ኢየሱስ ብኩሎም ዝተነጽገ ኮይኑ ብምውላዱ ዝተጐስዩ ኩሎም ደቂ እግዚአብሔር ምዃኖም ገሊጹልና! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዓለ ልደት ኣብ እተብዕለሉ ብድሮ ፍርቂ ለይቲ ዝግበር ቅዳሴ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ብእዋኑ ክግበር ስለዝተወሰነ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ናይ ድሮ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ናይ ምሸት እንከዕርጉ ‘እግዚአብሔር ፍቅሪ ስለዝኾነ እንትርፊ ምፍቃር ካልእ ተጻዩ ዝኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን በዚ ከኣ ፍቁራት ደቁ ዝኾና ኩልና ወትሩ ዳግም ብምውላድ ብዘይ ምንም ፍርሒ በታ ኣብ ልብና ዘላ ዘይትፈርስ ተስፋና ንመጻኢ ዝሓየልና ከም እንኸውን ይገብረና’ እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንታሪኽ ድሕነትና በሪ ዝኸፈተ በዓለ ልደት እንተንፈልጦ ክሳብ ክንደይ ዕድለኛታት ምዃን ምተሰቈረና ይብሉ እሞ ናብ ዕሽነትና ምናዳ ኸኣ ሠናይ ነገር ንዝምልከት ዘሎና ድንቊርናን ብዙሕ ነገር ንክንውንን ዘሎና ህርፋን ዘይረዊ ሃረርታን ውሒጡና ነቲ ቀንዲ መብልዕ ማል ናይ ቤተልሔም ገዲፍና ንባዕልና ኣብ ናይ ከንቱነት መብልዕ ማል ነንገርግር እንክብሉ ካብዚ ውሒጡና ዘሎና ፍርሓትን ተስፋ ቊርጸትን ክንወጸሉ እንኽእል እንኮ መንገዲ ነቲ መወዳእታ ኣልቦ ፍቅሪ እግዚአብሔር እሞ ኸኣ ብነጻ ዝዕደለና ትዕድልቲ ብምስትንታን ፍቁራት ደቂ እግዚአብሔር ምዃና ምዝካር ጥራይ ከም እትኣኽለና ገሊጾም። ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ቅዳሴ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ኢሳያስ ‘ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና’ ንዝብል ምናዳ ኸኣ ነታ ንዓና ተዋሂቡና ዝብላ ቃላት ሓይለን ደጋጊሞም ገሊጾም። ሽሕ’ኳ ብውሱን ቊጽሪን ሰዓታትን እንተነበረ እቲ ቅዳሴን ብውዕውዕ መንፈሳዊ መዛሙር ልደት ዝሞቈ ሓጐስ ዝዓሰሎ ምሸት ነበረ። ከምቲ ግዜኡ ዝእዝዞ ገለ ኣማእት ዝዀኑ መሸፈኒ ማስከራ ዝገብሩ ምእመናን ከምኡ እውን ውሉደ ክህነት ነበሩ። ንቅዱስነቶም ኣብ ቅዳሴ ርሕቀቶም ሓጊዞም ዝተራድኡ ብፁዓን ካርዲናላት ጆቫኒ ባቲስታ ረን ለዮናርዶ ሳንድርን ብየማነ ጸጋሞም ነበሩ።

ልቢ ተስፋን ዳግመ ልደትን!

