2020.05.17 መሥዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2020.05.17 መሥዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ መንፈሳዊ ቅርበት ዝተገልጸሉ ቀዳማይ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ብመራኸቢ ብዙሓን!

ዓለምና ምሉእ ኣይረድ ወሪድዎ ኮቪድ 19 ዝበሃል ዘይፈልጦ ጋሻ ገጢምዎ ብኩሉ ኩሉ ዝገብርዎን ዝጭብጦን ምስ ሰኣነ እንትርፊ ኣብ ገዛኻ ተዓጺኻን ኣብ ዘዘሎኻዮ ተወሺብካን ንእትኣምኖ ምምህላል እንተዘይኮይኑ ዝግበር የለን ተባሂሉ ኣብያተ ክርስትያን ከይተርፋ ዝተዓጽዋሉ ሁሙት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓም ምስ መጓሲኦም ቅርበቶም ንምግላጽን ብመንፈስ ምስ ኩሎም ቅርበቶም ንምግላጽ ካብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ብቀጥታ ቅዳሴ ዘመሓላለፉሉን ምሉእ ዓለም ብዓቢ መንፈሳውነት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝተኸታተልዎን ቀዳማይ ዓመቱ ተዘኪሩ። እዚ ካብ በዓል ሃገረ ቻይና ከይተረፈ ብሚልዮናት ዝተኸታተልዎ ኣገባብ እቲ ሕማም ቁሩብ ፍዂስ ክሳብ ዝብል ንክልተ ወርሒ ምስ መመላእታ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

ዜና ቫቲካን!

ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቃ እኳ እንተኾነ ነገሩ ብሃንደበት ብርቱዕ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ብቀዳምነት ትሕዞን ትጭብጦን ትስእን። ነቲ ጉዳይ ዘኽበዶ ብቀንዱ ዝንጋዔ ደቂሰባት እዩ። እዚ ዝንጋዔ እዚ ከምቲ ኣብ ግዜ ህንጻ ግንቢ ባቢሎም ዝኾነ ዝኾነ ደቂ ሰባት ምዕባሌ ብዝብል ሓሳብ ንፈጣሪ ረሲዖም መን ከማና ኣብ ምባል ዝበጽሑሉ ግዜ ብምንባሩ እዩ። ሳይንስን ሕክምናን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እዩ፡ ንሕማማትስ ይትረፍ ንተፈጥሮ እውን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና ክነእትዋ ቀሪብና ኣሎና። ዕድመ ደቂሰባት ከምዝውስኽ ገርና ኣሎና እቲ ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝቁጸ ዝነበረ ኣብቂዑስ ሰብ ብእርጋን መሃነኑ ክሳብ ዝጠፍእ ዕድመ ክነነውሕ ክኢልና ማእከላይ ዕድመ ልዕሊ 80 ዓመት ከምዝኸውን ገርና ኢሎም ኣብ ዝተዘናግዑሉ ግዜ እዩ እዚ ከም መብረቅ ኰይኑ ንመላእ ዓለም ብሓደ ግዜ ዝኣርበደ ለበዳ ሕማም ዝተቀልቀለ። ዝነበረ ተስፋ ኣብ ሓጺር ግዜ ክጽንቀቅ ተራእዩ። መራሕቲ ዓበይቲ ሃገራት ከምቲ ንጉሥ ነነዌ ኣብ መዋጥር ምስ ኣተወ ስብከት ዮናስ ሰሚዑ ዘይኣምን ኣረመን እኳ እንተነበረ ‘መን ይፈልጥ እስኪ እንተተመሰለልና ንጹም ንነሣሕ’ ዝበሎ ‘ንሕና ሰብ ዝኽእሎ ዘበለ ፈቲና ኢና ፍታሕ ካብ ሰማይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝግበር የለን ንኣምላኽ ለምኑ’ ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ዘበሎም ከኣ ህላዌ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ምስ ጀመረ ኩሉ ደው ምስ በለ ካብቲ መግቢ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን እውን ክትክልከል ምስ ጀመርካ ጸገም እዩ። ተንከስ እንተበልካ ትልከፍ እንተተለኽፍካ እስትንፋስ ስኢንካ ትመውት ስለዚ ተወሸብ ኮነ ነገሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዕለታዊ ዜና ክንድዚ ተለኺፎም ክንድዚ መይቶም ዝብል ነናይ ሰዓቱ ዜና ኮነ። እታ መበቆል እቲ ታህዋስ ካብ ዝተባህለት ቻይና ጀሚርካ ዓለም ምሉእ ዘስካሕከሐት ሃገረ ጣልያንን ኩለን ሃያላን ሃገራትን ክንብርከኻ ጀሚረን።

