ር.ሊ.ጳ.፥ ኣልቦ ምዝመዛን መኽሰብ ጥራሕ ዘይብል ንሰብ ዝሓልይ ቁጠባ

ንግድ ደቂ ሰብ ጥጡሕ ባይታ ዝረክብ ኣብቲ ብዘይ ቀጥዕን ስነ ምግባርን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ደረታት ዘየግድሶ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል እዋናዊ ናጻዊ ርእሰ ማልነት ብጸቕጢ ኣብ ዘቑሞ ዕዳጋ እዩ

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጸረ ንግድ ሰብ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ብእዋናዊ ናይ ጊልያነት ኣግባብ ናይ ዘይተጸልወ ኤኮኖሚ ረባሕታ እንከመላኽቱ፥ “ቁጠባ ሕጋዊ መኽሰብን ናይ ስራሕ ዕድል ምዕባይን ቅኑዕ ናይ ስራሕ ኵነታት ምንቕቓሕን ዘተጣመረ ክኸውን ምግባር ትብዓት ይሓትት” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ጸረ ንግድ ደቂ ሰብ ኣብ ዘቕርቦ ኣስተንትኖ ኣብቲ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝመሓደር ዘይሕጋዊ ዕዳጋ ዘስተንትን ኮይኑ፥ ንግድ ደቂ ሰብ ሎሚ እውን ዘይዕድል ኮይኑ ለብዒ ኣብ ዝተኸስተሉ ዓለም እንደገና ብዝያዳ ዘኽስብን እዚዩ ሰብኣውነት ዝገፍፍን ኮይኑ ኣሎ። ናይ ንግድ ደቂ ሰብ ኣደዳ ዝኾኑ ከም ተንቀሳቓሲ ዝሽየጥ ንብረት ፍሉይ ናይ ኣረመናዊ ናይ እቶት ንብረት ኮይኖም ይርከቡ፡ እዚ ኸኣ ኣመንዝራነትን ነስገዳድ ናይ ጉልበት ዕዮን ናይ ውሽጢ ሰብነት ኣካልን ንግድን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ልዕሊ ኣርብዓ ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ብሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዑ ከምዘለዉን በዚ ኣሰቃቒ ኢሰብኣዊ ሓደጋ ደቂንስትዮን ሕጻናትን ብዝለዓለ ደረጃ ዝጥቅዑ ክኾኑ ከምዝኾኑን፡ በዚ ኢሰብኣዊ ተግባር’ዚ ልዕሊ 150 ሚሊያርድ ዶላር ዝግምት መኽሰብ ከምዝንቀሳቐስን ክልተ ሲሶ ካብኡ እውን ካብ ጾታዊ ምዝመዛ ዝርከብ ምዃኑ ይንገር። ካብቶም ዝምዝመዙ እቲ ሓምሳ ሚእታዊ ዝሽፍን እውን ዕዳኦም ንምኽፋል ብዘይምኽኣሎም ዕዳኦም ክሳብ ዝኸፍሉ ኣብ ኣስገዳድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝተዳጐኑ እያቶም፡ ስለዚ እቲ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ምዕዳን ካብ መዝማዛ ንግድ ናጻ ዝኾነ ቁጠባ ክነቓእቕሕ ዝላበውምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓላይ ኤኮኖሚ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ምልእኽቲ ንሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንጸረ ዘይሕጋው ምስግጋር ደቂ ሰብ፥ ካብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ናጻ ዝኾነ ቁጠባ ተላብዮም ንሰባትን ተፈጥሮን ዝከናኸን ቁጠባ ኣገዳስነቱ እንከመላኽቱ፥

ንስራሕ ዝግደስ ሰራሕተይናታት ዘይምዝምዝ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝፈጥር ቁጠባ ክህሉን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ነቲ ናይ ምዝመዛ ተግባር ዘብእስን ብዙሓት ንስእነት ስራሕ ዘቃልዕን ብዘይ ስራሕ ዘትርፍን ብዙሓት ብንግድ ደቂ ሰባት ዝተጠቕዑ ካብቲ ዘጓነፎን ጸገም ተላቒቖም ማሕበራዊ ዳግመ ምውህሃድ ክህልዎም ዘብቅዕ ዝካየድ መደብ ድጋፍ እውን ንሓደጋ ዘኣልዔ ከምዝኾነን፡ ኣብዚ ኩሉ ዝተበታተነን ቀጥዒ ኣልቦን ኣብ ዝመስል ዘሎ እዋን ናይቶም ተነቃፍያን ጉዳይ ዘሕትተና ምዃኑ ተኣሚንና ሓባራዊ ሕይወት ናይ ምድላይ ሓላፍነት ክስምዓና ሰናይ እዩ (ኵላትና ኣሕዋት ፍቕዲ 155 ረኣ)፡ ተኸናኻኒ ቁጠባ ማለት ተሓባባሪ ቁጠባ ማለት እዩ፥ ስለዚ ብምትሕብባር ንዝተኣሳሰር ንጽኑዕ ሓድነት ንዕየይ፥

