እናቴ በኩዋርትን ኣባ ደ ሳን ማርቲን እናቴ በኩዋርትን ኣባ ደ ሳን ማርቲን  

እናቴ በኩዋርትን ኣባ ደ ሳን ማርቲን ሓደስቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፍት

እናቴ በኩዋርትን ኣባ ደ ሳን ማርቲን ሓደስቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፍት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ሓደ ኣባል ማሕበር ኣጐስጢኖስውያንን ሓንቲ ኣባል ማሕበር ደናግል ሳቨሪያኒን ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፍት እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ክስየማ ንፈለማ ግዜ ክኸውን እንከሎ፥ እቶም ብር.ሊ.ጳ. ዝተመዙ ክልተ ሓደስቲ ምኽትል ዋና ጸሓፍት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት፡ ኣባል ማሕበር ኣጐስጢናውያን ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣማኻሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲንን ኣባል ማሕበር ደናግል ሳቨሪያንን ኣብ ፈረንሳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሔራዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ንመንእሰያትን ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ጸዋዕታ ኣገልግሎት  ሓልፊት እናቴ ናታሊ በኩርት ሳቬረ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እናቴ ናታሊ በኩርት ኣብ ፈረንሳ ኣብ 1969 ዓ.ም. ከምእተወልዳን ብስነ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ምርቕትን ብስነ ቤተ ክርስቲያን ዝተመረቓን ኣብ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ቦስቶን ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ተልእኾን መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ሲኖዶስ ፍሉይ መጽናዕቲ ዘካየዳን ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ተቕዋም ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ደናግል ሳቨሪያኒ ኣትየን ኣብ 2005 ዓ.ም. ዓቢይ ማሕላ ከምዝፈጸማ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መደብ ሕንጸት መንእሰያትን ጸዋዕታን ብዙሕ ዘገልገላን ካብ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣትሒዘን ኣብ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሔራዊ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ንመንእሰያትን ኣገልግሎት ጸዋዕታን ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ኮይነን ዘገልግላን ከምዝኾናን፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ኣማኻሪት ንኽኾና እውን ከምዝሰመይዎንን ኣስዒቦም እውን ዕለት 6 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ከምዝሰመይወን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ኣባል ማሕበር ኣጐስጢኖስ ዕለት 21 ነሓሰ 1961 ዓ.ም. ኣብ ስፐይ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ዝተወልዱን ናብ ገዳም ኣጐስጢኖስ ዕለት 5 መስከረም 1982 ዓ.ም. ኣትዮም ዕለት 1 ሕዳር 1985 ዓ.ም. ዓቢይ መብጽዓ ፈጺሞምን ዕለት 4 ሰነ 1988 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ኣብ ጳጳሳዊ ካሚላስ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ምሩቕን ካብ 1996 ዓ.ም. ክሳብ 1999 ዓ.ም. ናይ ገዳመ ኣጐስጢኖስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓለቓን ካብ 2002 ዓ.ም. ክሳብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ሎስ ነግራለስ ናይ ገዳመ ኣጐስጢኖስ ኣበምኔትን ናይ ቲዮሎጊያ መምህርን ኮይኖም ከምዘገልገሉን ናይ ገዳሞም ናይ ስነ መዛግብት ሓላፍን ናይ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣጐስጢኖሳውያን ኣማኻርን ናይ ኣጐስጢኖስ ስነ መንፈሳዊ ማእከል ሓላፊ እውን ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዕለት 6 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩ ኣፍሊጡ።

08 February 2021, 21:48