2020.02.04 ምእመናን ደቂ ኣንስትዮ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ እንከንብባ 2020.02.04 ምእመናን ደቂ ኣንስትዮ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ እንከንብባ 

ኣገልግሎት ኣናጒንስጢስ(ኣንባቤ መጻሕፍት)ን መዘምር(ተረዳኢ)ን ንደቂ ኣንስትዮ ክፉታት ይኹኑ!ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንኩነታት ግዜናን ምዕባሌ ማሕበረሰብን ባህልን ልምድን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብ ግምት ብምእታው ዝለዓሉ በዓል ሥልጣን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምዃኖም ኣብ ሕገ ቀነና ንኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን መንበረ ታቦትን ዝምልከት ኣቊዋም ለውጢ ከምዝገበሩ ካብ ቅድስት መንበረ ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ልማድ ስያሜ ካህናትን ዲያቆናትን ብልማድ ሸውዓተ መዓርጋት ዝበሃል ዝነበር ሽሕ’ኳ ብር.ሊ.ጳ ቅ.ጳውሎስ ሻድሻይ እተን ንኡሳን መዓርጋት ዝበሃላ እንተተረፋ እቲ ኣገልግሎት ግን ከም ኣገልግሎት ይቅጽል ኣሎ። ንምዝኽኻር ዚኣክል እዘን ንኡሳን መዓርጋት ዝበሃላ ካብ መዘምር ጀሚርካ ክሳብ መዓርገ ንፍቐ ዲቊና ዘጠቃልላ እየን። መዘምር ከም ተራዳኢ ኰይኑ ኣብ መንበረ ታቦት ዘገልግል ኣጻዌ ኆኅት ኣውጻኤ ኣጋንንት ኣናጉኑስጢስ ወይውን ዘንብብ ንፍቀ ዲያቆን ዲያቆን ሊቀ ዲያቆን እናበለ ይኸይድ። ካብዚኤን እታ ዲቊና ጥራይ ከም መዓርግ ተሪፋ እተን ካልኦት ክምዝስረዛ ተገብረ። እዚ ብውረድ ተዋረድ ዝመጽ ልማድ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝምልከት ነበረ።

ምስ ምምሕያሽ ግዜ ምናዳ ኸኣ ድሕሪ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኣገልግሎት መንበረ ታቦትን ምግልጋል ኣብ ቅዳሴን ምንባብ ቃል ኣምላኽን ምናዳ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ እውን ክሳተፋኦ ብምጅማር ብመምርሒ ቅድስት መንበርን ብሥምረት ነናይ ቦታኡ ኣቡናትን ቃል እግዚአብሔር ካብ ምንባብን ኣገልግሎት መንበረ ታቦትን ጀሚርካ ክሳብ ፍሉይ ልኡኻት ብምዃን ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ምዕዳልን ንሕሙማት ኣብ ምብጻሕን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክዋሳኣ ጀሚረን። እዚ በብወገኑ ብአቡናት ዝግበር ዝነበረ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓደ ዓይነት መምርሒ ንምሃብ ነዚ ንእትምልከት ሕገ ቀኖና ብምልዋጥ ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝፍለጥ ብላይ ንኣገልግሎት ኣንባቤ መጻሕፍት ወይውን ኣናጒስጢስ ከምኡ ኣብ መንበረ ታቦት ናይ ምግልጋል ብመዘምር ወይውን ተራዳኢ ዝፍለጣ ክልተ ተልእኮታት ካብቲ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ተሓጺረናሉ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ እውን ክሓብራኦ ኣዊጆም።