ቀንዲ ትርጉም ልደት ‘እግዚአብሔር ከም ውሉድ ናብ ምድሪ ይመጽእ እዚ ከኣ ንሕና ውሉድ እግዚአብሔር ምእንቲ ክንከውን እዩ። እዚ ብሓቂ ዘደንቅ ትዕድልቲ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ንስኻ እተደንቅ! ንስኺ እተደንቂ ኢኺ ይብልና ኢሎም። ንዘሎና ፍርህን ምጥርጣርን ብከመይ ከም እንሸንፎ ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ምናልባት ኣነስ ኣይክእሎን እየ ኣይዋጻኦን እዮ ብቁዕ ኣይኮንኩን ካብ ዝብል ባዕቲ ፈተናን ፍርህን ክትወጽእ ይጽግመካ ይኸውን! እንተኾነ እግዚአብሔር ‘ኣጆኻ ኣነ ምሳኻ’ ይብለካ ኣሎ። ነዚ ከኣ ብቃላት ኣይኮነን ዝብሎ እንታይ ደኣ ንኣኻ ክብል ከማኻ ውሉድ ዘመደ ኣዳም ኰይኑ ነጥበ ተበግሶ ናይ ነፍሲወከፍ ዳግመ ልደትካ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ እዚ ከኣ ብዳግመ ልደት ወዲ እግዚአብሔር ጓል እግዚአብሔር ምዃንካ ክትፈልጥ የድሊ። እዚኣ ናይ ዝኾነ ዳግመ ልደት ነጥበ ተበግሶ እያ። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንካ ምፍላጥ። እዚ ናይቲ ዘይጸዓት ተስፋና ሕመረትን ናይቲ ንህላዌና ዝድግፍ ማእከል ሓይልን ኰይኑ ክንዮ መንነትናን ጉድለታትናን ገስጊሱ ካብ ሕሉፍ ቊስልታትናን ፍሽለታትናን ካብ ናይ መጻኢ ፍርህናን ሸቀልቀልናን ዝሓየለ ኰይኑ ዝግለጽ እዚ ሓቂ ኣዚ ኣሎ ማለት ፍቁራት ደቂ ኣምላኽ ኢና ኢሎም።”

ምናልባት ብዓቅምና ብሓይልና ብመንፈዓትና ከይመስለና ከምቲ ደጋጊሞም ዘዘኻኽርዎ ቅዱስነቶም እዚ ፍቅሪ እዚ ካባና ከይምዘይኮነ ብኣና ከምዘይጽሎ እንታይ ደኣ ብነጻ እንዕደሎ ምዃኑ ገሊጾም። በዛ ለይቲ እዚኣ ይብሉ ቅዱስነቶም እንትርፊ ኣብ ጸጋ ካልእ መግለጺ ክንረኽበሉ ኣይንኽእልን። ላዕሊ ንበል ታሕቲ ኣብ ዘበልና ኣቢልና ኩሉ ብነጻ ዝዕደል ጸጋ ምዃኑ ጥራይ ከም እንግዘብ ገሊጾም። እንተኾነ ደቂ ሰባት ዘይረዊ ሃረርታን ድንቊርና ሕያውነትን ዝጐብኣና ስለዝኾነ ፍቅሩ ብግዲ የድልየና ኢሎም።

ጐደሎ ብምዃና ፍቅሩ የድልየና እዩ!

ቅዱስነቶም ንምልክታት ቤተልሔም ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ መብልዕ ማል ኣምሳል ዕለታዊ እንጌራ እንረኽበሉ ጎጆ ብምቅራብ ከምቲ ከብቲ ንክነብራ ኣብቲ መብልዕ ማል ክምገባ ዘለወን ንሕና እውን ንክነብር እዚ ሕያው ፍቅሪ ኣምላኽ ብግዲ ከምዘድልየና ገሊጾም። እንተ ኣብ ሕይወትና ክንደይ ግዜ ኢና ክንዲ እቲ ሓቀኛ መግቢ ዝኾነ ሕይወት ዝህብ ቃል ሕይወት እንመርጽ ብኣንጻሩ ጥሜት ምዝንጋዕ ንክነጽግብ ዕውታት ናይ ምዃንን ዓለማዊ ከንቱነት ጽምእን ጥሜትን ወሪሩና ንኣኡ ክንዕንግል እንቃለስ ክንደይ ግዜ ይሓልፍ እንተኾነ እዚ መግቢ እንብሎ ሕይወትና ባዶ ከምዝኸውን ገሮም ጥሜትና ኣይዕንግሉ ጽምእና ኣየርውዩ።

