ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ኣብ ናይጀሪያ ዝተጨወያ 317 ተመሃሮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዕለት 28 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ዛምፋራ ካብ እትርከብ ከተማ ጃንገበ ተጨውየን ዝነበራ 317 ተመሃሮ ናጻ ንኽልቀቓ ናይታ ሃገር ሃይሊ ጸጥታ ኣብ ምድላየን ተዋፊሩ ይርከብ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዕለት 28 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምእንቲ እተን ተመሃሮን ኣባይቲ ስድራኤንን ጸልዮምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾምን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዘማሕጸንወን ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማርኮ ጉወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀሪያ ናይ ዛምፋራ ግዝኣት ዞባዊ መንግስቲ እተን ኣብ ግዝኣቱ ካብ እትርከብ ከተማ ጃንገበ ተጨውየን ዝነበራ 317 ተመሃሮ ናጻ ተለቒቐን ዝብልን ደሓር እውን ናይ ናይጀሪያ ብሔራዊ ናይ ተለቪዥን መደበር ዝፈነዎ እውን እንተኾነ ናጻ ምልቓቐን ዝተረጋገጸ ምዃኑ የጠራጥር። እተን ተመሃሮ ኣብ ዳንጉልቢን ሳቦን ብሪኒን ባናጋ ኣብ ዝርከብ ዱር ጅሆ ኮይነን ከምዝጸንሓን ክንገር እንከሎ፡ ናጻ ንኽልቀቃ መንግስቲ ነቶም ጨወይቲ ዝኸፈሎ ገንዘብ ይሃሉ ኣይሀሉ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጉወራ ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዕለት 28 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥  

ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ጃንገበ ኣብ ልዕሊ 317 ተመሃሮ ዝተፈጸመ ጨወያ ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ከምዝኾነንዎን ኣብቲ ናይቶም ጳጳሳት ድምጺ ድምጸይ አሕብር፡ ምእንቲ እተን ተመሃሮ ብቑልጡፍ ናብ ኣባይቲ ስድራኤን ክምለሳ ንጸልይ፡ ንኣባይቲ ስድራኤን ነተን ተመሃሮን ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክትዕቅበን ምእንታኤን ንጸልይ፥ ሰላም ነዓኺ ኦ ማርያን

እንክብሉ ምእንታኤን በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰላም ለኪ ጸሎት ከምዝደገሙ  ኣፍሊጦም።

ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ዓቢይ ስክፍታ

ኣብ ናይጀሪያ ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ጉዳይ ዘሰክፍ ምዃኑ ደጋጊሞም ኣብ ናይጀሪይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዘለዎም ስክፍታ ከምዝገልጹን፥ “ከም ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይጀሪያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ህልው ኵነታት የሰክፈና፡ መንግስቲ “ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ክገብር ወይ ብቐዓት የብሉን ወይ ከኣ ድላይ የብሉን” ቢሎም “ለብዒ ኮቪድ - 19ን ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍጽምዎ ጨወያን መቕተልትን ዘተመተን” ዝኣመሰሉ ኣብ ናይጀሪያ ምኽንያት ስቓይን ዘይምርግጋእን ዝኾኑ ዓበይቲ ጸገማት ዘርዚሮም፥ “ናይጀሪያ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ብልጽግቲ ሃገር እያ” ከምዝበሉ ጉወራ የዘኻኽሩ።

ምስፋሕ ዕጡቓት ሓይሊ

እቶም ግብረ ጨወያ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሓይልታት ነቲ ክፍጽምዎ ሓንጺጽምዎ ዝነበረ ግብረ ጨወያ ከይፈሽል ብቐዳምነተ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ናይ ወተሃደራዊ ፖሊስ ኑቕጣ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን ድሕሪ  እቲ መጥቓዕቲ ነተን ተመሃሮ ጨውዮም ከምዝተሰወሩን፡ ኣብቲ ግዝኣት ዛምፋራ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታትን ናይ ገበን ጉጅለትትን ዝንቀሳቐስሉን ግብረ ጨወያ ከም ናይ እቶት መጋበርያ ዝጥቀምሉ ከምዝኾነ እውን ካብ ናይጀሪያ ዝፍነዉ ምንጪ ዜናታት ጠቒሶም ይሕብሩ።

እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ጨወያ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይዅነን

ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ሙሓማዱ ቡሓሪ፥ መንግስቶም እተን ዝተጨውያ ተመሃሮ ምድሓን እዩ ዕላማኡ እዚ ማለት ግን “እቶም ገበነይናታትን ዕጡቓት ሓይልታትን በቢ እዋኑ እናጨወዩ ዝሓትዎ ክፍሊት ዝኸፍልን ነቲ ናይቶም ጉጅለታት ቅድመ ኵነት ዝንብርከኽ ኣይኮነን፡ እቶም ጨወይትን ሸፋቱን ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ዝሓየሉ ኮይኖም ዝስምዖም እንተድኣ ኮይኑ ገዛእ ርእሶም እዮም ዘደናግሩ” ከምዝበሉን፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበርን እተን ተጨውየን ዝነበራ ናጻ ክልቀቓ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ “ኣባይቲ  ትምህርቲ ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ዝኾነሉ ስፍራን ካብ ዓመጽን ፍርሕን ናጻ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ግብረ ጨወያ

ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ቦኮ ሓራም ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ዕጡቓት ኣኽረርቲ ሓይማኖት ምስልምና 276 ተመሃሮ ደቀንስትዮ ከምዝጨወዩን ካብተን ዝተጨወያ ውሑዳት ጥራሕ ካብ ጨወይተን ኣምሊጠን ናብ ኣባይቲ ስድራኤን ከምእተመልሳን ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት እውን ኣብ ምዕራባዊ ማእከላይ ዞባ ተጨውዮም ዝነበሩ 42 ዜጋታት ናጻ ከምእተለቁ ናይቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ኣካላት ከምዘፍለጡን፡ ናይ ናይጀሪያ በርገሳውያን ማሕበራት ናይ  ኣቡጃ ማእከላይ መንግስቲ ናይ ኣባይቲ ትምህርትን ሰላማዊ ሕዝብን ማሕበራዊ ጉዳያትን ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ኣብ ምግባር ኣበርቲዑ ክዓዪ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ጉወራ ሓቢሮም።

01 March 2021, 15:02