ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ክዕገት ጻውዒት የቕርቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥሪ በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ህልው ኩነታት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ እናሓሰቡ ድሕሪ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቢ ዝተባርዔ ከቢድ ውጥረትን ጽልእን ሕውነትን ምክብባርን ብዝዓሰሎ ናይ ሓባር ዘተ ክእለይ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘስግእን ውጥረት ዝተመልኦ ህልው ኩነታት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ብቕረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ገሊጾም፥

ኣብ (ረፓብሊካዊት ምእከላይ ኣፍሪቃ) ቀረባ እዋን ሕዝባዊ ምርጫ ከምእተኻየደን ሕዝቢ እውን በቲ ዝተኻየደ ምርጫ ኣቢሉ ብዝሃቦ ድምጺ ኣብ ጐደና ሰላም ክቕጽል ከምዝደሊ ንገሪሩ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኵሎም ወገናት ሕውነትን ምክብባርን ናብ ዝዓሰሎ ዘተ ከብሉን ጽልእን ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዓመጽን ተጻብእዕነትን ክነጽጉ እዕድም!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንኣብነት ብማዕድን ኣልማዝን ኡራኒዩምን ብዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ናይ ተፈጥሮ ማዕድናት ጽግውቲ ክነሳ ኣብ ዓለም እታ ኣዚያ ብድኽነት ዝተጠቕዔትን ምርግጋእ ዘይረኣየላ ሃገር ተባሂላ ክትግለጽ ብሓቂ ዘሕንን፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ጠቒሱ፥ ካብ ጠቕላላ ናይታ ሃገር ሕዝቢ እቲ ፍርቁ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ጽግእተይናን ካብኡ እውን እቲ ሓደ ሕምስቱ ዝተመዛበለ ምዃኑ የመላኽት።

ዝተሓላለኸ ሕዝባዊ ምርጫ

ዋላ’ኳ ስግኣትን ፍርሕን መጥቓዕት ዝተመልኦን ኣብ መንጐ መንግስትን ዓማጽያን ሓይልታትን ብዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝተሰነየ እውን እንተነበረ ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ምክያዱ ክዝከር እንከሎ፡ ናይ ሃገራዊ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቶም ዓማጽያን ሓይልታት ዝጥርንፍ ብሔራዊ ሓርበይናታት ንለውጢ እተሰምየ ፖለቲካዊ ውድብ ወኪሎም ንምርጫ ቀሪቦም ዝነበሩ ነበር ርእሰ ብሔር ፍራንስዋ ቦዚዘ ኣብ ምርጫ ንኸይሳተፉ ከምዝኣገዶምን እዚ ጉዳይ እዚ እውን ነቲ ዝነበረ ውጥረት ከምዘብኣሶ ይንገር። እቲ ፖለቲካዊ ውድብ’ዚ እቲ ምርጫ ክሰጋገር ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሕቶ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ብናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ መንግስቲ ከምእተነጽገን ነዚ ኹሉ ውጥረት ኣብ ግምት ብምእውታው እውን ርእሰ ብሔር ቱኣደራ ናይ ሃገሮም ምርግጋእ ውሑስ ንምግባር ናይ ወጻኢ ሓይልታት ሓገዝ ዝቕበሉ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ካብታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሳ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይታ ሃገረ ብጹዓን ጳጳሳት ቅድሚ ቁርብ መዓልታት እቲ ናይ ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ፥ ኣብታ ብዙሕ ስቓይ ተሕልፍ ኣብ ዘላ ሃገሮም፡ ናይ ሓላፍነት መንፈስን ሰላምን ሓድነትን ክነግስ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ቱኣደራን ተፎኻኻሪኦም ነበር መራሔ መንግስቲ ቦዚዘ ዝድገፉ ኣኒቸት ጆርጅ ዶሎጐለ ዘሎ ዘይምርድዳእ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት የብእሶ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ቦዚዘ ኣብ 2003 ዓ.ም. ብግብረ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ደይቦም ምስ ኣብቅዑ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘተኻየደ ክልተ ምርጫ ብብዙሓት ምድንጋር ዝተመልኦ ምርጫ ምዃኑ እውን ይግለጽ እንተነበረ ስዒረ ቦሎም ኣብ ስልጣን ከምዝጸንሑን ኣብ 2013 ዓ.ም. ስለካ እተሰምየ ኣብታ ሃገር ውሁዳን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መላእ ሃገር ምስ ተቖጻጸረ ቦዚዘ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተሰዲዶም ከምዝጸንሑን ኣብ 2015 ዓ.ም. መወዳእታ ናብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሰጋግር እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ቱኣደራ ስዒሮም ርእሰ ብሔር ንምዃን ከምዝበቕዑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ መዓልታት ኪደት ህልው ኩነታት ማእከላይ ኣፍሪቃ

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን እቲ ጥምረት ሓርበይናታት ንለውጢ እተሰምየ ፖለቲካዊ ሓይሊ እታ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ራብዐይቲ ዓባይ ከተማ እትብሃል ባምባሪ ከማተቖጻጸረን ናብ ዋና ከተማ ባንጉይ ይምርሽ ከምዘሎ ሓቢሩ ከምዝነበረን መንግስቲ እውን እዚ ተግባር እዚ ዕልዋ መንግስቲ እንክብል ከምዝገለጸን፡ ብሩስያን ፈረንሳን ርዋንዳን ዝድገፍ ናይ ቱኣደራ ሓይሊ ምክልኻል ከተማ ባምባሪ ካብ ኢድ ዓማጽያን ናጻ ከምዘውጸኤ ሓይሊ ምክልኻል ብናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓቃቤ ሰላም ተደጊፉ እውን ከተማ ባንጋሱ ካብ ዓማጽያን ኢድ ከምዝመንዘዔን ብዙሓት ብፍላይ ካብ ኒጀር ዝመጹ ዕሱባት ምስ ዓማጽያን ሓይሊ ብምትሕብባር ኣብቲ ውግእ ይሳተፉ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጸም ዓመጽ ከቢድ ምዃኑ ናይ ባንጋሱ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኽዋን ኾሰ ኣጉረ ሙኞስ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ብሔራዊ ውድብ ሓርበይናታት ንለውጢ ሽዱሽተ ኣብ ሓደ እዋን እውን ንሓድ ሕዶም ዝዋግኡ ዝነበሩ ዝጥርንፍ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከቢድ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ከምዝፈጸመን ናይ ዝተፈላለየ ህልቂት ተሓታትን ከምዝኾነን ብዙሓት ንምዝብልና ይዳርግ እውን ምህላዉ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተዓዛቢ ማሕበር ወኪል ልዊስ ሙድጀ ሓቢሮም፥ መንግስትን ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኣብዚ ኣናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ናይ ንጹሓን ሕይወት ከድሕኑ ይግባእ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

07 January 2021, 22:44