነ ብተግባራት ፍቅሪ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ እንክንገብር ጐይታ ከኣ ብወገኑ ብጸጋኡ ብዙሕ ፍረ ከም እንፈሪ ይገብረና። ምናልባት እቲ መሬት ዝደረቀ ምድረበዳ እንተመሰለና እዚ ከኣ ክርድኡና እንተዘይክኢሎም ጸገምን ስደትን እንክጓንፈና ሕጋዊ ኣምሰሉነትን ሕሉፍ ሞራላውነት ቤተክህነትን እውን ከይተረፈ ክዕንቅጸና እንከሎ እዩ። እዚ ብሓቂ ደረቅ መሬት እዩ ኣብ እንብለሉ ግዜ እዩ ኣብቲ ከም ኢየሱስ በይንና ተሪፍና ብሕትውና ዝስመዓና ግዜ ኣብቲ እታ ዘርኢ ኣብ መሬት ወዲቃ ንበይና እትሞተሉ ግዜ ሽዑ እዩ ሕይወት ክዝራእን ክዓብን ዝጅምር በዚ ከኣ ኣብ ግዜኡ ብዙሕ ብሱል ፍረ ክፈሪ እዩ።”

እዚ ኩነት እዚ ብዙሕ ግዜ ናይ ሞትን ሕይወትን ቃልሲ ዝረአ ኰይኑ ብዓይኒ መንፈስ እንክጥመት ስቃይን መስቀልን እኳ እንተኾነ ናይ ፍቅሪ ሓቀኛ ሓጐስን ፍረን ንምስትምቃር ነታ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ኣገባብ ዝበልናያ ቅርበትን ርሕራሔን ለውሃትን ብምልጋስ ክነገልግል ኣሎና። ሓቀኛ ሓጐስን ፍረን ፍቅሪ በዚ ከምዚ ጥራይ ኢና ክነስተማቅሮ እንኽእል ብማለት ትምህርቶም ዛዚሞም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር መሪሖም።

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ኣብ ዕለተ ብመላእ ሃገረ ጣልያን ተዘኪሩ ዝወዓለ ሃገራዊ ዕለተ ዝኽሪ ንጹሓት ግዳያት ማፍያ ኣመልኪቶም ‘ማፍያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኲርናዓ መላእ ዓለም ይርከቡ። ምናዳ ሎሚ ከም ሎሚ ንዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ብምግባር ንኩሉ ብምምዝማዝ ብብልሽውና ይህብትሙ ኣለው’ እንክብሉ ብሥቃይ ንጹሓት ዝርከብ ሃብትስ ይኹን ንብረት ውዒሉ ሓዲሩ ዘኽስስ ምዃኑ ፈሊጦም ኣብ ልቦም ክምለሱ ኣዘኻኺሮም።

ዓለምለኸ ዕለተ ማይ!

ሰኑይ ዕለት 22 መጋቢት ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለምለኸ ዕለት ማይ ብምዝካር ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዝጸለዮ አመንቲ ዘበልና ነዙይ ፍሉይ ጸጋ እዚ ‘ሓውትና ማይ’ ምንጪ ሕይወትን ጥዕናን ብምዃና ዓለምለኸው ምልክት ጸጋ እምበር ንሸቀጥ ዝቀርብ ኣይኮነን። እዚ ዓለምለኸ ዕለት እዚ ከኣ ናይዚ ኣደናቅን መተካእታ ኣልቦን ጸጋ እግዚአብሔር ዝኾነ ክብሪ ክነስተትን ይዕድመና’ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 March 2021, 22:18