እዚ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ሓዲስ እኳ እንተዘይኮነ ካብታ ብ1972 ዓም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ንንኡሳን መዓርጋት ይትረፉ ኢሎም ምስ ኣወጁ እውን እንተኾነ እቲ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝሓጽር መሪሕ ከምኡ ኢሉ ቀጺሉ። ኣብዚ ሕጂ ግን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዘን መጨረሽታ ዓመታት ካብ ዝተገብራ ሲኖዶሳት ዝቀረቦም ምሕጽንታን ለበዋን ኣብ ግምት ብምእታውን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስትንታንን ነቲ ክሳብ ሕጂ በብወገንካ ዝግበር ዝነበረ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ኣብ ተልእኮ ቤተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት መንበረታቦት ብዕሊ ንምእዋጅ ስፒሪቱስ ዶሚኒ መንፈስ ጐይታ ብዝብል ኣዋጅ ቀዳማይ ኣንቀጽ ሕገ ቀኖና 230 ናይ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምምሕያሽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኮ መንበረ ታቦትስ ይኹን ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ክገብራኦ ዝጸንሓ ተቊዋም ሥርዓተ ኣምልኾ ብዕሊ ኣዊጆም።

ቅዱስነቶም ነዚ ንምግባር ዝደፋፈኦም ምኽንያት እንክገልጹ ካብቲ ዝተፈላለያ ጉባኤታት ሲኖዶሳት ዝቀረቦም ለበዋታት ኣብ ግምት ብምእታው ‘ኣብዘን መወዳእታ ዓመታት ውሱናት ተልእኮታት ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ኣብ ጥምቀትን ንሱ ዘስዕቦ ሓባራዊ ክህነትን ንግሥነትን ሕዝበ እግዚአብሔር ተመሥሪቱ ካብተን መዓርጋት ውሉደ ክህነት ግዲ ዘይብላ ተልእኮ ኣገልግሎት ኩሎም ንክሳተፉ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ወይውን ዶክትሪን ምዕባሌ ክግበር ግዜኡ በጺሑ’ ይብሉ።

በዚ ከምዚኸስ እታ ዝተመሓየሸት ሕገ ቀኖና ‘ብመምርሒ ጉባኤ ጳጳሳት ዘድሊ ብስለት ዕድመን ትምህርትን ዝቀሰሙ ምእመናን ሥርዓታት ሥርዓተ ኣምልኾ ብዝእዝዞ መሠረት ኣገልግሎ ኣናጒንስጢስ (ኣንባቤ መጻሕፍት)ን መዘምርን (ተዳእነት ወይውን ኣገልግሎት መንበረ ታቦት ኣብ ግዜ ቅዳሴን ካልእ ሥርዓት ምሥጢራትን) ብቀዋምነት ከገልግሉ ይኽእሉ’ ኢላ ክትመሓየሽ ወሲኖም። በዚ ከምዚኸስ እታ ንደቂ ተባትዕዮ ጥራይ ትብል ዝነበረት ሓረግ ምእመናን ብእትብል ቃል ተለዊጣ ንደቂ ተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ተመልክት።

ነዚ ኣዋጅ እዚ ቅዱስነቶም ናብ ሓላፊ ጉዳይ እምነት ናይ እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ ላዳርያ እንክሰዱ ምኽንያት እቲ ኣዋጅ እትገልጽ መልእኽቲ ብሰፊሑ ከምዝጸሓፉሎም ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነዚ ክገብሩ ዝደፋፍኦም ብቀንዱ እቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተሓተ ተሓድሶ ኰይኑ ንኣኡ ስዒቡ ከኣ ሲኖዶሳት ኣበው ዘቅረብዎ ምሕጽንታትን ለበዋታትን ኩሎም ዝተጠምቁ ኣባላት ቤተክርስትያን ሓባራዊ ሓላፍነቶም ንክለብሱ ምናዳ ኣብ ፍጻሜ ሲኖዶስ ኣማዞንያ ንመላእ ቤተክርስትያን በብዘላቶ ዘገልግል መምርሒ ኣገልግሎት ተልእኮታት ንደቂ ኣንስትዮን ደቂተባትዮን ክወሃብ ኣበው ብዝተማሕጸንዎን ባዕሎም ንነዊሕ ግዜ ብዘስተንተንዎን ብርሃን መንፈስ ለሚኖም ዝበጽሕዎን ውሳኔ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ከምዝገልጹ እውን ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 January 2021, 12:10