ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባይደን ቃለ ማሕላ እንክፍጽሙ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባይደን ቃለ ማሕላ እንክፍጽሙ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. 

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓላፈ ንሰላምን ዕርቅን

ፍትሕን ናጽነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣሰር ዝገብር ዕዮ ከሳልጡ ቅዱስነቶም ተመንዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ መበል 46 ርእሰ ብሔር ኮይኖም ንዝተሓርዩ ጆሰፍ ባይደን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ መግለጺ መልእኽቲ፥ ንዓኦም ነቶም ሓድሽ ርእሰ ብሔርን ንሕዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጸሎቶም ከምዝረጋገጹን እቲ መልእኽቲ ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ባይደን ቃለ ማሕላ ፈጺሞም ናይ ርእሰ ብሔር ሓላፍነቶም ብወግዒ ኣብ ዝተቐበልሉ ዕለት ከምዝበጸሖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ኣብ ዝቕጽላ ዓመታት ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽመርሑ ዝተመረጹ ሓላፍነቶም ብወግዒ ንዝተረከቡ ርእሰ ብሔር ባይደን፥ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ደሞክራሲ ታሪኻዊ ክብሪ ዝጸንዔ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብፍላይ ናይ ድኻታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽበረሉ  ሕብረተሰብ ክሓንጹ ተመንዮም፥

ኣቐዲመ ልባዊ ሰላምታይ የቕርበልኩም፡ ካሃሌ ኵሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ብዝተቐበልዎ ሓላፍነት መሰረት ኣብ እትፍጽምዎ ኣገልግሎት ጥበብን ሓይልን ክጽግወኢኵም እጽልይ፡ ኣብ መርሕነትኵም ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕብረቱ ካብ መሰረቱ ኣስተንፍሶ ዝኾኖ ካብቲ ፖለቲካውን ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን ክብሪ ብርታዔ ኣብ ምርካብ ይቐጽል!

ቢሎም ኣብ መልእኽቶም እቶም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ጥራሕ ብኾሮና ተህዋስ ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዝዓረፍላ ዕለትን ዝርአይ ዘሎ ለብዕን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተራእየ ዓመጽን ዝተጓሃሃረ ፖለቲካዊ ክትዕን ዛዕባ ዓሌታውነት ዝምልከቱ ሕቶታትን ንዝረኣየላ ዘላ ሃገር ፍትሕን ናጽነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣሰር ዝገብር ዕዮ ከሳልጡ ቅዱስነቶም ተመንዮም፥

ኣብዚ እቲ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ዘሳቕይ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ንርሑቕ ዝኣመተን ጠርናፍን መልሲ ዝጠልብ እዩ፡ ምእንቲ እዚ  ውሳኔታትኵም ካብ እውነተይና ፍትሕን ናጽነትን ዝነቐለን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ብፍላይ ናይ ድኻታትን ተኣፋፍያንን ናይቶም ድምጺ ዘይብሎምን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽበረሉ ሕብረተሰብ ሕንጸት ህርኵት ዕዮዅም ይዅን፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ባይደን ናይ ርእሰ ብሔር መርሕነት ስልጣኖም ብወግዒ ናይ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት መርሕ ቃል ፥ “ሓድነታዊት ኣመሪካ” ዝብል ክኸውን ከምዝወሰኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ብዕሎት ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ዝቀላቐሉ ዘለዉ  ብድሆታት ኣብ ዝቕጽሉ ከም ርእሰ ብሔር ዘገልግሉለን ዓመታት ክገጥሙን መፍትሒ ከናድዩሉን ቅዱስነቶም እንክላበዉ፥

ናይ ጥበብን ሓቅን ምንጪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ጻዕርዅም ናይ ሓባር ረብሓ ንምንቕቓሕ ዝብል ሸቶ ዝገበረ ምርድዳእን ዕርቅን ሰላምን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ መንጐ ሃገራትን ሓለፋ ዝብል ዕዮዅም ይባርኽ!

ቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

በዚ መንፈስ እዚ ኣብ ልዕሌዅምን ኣብ ስድራዅምን ኣብቲ ፍቑር ህዝቢ ኣመሪካን ፍድፋድ ቡርኬ እምሕጸን፥

እንክብሉ ብራኬኦም ኣመሓላሊፎም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 January 2021, 15:55