“ጐይታ ብቃል ኢሳያስ ነቢይ ገቢሩ ብዕራይን ኣድግን መብልዒዖም ይፈልጡ እንተ ንሕና ሕዝቡ እንበሃል ግን ነቲ ምንጪ ሕይወትና ዝኾነ ጐይታ ኣይንፈልጦን ክብል ይገንሓና። ርግጽ እዩ ክንውንን ንደሊ ንቃለስ እንተኾነ ብምውናን ኣይንጸገብ ኣይረዊ። ኣብ ብዙሕ ናይ ከንቱነት መኣዲ ጸደፍደፍ ንብል ነቲ ቀንዲ መግቢ ዘለዎ መብልዕ ማል ወይውን መኣዲ ቤተልሔም ግን ንዝንግዖ። እዛ ብኩሉ ኩሉ ድኻ እትመስል መብልዕ ማል ቤተልሔም ብፍቅር ምልእትን ሃብታምን እያ። መግቢ ሕይወት ብእግዚአብሔር ክትፍቀር ምፍቃድን ንካልኦት ምፍቃርን ምዃኑ ትምህረና። ነዚ ዓቢ ኣብነት ዝኾነናን ዝህበና ከኣ ኢየሱስ እዩ። ቃል እግዚአብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ሕጻን ኮይኑ ይቀርበና ኣይዛረብን እዩ እንተኾነ ሕይወቱ የወፍየልና። እንተ ንሕና ብዙሕ ንዛረብ እንተኾነ ብዛዕባ ሕያውነት ወትሩ ደናቊር ኢና ። እንተ እግዚአብሔር ብድኽነትና ዓበይቲ ነገራት ይፍጽም ኢሎም።”

እግዚአብሔር ብድኽነትና ዓበይቲ ነገራት ይፍጽም!

ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ትርጉሙን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ወልደ እግዚአብሔር ኣብ ድኻ መብልዕ ማል ይውለድ በዚ ከኣ ሰብኣዊ ኩነትና ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቀሮ የረድኣና። ነታ ዝሓሰመት ከርፋሕ ናብራናን ምስኪነትናን ብፍቅሩ ክሳብ ምትንካፍ ይበጽሕ።

“ወልደ እግዚአብሔር ከም ሓደ ዝተጐስየ ሕጻን ተወልደ እዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ብማሕበረሰብና ዝተጐስየ ውሉድ እግዚአብሔር እዩ ይብለና። ኣብ ዓለም እንክመጽእ ኣመጻጽኣ ሓደ ዝውለድ ሕጻን ድኹምን ተኣፋፍን ኰይኑ መጸ። ነዚ ዝገበረሉ ምክንያት ንሕና ንተኣፋፍነትና ብርሕራሔ ንክንቅበል እዩ። በዚ ከኣ ሓደ ኣድላዪ ነገር ንክርዳእ ማለት ከምቲ ናይ መብልዕ ማል ቤተልሔም ማሕደር ኣምላኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ብድኽነትና ዓበይቲ ነገራት ይፍጽም። ሃየኸስ ብምሕረቱ ንከርፋሕ ናብራና ክልውጦ ነፍቅደሉ ከመይ ፍቅሩ ይልውጠና እምበር ብምንም ተኣምር ኣይልወጥን ኢሎም።”

ፍቅሩ ኣይልወጥን እንታ ደኣ ይልውጠና!

እግዚአብሔር እዚ ኩሉ እንክገብረልና ደቂሰባት ግን ምስጋና የለ ፍትሒ የለ ኩሉ ብኣንጻሩ ኣብ እንጐዓዘሉ ከመይ ኢሉ እዩ ዘይቀብጸና ቢልና ክንጠራጠር ከም እንኽእል ዝገልጹ ቅዱስነቶም እግዚአብሔር ነዚ ክገብሮ ኣይክእልን ከመይ ክሳብ ሞት ስለዘፍቅረና ኢሎም።

