ር.ሊ.ጳ.፥ እዋኑ መስቀለይና እዩ፡ መፍትሒኡ ኣብ ስምረትን ምትሕባርን እዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ እዋኑ መስቀለይና እዩ፡ መፍትሒኡ ኣብ ስምረትን ምትሕባርን እዩ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ እዋኑ መስቀለይና እዩ፡ መፍትሒኡ ኣብ ስምረትን ምትሕባርን እዩ!

ቅድስነቶም ናብቲ ቀጥታዊ ምህርቲ ሕርሻ ኣቕራቢ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማሕበር ሓረስቶት፥ “ኢጣሊያ ካብቶም መግባዊ ምህርቲ ኣቕረብቲ ጅግንነት ትብገስ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ

“ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንዝፈጠሮን ዝፈጥሮን ዘሎ ቅልውላው ዝመጣጠን መልሲ ካብ ኣገልግሎት ዝብል እምበር መኽሰብ ካብ ዝብል ምርጫ ኣይኮነን”፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናብ ቀጥታዊ ምህርቲ ሕርሻ ኣቕራቢ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማሕበር ሓረስቶት፥  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝኾነ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ኣብ ሕቶ ዘይኣይትው ጉዳይ ተበግሶ እዩ፡ ንናይ ኢጣሊያ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ትንሳኤ ልክዕ ከም ኵለን ሃገራትን ሕዝብታትን ነቲ ለብዒ ዝፈጠሮ ቅልውላው ንምብዳህ ሓድሽ መንገዲ ምንዳይ ኣገዳሱ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ኢጣሊያ ቀጥታዊ ምሕርቲ ሕርሻ ኣቕራብ ናይ ፈደረላዊ ማሕበር ሓረስቶት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመላኺቶም፡ ዳግም ምንቕቓሕ ኤኮኖሚ ወሳኒ ምዃኑ ደጋጊሞም ዘተባቦዖን ኣብ ልቦም ዘሎ ጉዳይ ምልስ ቢሎም ብምዝኽኻር፡ ናይ ዳግማይ ብጋሴ መገዲ - ሎሚ ካብ ቀደም ኣብቲ ቅኑዕ ናይ ጥልቂ ውድንነትን ሱታፌን ረቛሒ ዝኾነ እቲ ኣብ መንጐ ሰብን ተፈጥሮ ፈጣርን ዘሎ ርክብ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ደ ካሮሊስ ኣሊጦም።

ቅኑዕ ስነ መጐት

ቅድስነቶም ናብቲ ቀጥታዊ ምህርቲ ሕርሻ ኣቕራቢ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማሕበር ሓረስቶት፥ “ኢጣሊያ ካብቶም መግባዊ ምህርቲ ኣቕረብቲ ጅግንነት ትብገስ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንኢጣሊያ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ኵለን ሃገራት ንዳግመ ትንሳኤ ዝዓበየ ክብሪ ዘለዎ ሕርሻን መግባውነት ሕርሻን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ክብሪ’ዚ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኣብ ዳግማይ ትንሳኤ ዓቢይ ግደ ክህልዎን ዝኽእል ኣብቲ መኽሰብ ዝብል ስነ መጐት ዘይኮነ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝብል ስነ መጐትን ኣብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምዝመዛ ዘይኮነ ‘ናይ ሓባር ቤትና” ኣብ ምክንኻንን ምኽባርን ተፈጥሮን ዝብል ምዃኑ ብኣጽንዖት ከምዘመላኸቱ ደ ካርሊስ ሓቢሮም።

ሓድሽ ናይ ምድግጋፍ መገዲ

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ቀጥታዊ ምህርቲ ሕርሻ ኣቕራቢ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ማሕበር ሓረስቶት፥ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብቡራኬ ክቅድሚ ምዝዛሞም፡ እቲ ማሕበር ነቲ ጭቡጥ ክስተት ድኽነትን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ዝርአይ ኢማዕርነትን ዓውለማዊ መልሲ ክርከበሉ ኣብ ጐደና ፍቕርን ግብረ ሰናይን ምድግጋፍን ብምባል ሓድስ መገዲ ብምልላይ ክሰዓብን ብፍላይ ኣብዚ መስቀላዊ ናይ ዓለም ታሪኽ’ዚ ኣተባብዕን እላበውን ከምዝበሉ ደ ካርሊስ ኣፍሊጦም።

16 December 2020, 23:44