ጸሎት ምስ ጐይታ ምርኻብ ካብ ኮነ ብዘይወዓልሕደር ኣብታ ዘላትና ሎሚ-ሕጂ ወትሩ ብጸሎት ምሳኡ ንራኸብ! ር.ሊ.ጳ

‘ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።’ (ቆላ 3.16-17)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ዘቅረብናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ጸሎት ክርስትና ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ኣብ ግብረ ኣምልኾ ከምዝተመስረተ ርኢና። ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ቤተክርስትያን ከመይ ቢላ ካብ ግብረ ኣምልኾ ናብ ንቡር ዕለታዊ ሕይወትና ከም እትምለስ ማለት ኣብ ጐደናታትስ ይኹን ኣብ ቤት ጽሕፈታት ከምኡ እውን ዝዀን መጓዓዚ እንክጥቀሙ። እቲ ምስ እግዚአብሔር ዝጀመርዎ ዘተ ኣብዚ እውን ይቅጽል። ማለት ሓደ ዝጽሊ ሰብ ብፍቅሪ ከም ዝተታሕዘ ሰብ ኰይኑ ኣብ ዝሃለዎ ይሃሉ ወትሩ ኣብ ልቢ ነቲ ዘፍቀሮ ሒዝዎ ይጐዓዝ።

ከም ሓቁ እንተዀይኑ ኩሉ እዚ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዝግበር ዘተ ይሕቈፍ። ዝተቀበልካያ ሓጐስ ኩላ ምኽንያት ምስጋና ትኸውን፡ ዘጓነፈት ዝኾነት ፈተና ከኣ ሓገዝ ንምሕታት ምኽንያት ትኸውን። ጸሎት ክርስትያንከስ ከም ድጉል ሓዊ ኣብ ሕይወት ዋላ ኣፍና ኣብ ዘይዛረበሉ እዋን ከይተረፈ ወትሩ ሕያው እያ። ኣፍና እኳ እንተዘይተዛረበ ግን ልብና ይዛረብ እዩ።  ነፍሲወከፍ ሓሳብ ዋላውን ዘይቅርዑይ ኰይኑ እተተራእየና መቀስቀሲ ጸሎት ክኸውን ይኽእል። ኣብ ጽሩይ ኣእምሮ ደቂሰባት እውን ከይተረፈ ክፍሊ ጸሎት ኣሎ። እዛ ክፍሊ እዚኣ ምስ ምሥጢረ ሰማይ እንክትጠማመት ነተን ብዓቅምና ክንገብረን እንኽእል ቊሩብ ቊራቦ ስጒምታት የብርህ እሞ ኣብታ ልዕልቲ ዝኾነት ክፍሊ ጸሎት ይሰጋገር ክንዮኡ እውን ይሓልፍ። እዚ ሰማያዊ ምስጢር እዚ ዕረፍቲ ዘይብሉ ወይውን ዘሳቂ ገጽታ የብሉን። ንክርስቶስ ኣለሊኻን ፈሊጥካን ምኽኣል ክንዮ እቲ ኣካላዊ ኣዕይንትናን ኣዕይንቲ ልቦናናን ክርእዮ ዝኽእል ምንም የለን ባዶሽ እዩ ዝብል ዘይኮነ ሓደ ዝጽበየና መወዳእታ ዘይብሉ ጸጋ ከምዘሎ ምሉእ ምትእምማን ይህበና። በዚ ከምዚኸስ ጸሎት ክርስትያን ኣብ ልቢ ደቂሰባት ዘይሽነፍ ተስፋ ይተክል። ጒዕዞና ብዝኾነ ተመኲሮ ይተንከፍ ፍቅሪ እግዚአብሔር ወትሩ ንሠናይና እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቊ. 2659 ‘ኣብ ገሊኡ ግዜያት፣ ቃል-ኣምላኽ ብምስማዕን፤ ኣብ’ቲ ፋሲካዊ ምሥጢሩ ብምስታፍን ጸሎት ክንመሃር ንርከብ፥ ጸሎት ኣባና ጐስጕሱ ምእንቲ ኪወጽእ ግን፤ ኣብ ኩሉ ግዜያት፤ ኣብ ነፍስወከፍ ዕለታዊ ተግባራት ወይ ክውነታት መንፈሱ ነኣና ይወሃብ። ናብ እግዚኣብሔር-ኣቦና ክንጽልዮ ብዛዕባ ዘሎና፣ ኢየሱስ ዝመሃሮ ኹሉ፣ ምስ’ቲ ብዛዕባ ኃልዮት-ኣምላኽ ዝመሃሮ ፍልልይ የብሉን። ግዜ ኣብ ኢድ-እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፥ ነኣኡ ክንራኸቦ እንኽእል ድማ ትማሊ ወይስ ጽባሕ ዘይኮነስ፤ ሎሚ ኣብ’ዚ ህልው ግዜ ጥራሕ እዩ፣-“ሎሚ ቃሉ እንተደኣ ሰሚዕኩም ልብኻትኩም ኣይተትርሩ”።’ ይብል። እወ ትማሊ ወይስ ጽባሕ ዘይኮነ ንጐይታ እንረኽበሉ እዋ ሎሚ ሕጂ እዩ እዚ ንጐይታ ናይ ምርካብ ሎሚ ወትሩ ኣሎ።

