ር.ሊ.ጳ.፥ ተጎስዩን ተጠንጢኑን ብቑርን ኣስሓይታን ዝሞተ ኤድዊን ይዝክሩ

ዕለት 24 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ግዳም ሓደር - ኣልቦ ቤት ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወጻኢ ብቑርን ኣስሓይታን ሰማዕን ዝርእይን ዘይብሉ ብዅልና ተጐስዩን ተጠንጢኑን ዝዓረፈ ናይጀሪያዊ ዜጋ እናሓሰቡ፡ እንታይ ኮን ይስምዖ ነይይሩ ይኸውን ቢልና ንኽንሓትት ዝድርኽ ይዅን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 20 ጥሪ ብዝነበረ ቁርን ኣስሓይታን 46 ዓመት ዝዕድመኡ ናይጀሪያዊ ስደተይና ግዳም ሓደር - ኣልቦ ቤት ኣብ ከባቢ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሞይቱ ዝተረኽበ፥ “ናይቲ ሓው ኵነት - ይብሉ ቅዱስነቶም - ኣብቲ ናይ ብዙሓት ጐደና ሓደር ኣብ ከተማ ሮማ ብቑሩን ኣስሓይታን ምኽንያት ኣብ ዝዓረፉ ዝሕዝን ታርኽ ዝጽምበር እዩ”፥

ሓሳብ ልቦምን ኣስተንትኖን

ቅዱስነቶም ንኤድዊን ክንዝክርን ምእንታኡ  ክንጽልን ዓዲሞም፥

“ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዓቢይ፥ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ ብቁርን ኣስሓይታን ሕይወቱ ዝሓለፈት ተረኺቦም፥ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቅዳሴ ምስራዕ ኣይምትገበኤን ምኽንያቱ ልክዕ ከም ዓርቢ ስቕልት እዩ”

ዝበሎ ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፥

ዓቢይ ስቓይ እናተሰመዖም

“እቲ 46 ዓመት ዝዕድመኡ ብቑርን ኣስሓይታን ዝዓረፈ እንታይ ይስምዖ ከምዝነበረ ሕስብ እሞ ነብል፥ ካባና እውን ከይተረፈ ተጐስዩን ተጠንጢኑን፡ ምእንታኡ ንጸልይ!”

  ኣብ ጸገም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ እሓስብ

 ኣስዒቦም፥ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ብዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ነዚ ስዒቡ እውን ብዝተኣታተወ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣብ ጸገም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ እናሓሰቡ፥

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ጸገም ምእንቲ ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ እሓስብን እጽልን፡ ምእንቲ እተን ኣባይቲ ስድራ ንጸልይ፥ ብዝተኻእለ መጠን ቀረባኦም ምዃንና መታን ክስምዖም!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 January 2021, 17:19