በዓለ ልደት ኲልና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃና የዘኻኽረና! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ኣብተን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ክርስትና ማለት በዓለ ልደትን በዓለ ፋሲካን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብኡርቢ ኤት ኦርቢ ዝፍለጥ ንከተማን ንመላእ ዓለምን ዝኸውን መልእኽትን ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣት ዝርከቦ ሓዋርያዊ ቡራኬን ካብ መንበረ ጴጥሮስ ይልእኩ። ሎሚዘመን ኣይከም ዝሓለፉ ዓመታት በዓለ ልደት ኣብ ከቢድ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምብዓሉ ቅዱስነቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ክገብርዎ ስለዝተገደዱ ካብ መዝገበ መጻሕፍቲ ቫቲካን ናብ መላእ ዓለም ‘ሽሕ’ኳ ለበዳ ኮቪድ ክንረሓሓቅ እንተቀሰበ በዓለ ልደት ግን ኲልና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃና ዳግም ብምርግጋጽ የዘኻኽረና እሞ ብመንፈስ ንቀራረብ’ እንክብሉ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ብሩኽ በዓለ ልደት!

ነቲ ቤተክርስትያን ኣብዚ በዓል እዚ ብቃላት ኢሳይያስ ነቢይ ገብራ ‘ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና’ (ኢሳ 9,5) ቢላ ንእተበስሮ ናብ ኩሉኹም ከብጽሕ እምነ።

እወ ሕጻን ተወሊዱ። ልደት ሕጻን ወትሩ ምንጪ ተስፋ ኰይኑ ሕይወት እትዕብበሉ ተስፋ መጻኢ እዩ። እዚ ሕጻን እዚ ማለት ኢየሱስ ንዓና እዩ ተወሊዱ። ንዓና ቤተክርስትያኑ ዝኾና ዘለዓለም ብዘይ ምንም ደረትን ሌላን ጒሌላን ንሕና ክንብል ንእንነብር ተወሊዱ። እዚ ኣብ ቤተልሔም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መብልዕ ማል ዝወለደቶ ንዓና ንኩልና ዝተወልደ እግዚአብሔር ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዝሃቦ ወልደ እግዚአብሔር እዩ።

ምስጋና ነዚ ሕጻን እዚ ይኹን ንሕና ኩልና ንእግዚአብሔር ኣቦዋየ ኣቦ ቢልና ክንጽውዖ ንኽእል። እንኮ ወልደእግዚአብሔር ኢየሱስ ኰይኑ እንትርፎ ንሱ ንኣቦ ዝፈልጦ ዋላ ሓደ የልቦን። ኢየሱስ ንገጽታ ሰማያዊ ኣቦኡ ክገልጸልና ናብ ዓለም መጸ። በዚ ከምዚኸስ ምስጋና ነዚ ሕጻን እዚ ይኹን ንሕና ኩልና ቋንቋናን ባህልናን ብዘየገድስ በብዘሎና መንነትን ፍልልይን ብሓቂ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንበሃሃል ንኽእል።

ኣብዚ ዘሎናዮ ታሪኻዊ እዋን እዚ ሽሕኳ ብኣከባብያዊ ቅልውላውን ቁጠባውን ማሕበራውን ምዝንባዕ ሚዛንን ብለበዳ ኮሮና ቫይሩስ ዝኸበደ ግዜን እንተኾነ ልዕሊ ማንም ነገር እዚ ሕውነት እዚ የድልየና። እግዚአብሔር ከኣ ወዱ ኢየሱስ ብምሃብ ብምቚር ቃላትን ዘሀውትቱ ሓሳባትን ባዶሽ ስምዒታትን ዝተዓለስ ሕውነት ዘይኮነ ኣብ ሓቀኛ ፍቅሪ ዝተመርኮሰ ነቲ ካባይ ፍሉይ ኰይኑ ዝረኣየኒ ዝቅበለሉን ዝረኽቡን ንስቃዩ ምሳኡ ዝቅንዘወሉ ዋላውን ካብ ስድራይን ዓሌተይን እምነተይን ኣይኹን ካባይ እውን ዝፍለ እንተኾነ ከም ሓወይን ከም ሓውተይን ዝቅበለሉ እዩ። እዚ ከኣ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ሕዝብታትን ሃገራትን ንዘሎ ርክብ እውን የድሊ። ከመይ ኩልና ኣሕዋት ኢና።

