ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሕ.መ. ኣመሪካ ሃገራዊ ዕርቂ ክነቓቓሕን ግዳይ ምእንቲ ዝኾኑን ይጽልዩ

ነቲ ኣብ ናይ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽርን ሕንጻን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ርእደ ማሕበራዊ ሕይወት ንዝርከብ ፍቝር ሕዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ

ዕለት 10 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ኮይኖም ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ህልው ኩነታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እቲ ኣብ ናይታ ሃገር ናይ ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ዝተፈጸመ ዓመጽን እናሓሰቡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ብፍሉይ ዘኪሮም መንግስትን ሕዝብን ናይ ሓላፍነት ትርጉም ክዕቅቡን ዓመጽ ወትሩ ርእሰ ዕንወት ምዃኑ ክስተውዓሉ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዋሽግንት ናይ ሕዝባዊ ባይቶን ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠመሞም ሓሙሽተ ዜጋታትን ማሕሰይቲ ዝወረዶምን በዚ ምኽንያት እውን ኣብ ምግራምን ስንባደን ንዘሎ ሕዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናሓሰቡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም፥

ነቲ ኣብ ናይ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽርን ሕንጻን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ርእደ ማሕበራዊ ሕይወት ንዝርከብ ፍቝር ሕዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ፡ ብፍሉይ እውን እሓስብ ብፍላይ ነቶም ኣብቲ ዘሰንብድ ሃንደበታዊ ኩነት ሕይወቶም ንዝስኣኑ ሓሙሽተ ዜጋታት እጽልይ፡ ዓመጽ ርእሰ ዕንወት ምዃኑ ደጊመ ከዘኻኽር እፈትው፡ ብዓመጽ ዝኽሰብ ሓደ’ኳ የልቦን ኩሉ ይዓንው!  

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ህርኵት ጻዕሪ ምእንቲ ዕርቂ

ቅዱስነቶም ብቐጥታ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መንግስትን ላዕለዎት ኣካላትን ዘለዎም ልዑል ሓላፍነት ኣዘኻኺሮም፡ ንናይ ሕብረተሰብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕርቂ ህርኵት ጻዕሪ ከሳልጡ እውን እንከተሓሳስቡ፥

ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስልጣናትን ሕዝብን ሓላፍነት ዘለዎ ልዑል ትርጉም ክዕቅቡን ንናይ ሕዝቢ መንፈስ ምርግጋእ ኣብ ዝብል መባጼሕ ኣተኵይሮም ብሔራዊ ዕርቅን ናይ ኣመሪካ ሕብረተሰብ ዝተሰረተሉ ናይ ደሞክራሲ ክቡራን ዋጋታት ክነቓቕሑ እላበው!

ቢሎም፥

ናይ ሓባር ጥቕሚ ምንዳይ

ቅዱስ ኣቦና ቃሎም ለጊሶም ቅድሚ ምስንባቶም ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘማዕድው ማሕበራዊ ዕርቂ ክኽወን ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እንክማሕጸኑ፥

ቅድስቲ ንጽሕት ድንግል ማርያም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓላዊት ቅድስቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ሕንጸት መሰረታዊ መገዲ ናይ ምርኻብን ናይ ምክንኻንን ባህሊ ምዃኑን እዚ ኸኣ ንኹሉን ነቶም ኣብታ መሬት ንዝነብሩን ክረጋገጽ ትሓግዝ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 January 2021, 12:07