ሩወዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሳልሳይ ክፍሊ ሓላፊ ኮይኖም ተሰምዮም ሩወዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሳልሳይ ክፍሊ ሓላፊ ኮይኖም ተሰምዮም 

ሩወዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሳልሳይ ክፍሊ ሓላፊ ኮይኖም ተሰምዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዘቖምዎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ “ናይ ቀወምቲ ሓዋርያዊ ልኡካን ጉዳይ ዝኸታትል ብሳልሳይ ክፍሊ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ሰብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካይድዎም ዓለም ለኻው መገሻታት ዋና ኣሰናዳኢ ንኽኾኑ ቅድሚ ቁሩብ

ዓመታት ካብ ኮሎምቢያ ናብ ሃገረ ቫቲካን ንኽመጹ ዝገበርዎምን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊስቦና ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ  ዘገልግሉ ዘለዉ ናብ ሃገረ ቫቲካን ተመሊሶም ንኸገልግሉ ኣብ ካልእ ሓላፍነት ከምዝሰመይዎምን ከምኡ እውን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎውስኪ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ልኡካን ጉዳይ ዝከታትል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ንኽኾኑ ክመዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንብር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዘቖምዎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ “ናይ ቀወምቲ ሓዋርያዊ ልኡካን ጉዳይ ዝኸታትል ብሳልሳይ ክፍሊ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ሰብ ሓላፊ ንኽኾኑ እቶም ነርባዕተ ዓመት ናይ ቅዱስነቶም ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታት ኣሰናዳኢ ኮይኖም ንኸገልግሉ ዝሰመይዎም ኣብዚ ሓላፍነት`ዚ ካብ 2016 ዓ.ም. ክሳብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ዘገልገሉን ኣብ እዋን’ዚ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ፖርቱጋል ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ዘገልግሉ ዘለዉ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ተወላዲ ኮሎምቢያ የኔታ ኣባ ማሪሲዮ ሩወዳ ቤልትዝ ከምዝሰመይዎምን የኔታ ሩወዳ ኣብ ጊኒን ቺለን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ደሓር እውን ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉ ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀወምቲ ሓዋርያዊ ልኡካን ጉዳይ ዝኸታትል ብሳልሳይ ክፍሊ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ሰብ ወኪል ኮይኖም ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዣን ርመኦ ፓውሎውስኪ ናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሓፍን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጽሓፊ ዝብል ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ዘጠቓልል ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያውያን ልኡካን ጉዳይ ሓላፊ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ እዚ ሓድሽ ሓላፍነት እዚ ኣብቲ “Praedicate Evangelium - ወንጌል ኣበስሩ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ናይ ዝጸዋዕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዎት ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ኣብ ዘመሓድር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘጽደቕዎ ኣብ መጽናዕቲ ኣብ ዘሎ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝመላኽቶ ዓንቀጽ ከምዝኾነ የመላኽት።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዘቖምዎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ “ናይ ቀወምቲ ሓዋርያዊ ልኡካን ጉዳይ ዝኸታትል ብሳልሳይ ክፍሊ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት መዝነት ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡካን ኣባይቲ ጽሕፈት ዘገልግሉን ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንምኻን ዝሰናደዉ ጉዳይ ዝከታተልን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ላዕለዎት ሓላፍነትን ነቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብቛምነት ንዘገልግሉን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣተኩሮን ቅርበትን ንኸስተርእ ዘስተርእይ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

18 December 2020, 15:21