ኣብ በዓለ ልደት ነቲ ናብ ዓለም ዝመጸ ብርሃን ክርስቶስ ኢና እነብዕል ንሱ ናብ ኩልና እዩ መጺኡ! ንገለና ጥራይ ኣይኮነን። ሎሚ ኣብዚ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ኩሉ ድብንብን ኢሉ ዘይርግጽነት ኣብ ዝህውጸና ዘሎ ግዜ ገለ ብልጭታ ተስፋ ይረአ። ሓደ ካብኡ ክትባት ያኢ ተረኺቡ ይበሃል ኣሎ። እንተኾነ እዚ ብርሃን እዚ ናብ ኩሉ ዓለም ክበጽሕን ንኩሉ ከብርህን ተስፋ ከስንቅን እዚ ተረኺቡ ዝበሃል ክትባት ናብ ኩሉ ክባጻሕ ኣለዎ። ኣብዚ ዘመንና ዝረኤ ዘሎ ሕሉፍ ሃገራውነት ብዝረገጦ ከም ሓቀኛ ስድራቤት ዘመደ ኣዳም ንክነብር ክዓግቱና የብሎምን። ካብ ኮሮና ቫይረስ ዘይሰንፍ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝመለለይኡ ግላውነትን ንሱ ዘስዕቦ ሸለልትነት ስቃይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከሸንፈና እውን ኣይነፍቅድ። ንሕግታት ዋጋ ዕዳጋን ነቲ ካብ ሕጊ ፍቅርን ጥዕና ዘመደ ኣዳምን ግብትና ምህዞ ዘቀድሙ ሕግታት ዕዳጋን ተኸቲለ ንገዛእ ርእሰይ ቅድሚ ካልኦት ክሰርዕ ኣይክእልን። ንኩሎም ሓደራ ዝብሎን ዝምሕጸኖንከስ እዚ እዩ። ሓለፍቲ መንግስታት ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ዓለምለኸ ማሕበራት ቅድድም መኽሰብን ውድድርን ዘይኮነ ምትሕብባር ኣቀዲምኩም ንኩልና ዝኸውን መፍትሒ ክትረኽቡ ክትባት ንኩልና ከምዝባጻሕ ብሕልፊ ከኣ ነቶም ተኣፈፍትን ልዕሊ ኩሎም ዘድልዮም ነበርቲ ዓለምናን ክተባጽሑ ሓደራ። ነዚ ዘክሩ ቀዳምነት ነቶም ተኣፈፍትን ጽጉማት ድኻታትን ይኹን።

ንካልኦት ንምቅባልን ምስ ካልኦት ምናዳ ኸኣ ተኣፈፍቲ ንዝኾነ ሕሙማትን ኣብዚ ግዜ እዚ ስራሕ ብምስእእን ኣብ ዓቢ ጸገም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሳቀዩን ከምኡ እውን ነተን ኣብዚ ዘመነ ውሸባ ግዳይ ብዙሕ ዓመጻት ዝኾና ደቂኣንስትዮን ለጋሳትን ወሃብቲ ደግፍን ንምዃን ሕጻን ቤተልሔም ይደግፈና።

ኣብ ቅድሚ እዚ ዶባት ዘይፈሊ ዓቢ ግድል እዚ መከላኸሊ ሓጹር ክግበር የብሉን። ኩልና ኣብ ሓንቲ መርከብ ኢና እንርከብ። ነፍሲወከፍ ሓወይ እዩ። ኣብ ነፍሲወከፍ ገጽታ እግዚአብሔር የንሰባርቅ። ኣብ ዝሳቅዩ ሓገዘይ ናይ ዝሓትት እግዚአብሔር ገጽታ እርኢ። ገጽታ እግዚአብሔር ኣብ ዝሓመመ ኣብ ድኻ ኣብ ሽቅለት ኣልቦ ኣብ ዝተጐስየ ኣብ ስደተኛን ሓታቲ ዑቚባን እርኢ። ከመይ ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና።

