ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎትን ጣዕሳን ማርያም ኣዚዩ ባህ ዘብላ ዕምበባ እያቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም መሪሖም ድሕሪ ዝደገምዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ብምኽንያት ሎሚ (ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.) በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ንጐሆ ከምቲ በቢ ዓመቱ ኣብ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም በቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ መሰረት ኣብ ሮማ ናብ ቅርዓት ስፓይና ናብ ዝርከብ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ፊት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ  ብምኻድ ዝፍጽምንዎ ዝነበረ መንፈሳዊ ንግደት ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ  ለብዒ ምእመናን ኣሳቲፉም ብዙሓት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣሳቲፉ ዘይኮነ ብውሑዳት ኣካላት ተሰንዮም ቁኑን ዕምባባ ኣንቢሮምን ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጐምን ካብኡ ተሰናቢቶም ናብ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ነጊዶም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ደጊሞም ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘልደቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማሕበር ኣባላትን ናይ ከተማ ሮካ ዲ ፓፓ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን ከምቲ  ልሙድ ዕለት 8 ታሕሳስ ብምኽንያት በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ናብ ቅርዓት ስፓይና ዝፍጸም ምእመናን ዘሳተፈ ብዙሕ ሕዝቢ ዝእከበሉ መንፈሳዊ ንግደት ከምዘይተፍጸምን እቲ ምኽንያት ከኣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምክልኻል ምፍንታት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ እዩ፡

ምትእኽኻብ ከይሁሉ ዝእዝዝ ብበርገሳውያን ናይ ሕዝቢ ስልጣናት እቲ ለብዒ ንምክልኻል ዝደንገግዎ ሕጊ ብምኽባር ከምዝኾነን ሕጊ ምኽባር ኣገዳሲ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እዚ ኵነት እዚ ነዴና ዕምባባ ንኸንቕርበልናን ብጸሎትን ጣዕሳን ንጸጋ ርህው ዝኾነ ልቢ ንኸነቕርብ ኣይዓገትናን እዩ፡

ንጐሆ ኣብ ቅርዓት ስፓይና ምብጻሕ ከምዘካየዱ ቅዱስነቶም ባሎም፥

ኣንጊሄ ናብ ቅርዓት ስፓይና ምብጻሕ ኣካይደን ኣስዒበ እውን ናብ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ከይደን ኣብኡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪገ

እንክብሉ ሓቢሮም፡

ናይ ካቶሊክ ተግባር ኣባላት መብጽዓኦም ዝሕድስሉ ዕለት እዩ

ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ካቶሊክ ተግባር ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዓበይቲ ኣባላትን በቢ ዓመቱ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ዓመታዊ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ናይቲ ማሕበር ሰዓብቲ ኣባላት ምዃኖምን ንማሕበሮምን ንቤተ ክርስቲያንን መብጽዓኦም ዝሕድስሉ ዕለት ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ጉደና ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ዋና ሕንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎምን ፍርቂ መዓልቲ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነጊዶም ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዕርግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝሓበሩን፡ ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር፥

ንኣዅም ኣባላት ካቶሊክ ተግባር ሰላምታይ አቕርበልኵም፡ ሰናይ ጉዕዞ እውን እምነየልኩም፡ ኣባኹም ክርስቶስ ኵለንተናኹም ክኸውን መታን እጽልይ፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ናይ ሕውነት ኣንጠረይናታት ምእንቲ ክትኮኑን ስሌዅም እጽልይ!

ናይ ከተማ ሮካ ዲ ፓፓን ቤት ምኽሪ ልኡካን

ምስ በሉ ኣስዒቦም ነቶም ካብ ከተማ ሮካ ዲ ፓፓ ዝመጹ ምእመናንን ናይታ ከተማ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ሰላምታኦም እንከቕርቡ፥

ዕለት 8 ታሕሳስ በቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ባህሊ መሰረት ኣብታ ከተማ ሮካ ዲ ፓፓ ኣብ ዝርከብ ናይታ ከተማ ዕርዲ ናይቲ ወትሩ ንማሕበረሰብና ብርሃን ናይ ዝጽግው ክርስቶስ ትእምርቲ ዝኾነ መብራህቲ ክውላዕ እዩ፡

እንክብሉ ክርስቶስ ብርሃንና ምዃኑ ኣዘኻኺሮም` ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ንዅሎም ብሩኽ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 December 2020, 18:35