ሃገረ ቫቲካን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ በርኒሰ ኣልበርቲነ ኪንግ ዕለት 12 መጋቢት 2018 ሃገረ ቫቲካን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ በርኒሰ ኣልበርቲነ ኪንግ ዕለት 12 መጋቢት 2018 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ስኒትን ማዕርነትን ሕልሚ እዋናዊ እዩ

ተወኪሶም “ነፍሲ ወከፍና ገማማዒ ዘይኮነ ጠርናፍን ኣዋሃድን ብምዃን ጽልእ ብምዕቃብ ዘይኮነ ብምውጋድን ናይ ዘተ መገድታት ብምቕናዕን ናይ ሰላም ኣንጠረይና ብኽኸውን ዝተጸውዐ እዩ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥሪ ብምኽንያት መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ናብ ጓል ማርቲን ሉተር ኪንድ በርኒስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ፍትሕን ሕውነታዊ ፍቕርን ዝጸንዔ ማሕበረሰብ ንምቛም ብሓባር ምዕያይ ዝከኣል እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መዓለቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሔራዊ በዓል ክኸውን እንከሎ፡ በታ ዕለት ምኽንያት ኣብቲ ንዝኽሪ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ናይ ቅዱስነቶም ብስም ጓል ማርቲን ሉተር ኪንግ በርኒሰ ኣልበርቲነ ኪንግ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንኹሎም ኣብቲ በዓል ንዝሳተፉ ሰላምታኦምን ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን መሰልን ክብርን ተማጓቲ ምንቅስቓስ መራሒ ኵሉ ጻዕርታቶምን ሕይወቶም ክሳብ ክንደይ ዝድነቕን ክቡርን ምዃኑ እውን ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ሰላም ኣንጠረይና ምዃን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ እዋናዊ ዓለም - ይብሉ - ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ምግምማዕን ዓመጽን ግጭትን ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ረብሓን ነቲ ማርቲን ሉተር ኪንድ ዝሓለሞ ብዘይ ጐነጻዊ ቃልሲ ዝተዓወቶ ውሁድ ስኒትን ማዕርነትን ኣብ መንጐ ሰባት ተኸዋንነቱን ዘተዓናቕፉ ብድሆታት ዝራብሓሉ ኮይኑ ኣሎ፡ ምእንቲ’ዚ - ይብሉ  ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም “ነፍሲ ወከፍና ገማማዒ ዘይኮነ ጠርናፍን ኣዋሃድን ብምዃን ጽልእ ብምዕቃብ ዘይኮነ ብምውጋድን ናይ ዘተ መገድታት ብምቕናዕን ናይ ሰላም ኣንጠረይና ብኽኸውን ዝተጸውዐ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ከም ደቂ ሓደ ከሃሌ ኩሉ ናይ ሓባር ክብሪ ዘሎና ምዃንና ኣብ ዝብል ሓቂ ምስ እንጸንዕ ንሓድ ሕድና ከም “ጓኖት” ዘይኮነ እንታይ ደኣ ከም “ኣምሳላትን - ተቓራብያን - ኮይናን ክንረአአይ ኢና፡ ነዚ ራእይ ወይ ደረት ትርኢት’ዚ ክዉን ንምግባር ብሓባር ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን መነባብሮናን ኣብ ፍትሕን ሕውነታዊ ፍቕርን ዝቖመ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ብሓባር ክንዓዪ ዝከኣል እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መገዲ

ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ዕለት 18 ጥሪ መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ንበርኒሰ ኣልበርቲነ ኪንግ፡ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ዜና ቫቲካን እውን ቃለ መሕትት ገይሮምለን ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክልተ ሳዕ ተራኺበን ከምዝነበራን ምስ ቅዱስነቶም ናይ ኣመለኻኽታን ሓሳብን ጥምረት ከምዘለወንን ብፍላይ “እቲ ናብ ርእሰ ዕንወት ዘብጽሕ ዓመጽ ኣይትምረጹ” ዝበልዎ ቃል ዘኪረን፡ እንጥቀመሎም መጋበርያታት ምስቲ ክንበጽሖ እንደልይ ሸቶ ጥሙር - ዝሳማማዕ ክኸውን እለዎ፥ ስለዚ ክንበጽሖ እንደልዮ ሸቶ ሰላም እንተድኣ ኮይኑ ብርግጽ ብመጋበርያ ዓመጽ ክንበጽሖ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ፡ እዚ ምስ ናይ ኣቦይ ኣመለኻኽታን ተግባራቱን ኵሉ ዝሰማማዕን ስኑይን እዩ፡ ዘይ ጐነጻዊ ቃልሲ እንተድኣ መሪጽና ብሉጽ ቅኑዕን ማዕረን ሰብኣውን ሰላማውን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ክንሱጉም ኢና” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመራሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

20 January 2021, 15:42