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ቍጠባ ሕግታት

ቍጠባ ብዘይ ንግድ ደቂ ሰባትን ንፍሉይ ረብሓታትን ጥቕምን ዘይብል ፍትሒ ዘደንፍዕ ናይ ዕዳጋ ሕጊ ዘለዎ ኣገዳስነት እንከመላኽቱ፥

ንግድ ደቂ ሰብ ጥጡሕ ባይታ ዝረክብ ኣብቲ ብዘይ ቀጥዕን ስነ ምግባርን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ደረታት ዘየግድሶ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል እዋናዊ ናጻዊ ርእሰ ማልነት ብጸቕጢ ኣብ ዘቑሞ ዕዳጋ እዩ፡ ነዚ ምስዓብ፥ ጥቕሚ ጥራግ ዝብል ምርጫታት ኣብ መምዘንታት ስነ ምግባር ዘይተመርኮዘ ይዀኑን በዚ ድላይ’ዚ መሰረት ከኣ ብዙሕ ግዜ ሰብኣውን ማሓድሮኣውን ዘኽብር ብዝመስል ኪደት ውልቃዊ ረብሓ ክዕብልል ይርአይ፡ እዚ ኸኣ ምርጫታት ንሰብ ከም ሰብ ብምርኣይ ዘይኮነ ከም ቁጽርን ተመዝማዝን ገርካ ካብ ምምልካት ዝነቕል እዩ።

ከምዝበሉ የመላኽት።

ንቕልውላው ቍጠባ ንሰብ ብዘማእከለ ኤኮኖሚ ምብዳህ

ቅዱስነቶም መልእኽቶም እንከጠቓልሉ፥ ንቅልውላው ቍጠባ ርሑቕ ብዘይ - ሓስብን ዘይጥምትን ኣገባብ ንምብዳህ ዘይፍትን ተባዕ ኤኮኖሚ ኣገዳሲ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

ትብዓት የድሊ ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ብምዃን በቋራጺ መኽሰብ ምንዳይ ደፋር ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ በንጻሩ ብዓቕልን ብዝግበር ሕንጸትን መኽሰብ ጥራሕ ብዘይብል መደብን ኣብ ማእከላይን ነዊሕን ውጽኢት ምዕታር ዝብል ልዕሊ ዅሉ ሰብ ዘማእከለን ንሰብ ዝጠቕምን ቁጠባ ውሑስ ምግባር ማለት እዩ፡ ትብዓት ክበሃል እንከሎ ምስ ሕጋውን ቅኑዕን መኽሰብ ዝተተሓሓዘን ናይ ስራሕ ዕድልን ፍትሓዊ ናይ ስራሕ ኵነት ዝፈጥርን ኤኮኖሚ ምርግጋጽ ማለት እዩ፡ ኣብዚ ከቢድ ቅልውላው ቍጠባ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እዚ ዓይነት ትብዓት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ዝውውርን ንግድ ደቂ ሰባትን እናበዘሔ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኵላትና ከምእፈልጦ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ቅልውላው ብዘየቋርጽን ሓጺር ብዘይጥምት ብጽኑዕ ኣገባብ መልሲ ዝብህ ቍጠባ የድሊ።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካብ ንግድ ደቂ ሰባት ናጻ ዝኾነ ኤኮኖሚ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ጸረ ንግድ ደቂ ሰብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዘቖምዎ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ካብ ምዝመዛ ናጻ ዝኾነ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ተመክሮ ንምንቕቓሕ ኣሚቶም ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 8 ለካቲት ንኽበዓል ዝደለየሉ ምኽንያት እታ ኣብ ሕይወትን ኣደዳ ምዝመዛን ጊልያነትን ተመክሮ ዝነበረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸረ ጊልያነት ኵላዊ ትእምርቲ ዝኾነት ጓል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስቲ ባኪታ ኣብ እትዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኮይኑ፡ እቲ ታሊታ ቍም ፡  ዝብል ብናይ መላእ ኣሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ጉባኤ በቢ ዓመቱ ብዘሰናድዎ መደብ ዝበዓል ኮይኑ፡ እቲ ናይ ለምዘበን መዓልቲ ጸሎት ንጸረ ንግድ ሰብ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ምክያዱ የመላኽት።

09 February 2021, 15:31