ክንዮ እዛ እንነብራ ዘሎና ሎሚ እንብላ እተድንቅ ካልእ ዕለት የልቦን። እቶም ብዛዕባ መጻኢ ጥራይ እናሓሰቡ ጽባሕ ዝሓሸ ክኸውን እናበሉ ነዛ ሎሚ ዘይነብሩ ነዛ ሎሚ ዘይቅበሉ ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ክንብሎም ንኽእል። ከመይ ነቲ ትሑዝ ዝኾነ ተዋሂብዎም ኣብ ኢዶም ዘሎ ሎሚ ክርእዩ ኣይከኣሉን። ሓቀይናን ጭቡጥን እንብሎ እዚ ሎሚ ጥራይ እዩ። ጸሎት እውን ኣብዛ ሎሚ እንብላ ኣብ ኢድና ዘላ እዋን እዩ ዝግበር። ኢየሱስ ሎሚ ኣብ እንነብረላ ዘሎና ዕለት እዩ ክረኽበና ዝመጽእ። ነዛ ሎሚ ናብ ጸጋ ዝልውጥ ወይውን ብዝበለጸ ንምግላጽ ንዓና ዝልውጥ ከኣ ጸሎት እዩ። ንቊጥዓ የዝሕል ንፍቅሪ ይድግፍ ንታሕጓስ የበርክት እሞ ይቅረ ኢልካ ናይ ምኽኣል ሓይሊ የስርጽ። ሓንሳእ ሓንሳእ ነዚ ተመኲሮ እዚ እንገብር ንሕና ከይመስለና ክሳብ ምሕሳብ ከብጽሓና ይኽእል እንተኾነ ብመንጎኝነት ጸሎት ገቢሩ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ ኣባና ዝነብር ብኣና ገቢሩ ከኣ ዚዓዩ። ጸጋ እግዚአብሔርከስ ወትሩ ይጽበ እንተኾነ ኩሉ ግዜ ነዚ ኣይትረስዑ! ሎሚ ተጠቀመሉ። ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ሕይወትና ናይ ቊጥዓ ስምዒት ክመጸና ወይውን ናይ ዘይምሕጓስ ነገር እንክስመዓና እሞ ምርር ክብለና እንከሎ ሓንሳእ ዝግ ኢልና እሞ ኣብ ዘሎና ደው ንበል። ንጐይታ ኸኣ ‘ኣበይ ኣሎኻ! ኣነኸስ ናበይ ገጸ እኸይድ ኣሎኹ’ ኢልና ንሕተት። ጐይታ ኣብኡ ኣሎ ቅንዕቲ ቃል ክህበካ እዩ ነዚ ዕረ ዝጥዕም ኣሉታዊ ስምዒት ስዒርካ ንቅድሚት ንክትግስግስ ምኽሪ ክህበካ እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ከምቲ ብኣዘራርባ ዓለም ዝግለጽ ጸሎት ኣዎንታዊ ሓይሊ ኣለዋ! ወትሩ ንቅድሚት ተሰጒም።  ዝበርቅ ነፍሲወከፍ ዕለት ብጸሎት እንተደኣ ተቀቢልናዮ ብጽንዓትን ትብዓትን የሰንየና በዚ ከኣ ዘጓንፉና ግድላት ዕንቅፋት ሓጐሰይ ዘይኮኑስ እግዚአብሔር ምሳኡ ንክንራኸብ ዕድል ክፈጥረልና ኢሉ ዘቅርበልና ጻውዒት ምዃኖም ንግንዘብ። ጐይታ ዘሰንዮ ማንም ሰብ ትብዓት ኣለዎ ሓራ እዩ ብጣዕሚ ሕጉስ እውን እዩ።

ስለዚኸስ ስለኩሉን ምእንቲ ኩላቶምን ንጸሊ ስለ ጸላእትና እውን ንጽሊ ከመይ ኢየሱስ ስለ ጸላእትኹም ጸልዩ ኢሉ መኺሩና እዩ። ስለ መቅርብና ዝኾኑ እነፍቅሮም ንጸሊ እንተኾነ ከምቲ ብተደጋጋሚ ቅዱስ መጽሓፍ ዘዘኻኽረና ስለ እቶም ዘይንፈልጦም ንጸሊ ጐይታ ከምዝበሎ ስለ ጸላእትና እውን ከይተረፈ ክንጽሊ ኣሎና። ጸሎት ንልዑል ፍቅሪ የሰናዱ። ልዕሊ ኩሉ ስለ እቶም ሓጐስ ዝተነፍጎም ዝሓዝኑ ብብሕትውና ተዋሒጦም ስለዘልቅሱን ፍቅሪ ዝኸሓዶም መሲልዎም ተስፋ ኣብ ምቊራጽ ስለዝርከቡን ንጸሊ። ጸሎት ተኣምር ይፍጽም። ድኻታ ከኣ ነዚ ኣጸቢቆም ይፈልጥዎ እዮም ብጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ጽንኩር ግዜ እውን እንተኾነ ጸሎት ክርስትያን ርሕራሔ ኢየሱስ ከምእተመጽእ ይርድኦም እዩ። ከምቲ ኣብ ማር 6.34 ንሱ ነቲ ዝደኸመ ሕዝቢ ጓስ ዘይብለን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኰይነን ስለዝረኣዮም ራሕርሓሎም ከምዝብሎ እዩ እቲ ጉዳይ። ነዚ ኣይንረስዕ ጐይታ ርሕሩሕ ልብን ለዋህን እዩ። ቀረባና እዩ። ነዘን ሰለስተ ቃላት ዘክሩ ጐይታ ኣባና ዘዘውትረን ርሕራሔ ቅርበት ለውሃት እየን።