ኣብዚ ቃል እግዚአብሔር ሕጻን ዝኾነሉ ዕለትከስት ጠመተና ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናት ምናዳ ኸኣ ኣብ ኢራቅ የመን ውግእ ዘስዓቢ ዓቢ ዋጋ ዝኸፈሉ ዘለው ንግበር። ገጻት እዞም ሕጻናት እዚኦም ንሕልናታት ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ሰባት ክዳብ ነቲ ግጭታት ኣጽኒዖም ብሩህ መጻኢ ሰላም ንምህናጽ ትብዓት ዝህልዎም እናከሱሱ እዮም።

እዚ ግዜ እዚኸስ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ምብራቃዊ ማእከላይ ባሕርን ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ምሩጽ ግዜ ይኹነና።

ኢየሱስ ሕጻን ቊስልታት ፍቁር ሕዝቢ ሶርያ ይፈውስ። እዚ ሕዝቢ እዚ ንልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ብውግእ ውግእ ብዘስዓቦ እናተሳቀየ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኰይና ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ኣጋዲድዎ ይርከብ። ከምኡ እውን ኢየሱስ ሕጻን ንሕዝቢ ኢራቅን ንኩሎም ኣብ ጒዕዞ ዕርቂ ዝርከቡ ምናዳ ኣብ ግዜ ግጭት ብዙሕ ዝተጐድኡ ብሔረሰብ ያዚዲ ምጽንናዕ ይሃብ። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሊብያ ሰኣም ከምዝነግስ ከምኡ እውን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ናብ ፍረ በጺሑ ኣብታ ሃገር ጽልኢ ዘበለ የወግድ።

ሕጻን ቤተልሔም ነዛ ክውለድ እንከሎ ዝረኣየቶ ከተማን ከባቢኣን ሕውነት ይሃብ። እስራኤላውያንን ፍልስጠኤማውያንን ፍትሓውን ነባርን ሰላም ብቀጥታዊ ዘተ ንክረኽቡ ምትእምማን ሓድሕድ ክፈጥረሎም እሞ ንዓመጽን ስዒሮም ንዘለዎም ቂመ በቀል ንክሰግሩ እሞ ንዓለም ጽባቄ ሕውነት ክምስክሩ የኽእሎም።

እቲ ንለይቲ ልደት ዘብርሀ ኮኸብ ንሕዝቢ ሊባኖስ ካብቲ ዝህውጾም ዘሎ ጸገም ብደገፍ ዓለምለኸ ማሕበራት ንክወጹ ተስፋ ንከይቈርጹ መራሕን መተባብዕን ይኹኖም። መምርሒ ዕላማ ሰላም ከኣ መራሕቲ ሃገራት ንግላዊ ጥቅሞም ገዲፎም ቅንዕናን ግልጽነትን ተዓጢቆም ብቊምነገር ሊባኖስ ጒዕዞ ተሓድሶ ተኸቲላ ናብ ጸዋዕታ ነጻነታን ብሰላም ሓቢርካ ምንባርን ከምትበጽሕ ይግበሩ።

ወዲ እቲ ልዑል ዝኾነ ኢየሱስ ሕጻን ንዓለምለኸ ማህበረሰብን ኣብ ውዕል ተዂሲ ደው ምባል ናጎርኖ ካርባኽ ንዝሳተፉን ይደግፍ። ከምኡ እውን ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ኡክራይና ናብ ሰላምን ዕርቅን እተብጽሕ እንኮ መንገዲ ዘተ ምዃና ከደንፍዑ ይሓግዞም።

መለኮታዊ ሕጻን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሕዝብታት ቡርኪናፋሶ ማልን ኒጀርን ስቃዮም ይቀንጥጥ። እዞም ሰባት እዚኦም ብዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው እንክጥቅዑ ነዚ ምኽንያት ዝኾኑ ከኣ መዓስከራት ኣኽረርትን ዕጥቃዊ ግጭታትን ብምዃነን ጥራይ ከይኣክል ለበዳ ኮቢድ 19ን ካልእ ባህርያዊ ዕንወትን እውን ዝገደፈሎም የብሎም። እዚ መለኮታዊ ሕጻን እዚ ነታ ብምኽንያት ግጭት ብዙሕ ትሳቀን ብዙሕ ሕዝባ ዝስደድን ዘሎ ኢትዮጵያ ዓመጽ ደው ከምዝብል ይግበር። ኣብ ሰሜን ሞዛንቢቅ ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ግዳይ ዓለምለኸ ዓመጽ ራዕዲ ኮይኖም ንዘለው ነበርቲ ምጽንናዕ ይሃብ። ብብዙሕ ግጭትን ቅልውላዋታን ሕዝበን ንዝሳቀ ዘሎ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ናይጀርያን ካመሩንን ልቢ መራሕቶም ተተንኪፉ ጐዳና ሕውነትን ዘተን ከምዝኽተሉ ይግበሮም።