“ካብ ፍቅርና ዓዲ ክውዕል ፈጺሙ ኣይክእልን። ንሱ ኩነቱ ከምኡ እዩ ካባና ብጣዕሚ ፍሉይ እዩ። ወትሩ ምስ ኣፍቀረና እዩ። እዚ ፍቅሪ እዚ ክንርድኦ ክንግምቶ ኣይንኽእልን ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና እነፍቅሮ ፍቅሪ ንላዕሊ እዩ። ስለምንታይ እንተቢልና እቲ ምስጢሩ ኣብ ልብና ምእንቲ ኪኣቱ እዩ። ንከድሕነና ንውሽጥና ክፍውስ ዘሎዎ እንኮ መንገዲ እንከፍቅረና እምበር ካልእ መንገዲ ከምዘየሎ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ዘይሕለል ፍቅሩ ምስ እንቅበል ንሕና ከም እንመሓየሽ ይፈልጥ እዩ። እዚ ፍቅሩ ኣይልወጥን እንታ ደኣ ይልውጠና! ሕይወትና ክልውጥ ንዓሚቊ ቊስልታትና ክፍውስ ካብቲ ዕንክሊል ዘብለና ዕግበት ዘይትረኽበሉ ሃረርታ ሓራ ከውጸኣና ዝኽእል ካብ ቊጥዓን ምጒርምራምን ከናግፈና ዝኽእል ፍቅሪ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ነዚ ፍቅሩ ከመይ ገርና ኢና እንምልሰሉ እንተበልና ብምፍቃሩ ኣበይ ረኺብናዮ እንተበልና ከኣ ንድኻታት ብምግልጋል ንኣኡ ነፍቅር ኢሎም።”

  ንድኻታት ብምግልጋል ንኣኡ ነፍቅር!

ዝኾነ ፍጡር ዘመደ ኣዳም ሓደ ንእሽቶ ሕጻን ዘለዎ ዘበለ ክንደይ ፍቅርን ትዕግሥትን ከምዘድሊ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ። እዚ ተመኲሮ እዚ ዝምህረና ዓቢ ነገር ኣብ ቅድሚ ዝሳቀ ክንበኪ ዘይኮነ ክነጸናንዖ ክንዕጠቅ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ድኻን ሓገዝ ዘድልዮን ኰይኑ ኣብ መንጎና ይሓድር በዚ ከኣ ንድኻታት ብምግልጋል ንኣኡ ከም እነፍቅር ይምህረና። ኤሚልይ ዲክሰን ትበሃል ሥነ ጥበባዊት ነዚ ብቃላት ጥበብ እንክትገልጾ ‘መንበሪ እግዚአብሔር ኣብ ጥቃ ናተይ መንበሪ እዩ ኣቊሑ ገዛኡ ከኣ ፍቅሪ እዩ’ እንክትብል እቲ ስለና ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር እውን ፍቅሪ ንፍቅሪ ኰይኑ እንክመጸና እቲ ድኹም ብኽያት ናይዚ ሕጻን ነቶም ዘሻሉና ቈጺርና ዘይንውድኦም ከንቱ ዝኾኑ ነገራት ከምዘይጠቅሙና ይምህረና ምስ በሉ በዛ ጸሎት እዚኣ ስብከቶም ዛዘሙ።

“ንዓይ ውሉድ እትገብር ውሉድ ንስኻ ኢኻ። ከምዝሓልሞ ዘይኮነስ ከምዘሎኹም ከም እተፍቅረኒ እፈልጥ እዩ። ኦ ኣብ መብልዕ ማል ደቂስካ ዘሎኻ ሕጻን ንኣኻ እንክሓቊፍ ንሕይወት እየ ዝሓቊፍ። እንጌራ ሕይወት ዝኾንካ ንኣኻ እንክቅበል ኣነ እውን ሕይወተይ ከወፊ እምነ። ኣታ እተድሕነኒ ንከገልግል መሃረኒ። ኣታ ፈጺምካ በይነይ ዘይትሓድገኒ ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ከጸናንዕ ሓግዘኒ ከመይ ካብዛ ለይቲ ልደት ጀሚሮም ኩሎም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምዃኖም ንስኻ ትፈልጥ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

25 December 2020, 19:31