ከምዚ ኢሉ ዓለም ምሉእ ኣብ ሻቅሎትን ጸልማትን እንከሎ እዩ እምበኣር ነዞም ኣብ ገገዛኦም ተወሺቦም ዘስቈርቊሩ ዝነበሩ መንፈሳዊ ቅርበቶም ንምግላጽ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 9 ሚያዝያ 2020 ዓም ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 7 ናይ ወጋሕታ ኣብ ገዛ ነፍሲወከፍ ብመራኸቢ ብዙሓት ኣጆኹም ኣይርፍርሑ ምሳኹም ኣሎኹ ብሓባር ንጸሊ እንክብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ቃለ እግዚአብሔርን ቃለ ምጽንናዕን ተስፋን ከጋውሑ ዝጀመሩ። ኩሉም ብመንፈስ ምሳኦም ክሓብሩ ብሃረርታ ኣብ ቊርባን ክሳተፉ ብምዕዳም ኣብ መኽፈቲ እቲ ቅዳሴ ሓሳብ ጸሎትም ምግላጽ ብቀጻሊ እናተለምደ እኳ እንተመጸ እተን ናይ መጀመርያ ቃላት ግን ኣብ ልቢ ብዙሓት ምጽንናዕን ብርሃን ተስፋን ኰይነን ከምዚ ዝብላ ከኣ ነበራ።

“ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ሓሳብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ እቶም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሓመሙን ንሓካይን ኣለይቲ ሕሙማትን ብዙሕ ዝሕግዙ ዘለው ወለተኛታትን ሥድራቤታት ሕሙማትን ኣብ መዕቈብ ሽማግለታት በይኖም ተዓጽዮም ዘለው ኣረጋውያንን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለውን አወፍዮ። ኣብዛ ሶሙን እዚኣ ‘ኦ ጐይታ ኣድሕነኒ ምሕረትካ ሃበኒ። እግረይ ኣብ ቅድሚ መቅደስካ አቅውም። ኣብ ማሕበር ንጐይታ ክባርኽ እየ’ እናበልና ንጸሊ ኢሎም ነሮም።”

እዚ ጸሎት እዚ በብዕለቱ ኣብ ልዕሊ ምቅራቡ ነፍሲ ወከፍ ቤት ምእመን ቤተክርስትያን ዝገበረ ፍጻሜ እውን ክንብሎ ንኽእል። ቊምስናታትን ገዳማትን እውን ኣብነቶም ተኸቲሎም ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ሽሕ’ኳ ብካልኦት ልሙድ እንተነበረ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሓዲስ ሓይልን ቅድን ዝተላዕለ ክንብሎ እንኽል ስብከተ ወንጌል ብመራኸቢ ብዙሓን ዋዕዊዑ። ክሳብ ሎሚ ዝቅጽል ዘሎ ብሥርዓት ኣምልኾና እውን ካብ ዝተፈላለያ ቊምስናታትን ሃገራትን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓለለፍ ቅዳሴ ሥርዓተ ግዕዝን ስብከታትን ኣስተምህሮታትን ዳርጋ በዚሑ ክሳብ ምባል ዝተበጽሓሉ ግዜ ኮይኑ።

ሎሚ እውን እንተኾነ ካልኣይ ማዕበል ሳልሳይ ማዕበል እናተባህለ እቲ ለበዳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኩነታት እናቀያየረ ይረኤ ኣሎ። እዚ ከኣ ምናልባት ክትባት ተረኺቡ ኢልካ ነቲ ዝነበርካዮ ኩነታት ከይትዝንግዕ እሞ ነተን ነቅ ክብላ ዘይብለን እምነትን ተስፋን ፍቅርን ኣጸቢቅና ከነሐይለን ንጽዋዕ ዘሎና ንመስል። ርግጽ እዩ ፍልጠት ወይውን ሳይንስ ካብ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ። እዚ ግን ብትሕትናን ብእምነትን እንተዘይተጠቂምናሉ ከምቲ ናይ ጸላኤ ሠናያት መን ከም እግዚአብሔር ክንዲ ምባል መን ከማና ከብል ስለዝኽእል ‘ንውድቀት ትዕቢት ትቅድማ’ ከይከውን ልቦና የድሊ። ከምቲ ቅድሚ ዓመት ‘ብዘይካኻ ረዳኢ የብልናን ርድኣና’ ክንብል ዝተማሕጸናዮ እሞ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ዝሓለወና ኣምላኽ ክሕልወና መንፈስ ጥበቡ ከኣ ነቶም ብንጹሕ ሕልና ፈውሲ ደልዮም ሃሰስ ዝብሉ ሊቃውንትና ከብርሃሎም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብዚ ተመኲሮ እንታይ ተማሂርና ኢልና ክነስተንትን የድሊ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 March 2021, 10:45