ር.ሊ.ጳ.፡ ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ር.ሊ.ጳ.፡ ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር 

ር.ሊ.ጳ.፡ ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር

ሎሚ ካብ ቀዳም ብዝያዳ እንነብረሉ ዘሎና ኣዚዩ ዓውሎማዊ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም እቲ ኣብ ልዕሊ መሬትናን ዘዘንብይ ዘሎን ናይ መንእሰይ ወለዶ መጻኢ ትሕጃ ዝገብር ዕቱብ መሃድዳትን ቅኑዕን ምክብባር ዝዓሰሎ ዘተን ምትሕብባርን ሕጹጽ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ኮይኖም ንኸገልግሉ ዝተላእኵ ልኡካነ መንግስታት ዘቕረብዎ ናይ ሽመት ደብዳቤ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ተዓሪዱ ዘሎ ዓውሎማዊ ብድሆ ንምብዳህ ናይ ዘተ ሓነጽቲ ምዃንን ሰብ ከም ብዅን ዝጉሕፍ ባህሊ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብዝለዓለ ምጡቕ ሚሳልን ኣገደስቲ ሸቶታትን መሰረት ምውጋእ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 4 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ገሊኣቶም ፍልዩ ልኡካነ መንግስታት ገሊኣቶም ከኣ ብምሉእ መዝነት ልኡካነ መንግስታት ኮይኖም ካብ ዓሰርተ ሃገራት፥ ካብ ዮርዳኖስን ካዛክስታንን ዛምቢያን ማውሪታንያን ኡዝበኪስታን ማዳጋስካርን ኤስቶኒያን ሩዋንዳን ደንማርክን ህንድን ካብ ነፍሲ ወከፍ መንግስታቶም ዝተላእኵ ዘቕረብዎ ናይ ሽመት ደብዳቤ ተረኺቦም፥

ድኻታት ኣይነርስዕ

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን ግጭትን ኣሸባርነትን ንሕጹጽ ኣድላይነት ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቓልዔን ቅልውላው ኤኮኖምን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ኣብ ዓለም ጥምየትን ጸኣት ስደተይናታትን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ክኸይድ ይገብር ከምዘሎን ስግኣት ናይ ተፈጥሮ መዓትን ዓጸቦን ደርቅን ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቲ ኣብ ማህበረሰብ ዘሎ ኢማዕርነት የብእሶ ከምዘሎን እኳደኣ ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ተኣፋፍያን ንተረሳዕነትን ሕርጉነትን ስግስኣት የቃልዕ ከምዘሎ ብሰፊሕ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣገዳስነት ዘተን ምትሕብባርን

ሎሚ ደጊመ እውን ኣብ “ሓንቲ መርከብ” ምህልዋውና ከዘኻኽር እፈቱ፥ ብሓባር ንኽንጅልብን ንሓድ ሕድና ክንነጻጸርን መታን ሓድነት ክስምዓና ይግባእ፥

ሎሚ ካብ ቀዳም ብዝያዳ እንነብረሉ ዘሎና ኣዚዩ ዓውሎማዊ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም እቲ ኣብ ልዕሊ መሬትናን ዘዘንብይ ዘሎን ናይ መንእሰይ ወለዶ መጻኢ ትሕጃ ዝገብር ዕቱብ መሃድዳትን ቅኑዕን ምክብባር ዝዓሰሎ ዘተን ምትሕብባርን ሕጹጽ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ ኣመላኺቶም፡ እቲ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ ሓሳብ ምስል ቢሎም ብምዝኽኻር፥ ብሓጺሩ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ ክብሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ መንጐ ኩሉ ዓለም ሓቆፍ ኣስተንፍሶ ንሕውነት ዳግም ክውለድ ክንገብር ከምእንኽእል ኣብሪሆም፥

ንናይ ምርኻብ ባህሊ ምረጹን ደግፉን

ብመንጽር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓላፍነት፥ ንዓለም ለኻዊ ናይ ሓባር ረብሓ ኣገልግሎት ዝብል ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ህዝብታትን መላእ ሃገራትን ዝምልከት ሕቶ ብስነ ሰብኣውን ስነ ምግባራውን ሃይማኖታዊ መዳይ ትኵረት ክግበረሉ ተላብዮም፥ ነቶም ሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥

ኣብ ቅድስቲ መንበር ከም ናይ ብሔራት ልኡካን ብናይ ስነ ርክብ ሜላ ንጥፈታትኵም ኣቢልኩም ብዙሕ እዋን ፍልልያትን ምግምማዕን ዓበይቲ ሚሳላት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝቐርብ ሸቶ ምኽዋን ዘሰናኽል ፍልልያትን ምግምማዕን ብዝሕ እዋን ርክባት ዘሰናኽል ንምብዳህ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ “ምርኻብ ባህሊ” (ኵላትና ኣሕዋት፡ ፍቕዲ 215)፡ እትድግፉን እትመርጹን ኩኑ። ነፍሲ ወከፍና እኳደኣ ዕለት ብዕለት ዓለም ዝያዳ ቅኑዕን ሕውነታውን ስሙርን ኣብ ምግባር ንኽንዓዪ እዕደም!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፡ ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር
05 December 2020, 21:57