ጸሎት ንካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክንዮ ጌጋታቶምን ሓጢኣቶምን ንክነፍቅሮም ይሕግዘና። ሰባት ክንዮ ተግባራቶምን ልዕሊ ተግባራቶምን ኣድለይቲ እዮም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣይኲንኖን እኳ ደኣ ኣድሓኖ። ናይቶም ንካልኦት ክፈርዱን ክዂንኑን ዝነብሩ ሰባት ሕይወት ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ። ሕጉሳት እውን ኣይኮኑን። እንተ ኢየሱስ ንከድሕነና መጸ ንስኻ እውን ልብኻ ክፈት ይቅረ በል ንካልኦት ኣጽድቅ ተረዳእ ከም ጐይታ ንካልኦት ራሕርሓሎም ቀረባኦም ኩን ከም ኢየሱስ ለዋህ ኩን። ኩልና ሓጢኣተኛታት ምዃና እንተኾነ ነፍስወከፍና ሓደ ብሓደ ብእግዚአብሔር ዝተፈቀርና ምዃና ክስቈረናን እሞ ነፍሲ ወከፍና ንኩሎም ኣብ ጸሎትና እናዘከርና ክነፍቅር ኣሎና። ነዛ ዓለምና ብከምዚ ዝበለ መንገዲ ብምፍቃር ማለት ብርሕራሔ ብምፍቃር ዕለት ዕለት እንረኽቦ ዝዀነ ነገር ንእሽቶ ክፋል ምስጢር እግዚአብሔር ኣብ ውሽጡ ሓቢኡ ከምዘሎ ንግንዘብ።

ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቊ. 2660 ‘ኣብ ነፍስወከፍ ዕለትን እዋንን ዚፍጸም ጸሎት፤ ሓደ ካብ’ቲ “ንንኡሳን ሕፃናት”፤ ነቶም ኣገልገልቲ ክርስቶስ፣ ንናይ ኣንቀጸ ብፁዓን መሳኺን ዝተገልጸ ምሥጢር መንግሥተ ሰማያት እዩ። እቲ መንግሥቲ ፍትሕን ሰላምን ምእንቲ ኪመጽእ’ሞ፣ ኣብ ጕዕዞ-ታሪኽ ጽልዋኡ ምእንቲ ከንብር፣ ንምጽኣት’ዚ መንግሥት’ዚ ምጽላይ ቅኑዕን ግቡእን እዩ። ኣብ’ቲ ተራን ትሑትን ዝኾነ ዕለታዊ ሃለዋት’ውን እንተኾነ፣ ኩሉ ናይ ጸሎት ረድኤት ኣገዳስን ኣድላዪን እዩ፥ ኩሉ ዓይነት ጸሎት ድማ፤ ጐይታ ምስ መንግሥተ-ሰማያት ዘመሳስሎ መባዅዕቲ ኪኸውን ዚኽእል እዩ።’ እንክብል እንደገና ይጽሕፍ።

ብዛዕባ ዘመደ ኣዳም እንክዛረብ መዝሙረ ዳዊት 144,4፡ 103,15 ደቂ ተባዕትዮስ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ ንሕና ኩልና  ‘ሰብ ንትንፋስ ይመስል፣ መዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።’ ብማለት ይገልጾ። ፓስካል ዝበሃል ፍላስፋ ኸኣ ‘ንክትደቊሶ ምሉእ ዓለም ምዕጣቅ ኣይድልን ሓንቲ ሃፋ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ንክትቀትሎ እኽልቲ እያ’ እናበለ ይጽሕፍ። እዚ ከኣ ደቂሰባት ክሳብ ክንደየናይ ተኣፈፍቲ ምዃና ንምግላጽ እዩ እንተኾነ ምጽላይ ንፈልጥ እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ክብሪ እዩ። እዚ ክብሪ እዚ ከኣ ሕያልናን ጽንዓትናን ትብዓትናን እውን እዩ። ኣብ ዝኽዕነ ግዜን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነትን ምጽላይ የድሊ ከመይ ጐይታ ወትሩ ኣብ ጥቃና ምሳና ኣሎ። ዝኾነ ጸሎት ከም ልቢ ኢየሱስ ከም ሓሳብ ኢየኡስ እንተቀሪቡ ተኣምር ክገብር ይኽእል። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 February 2021, 15:19