ዘለዓለማዊ ቃል እግዚአብሔር ኣብ ዝኾነ ኢየሱስ ሕጻን ንኣህጉር ኣመሪካ ምንጪ ተስፋ ይኹን። ምናዳ ብለበዳ ኮቪድ 19 ተጠቂዖም ነቲ ካብ ቀደም ዘሳቅዮም ዝነበረ ብልሽውናን ንግድ ዕጸ ፋርስን ኣጋዲዱ ንዘሎ ምንጪ ተስፋ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ቺለ ኣጋጢሙ ንዘሎ ወጥሪ ኣህዲኡ ንስቃይ ሕዝቢ ቨንዝወላ ይኣክል ይበል።

ሰማያዊ ንጉሥ ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ደቡብ ኤስያ ብባህርያዊ ዕንወት ንዝሳቅዩ ሕዝቢ ይከላኸል። ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንሕዝቢ ፍሊፒንስ ቬትናም ከመይ ብዙሕ ምዕልቅላቅ ማያት ኣብ ልዕሊ መሬታቶም ብምውራዱ ብዙሕ ሕይወት ቀዚፉ ባህርያዊ ዕንወት እውን ብምፍጣሩ እዚ ከኣ ንተቀማጦ እቲ ከባቢ ሰፍ ኣብዘይብል ቊጠባዊ ጸገም ስለዘውረደሎ ሰማያዊ ንጉሥ ኢየሱስ ሕጻን ይከላኸለሎም።

ብዛዕባ ኤስያ እንክሓስብ ንሕዝቢ ሮሂንግያ ክርስዕ ኣይክእልን። እቲ ኣብ መንጎ ድኻታት ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ኢየሱስ ነዚ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ተስፋ ይኹኖ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!

‘ሕጻን ተወሊዱልና’ (ኢሳ 9,5)። ንከድሕነና መጺኡ! ስቃይን ክፍኣትን መለኽቲ ከምዘይኮኑ የብስረና ኣሎ። ንዓመጽን ኢፍትሓውነትን ኢድካ ምሃብከስ ንታሕጓስን ተስፋን ልደት ምንጻግ እዩ።

ኣብዚ ዕለት በዓል እዚ ነቶም ንኩሉ ተጻብኦ ግዜና ኣሸኒፎም ንዝሳቀዩ ኣሕዋትና ብምርዳእን በይኖም ንዝኾኑ ብምስንያን ተስፋን ምጽንናዕን ሓገዝን ንዘወፍዩ ፍሉይ ምስጋና ኣቅርበሎም።

ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ እንተኾነ ብፍቅሪ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ተኸቢቡ ነበረ። ብሥጋ ብምውላዱ እምበአር ወልደ እግዚአብሔር ንፍቅሪ ስድራቤት ቀዲሱ። ሃመይን ቀልበይን ኣብዚ ግዜ ናብ ብዙሓት ስድራቤታት ምናዳ እቶም በዚ ዕለት እዚ ብምኽንያት ውሸባ ከም ስድራ ብሓንሳብ ክጋብኡ ዘይክእሉ ከምኡ እውን እቶም ኣብ ገገዛውቶም ጥራይ ተዓጽዮም ንከሕልፉ ዝተቀሰቡ እሓስብ። ንኩልና ስድራቤት ከም ምንጪ ሕይወትን እምነትን ዳግም ንምድህሳስ ይኽእለና። እወ ስድራቤት ቦታ ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል ፍቅሪ ቦታ ዘተ ቦታ ይቅርታን ምሕረትን ቦታ ምድግጋፍ ቦታ ሓባራዊ ሕውነትን ታሕጓስን ኰይና ንመላእ ዘመደ ምንጪ ሰላም እያ። ብሩኽ በዓለ ልደት ንኩልኹም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
26 December 2020, 15:38