ኢየሱስ ብኩሎም ዝተነጽገ ኮይኑ ብምውላዱ ዝተጐስዩ ኩሎም ደቂ እግዚአብሔር ምዃኖም ገሊጹልና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ንታሪኽ ድሕነትና በሪ ዝኸፈተ በዓለ ልደት እንተንፈልጦ ክሳብ ክንደይ ዕድለኛታት ምዃን ምተሰቈረና ይብሉ እሞ ናብ ዕሽነትና ምናዳ ኸኣ ሠናይ ነገር ንዝምልከት ዘሎና ድንቊርናን ብዙሕ ነገር ንክንውንን ዘሎና ህርፋን ዘይረዊ ሃረርታን ውሒጡና ነቲ ቀንዲ መብልዕ ማል ናይ ቤተልሔም ገዲፍና ንባዕልና ኣብ ናይ ከንቱነት መብልዕ ማል ነንገርግር እንክብሉ ካብዚ ውሒጡና ዘሎና ፍርሓትን ተስፋ ቊርጸትን ክንወጸሉ እንኽእል እንኮ መንገዲ ነቲ መወዳእታ ኣልቦ ፍቅሪ እግዚአብሔር እሞ ኸኣ ብነጻ ዝዕደለና ትዕድልቲ ብምስትንታን ፍቁራት ደቂ እግዚአብሔር ምዃና ምዝካር ጥራይ ከም እትኣኽለና ገሊጾም። ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ቅዳሴ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ኢሳያስ ‘ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና’ ንዝብል ምናዳ ኸኣ ነታ ንዓና ተዋሂቡና ዝብላ ቃላት ሓይለን ደጋጊሞም ገሊጾም። ሽሕ’ኳ ብውሱን ቊጽሪን ሰዓታትን እንተነበረ እቲ ቅዳሴን ብውዕውዕ መንፈሳዊ መዛሙር ልደት ዝሞቈ ሓጐስ ዝዓሰሎ ምሸት ነበረ። ከምቲ ግዜኡ ዝእዝዞ ገለ ኣማእት ዝዀኑ መሸፈኒ ማስከራ ዝገብሩ ምእመናን ከምኡ እውን ውሉደ ክህነት ነበሩ። ንቅዱስነቶም ኣብ ቅዳሴ ርሕቀቶም ሓጊዞም ዝተራድኡ ብፁዓን ካርዲናላት ጆቫኒ ባቲስታ ረን ለዮናርዶ ሳንድርን ብየማነ ጸጋሞም ነበሩ።
ልቢ ተስፋን ዳግመ ልደትን!
ቀንዲ ትርጉም ልደት ‘እግዚአብሔር ከም ውሉድ ናብ ምድሪ ይመጽእ እዚ ከኣ ንሕና ውሉድ እግዚአብሔር ምእንቲ ክንከውን እዩ። እዚ ብሓቂ ዘደንቅ ትዕድልቲ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ንስኻ እተደንቅ! ንስኺ እተደንቂ ኢኺ ይብልና ኢሎም። ንዘሎና ፍርህን ምጥርጣርን ብከመይ ከም እንሸንፎ ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ምናልባት ብዓቅምና ብሓይልና ብመንፈዓትና ከይመስለና ከምቲ ደጋጊሞም ዘዘኻኽርዎ ቅዱስነቶም እዚ ፍቅሪ እዚ ካባና ከይምዘይኮነ ብኣና ከምዘይጽሎ እንታይ ደኣ ብነጻ እንዕደሎ ምዃኑ ገሊጾም። በዛ ለይቲ እዚኣ ይብሉ ቅዱስነቶም እንትርፊ ኣብ ጸጋ ካልእ መግለጺ ክንረኽበሉ ኣይንኽእልን። ላዕሊ ንበል ታሕቲ ኣብ ዘበልና ኣቢልና ኩሉ ብነጻ ዝዕደል ጸጋ ምዃኑ ጥራይ ከም እንግዘብ ገሊጾም። እንተኾነ ደቂ ሰባት ዘይረዊ ሃረርታን ድንቊርና ሕያውነትን ዝጐብኣና ስለዝኾነ ፍቅሩ ብግዲ የድልየና ኢሎም።
ጐደሎ ብምዃና ፍቅሩ የድልየና እዩ!
ቅዱስነቶም ንምልክታት ቤተልሔም ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ መብልዕ ማል ኣምሳል ዕለታዊ እንጌራ እንረኽበሉ ጎጆ ብምቅራብ ከምቲ ከብቲ ንክነብራ ኣብቲ መብልዕ ማል ክምገባ ዘለወን ንሕና እውን ንክነብር እዚ ሕያው ፍቅሪ ኣምላኽ ብግዲ ከምዘድልየና ገሊጾም። እንተ ኣብ ሕይወትና ክንደይ ግዜ ኢና ክንዲ እቲ ሓቀኛ መግቢ ዝኾነ ሕይወት ዝህብ ቃል ሕይወት እንመርጽ ብኣንጻሩ ጥሜት ምዝንጋዕ ንክነጽግብ ዕውታት ናይ ምዃንን ዓለማዊ ከንቱነት ጽምእን ጥሜትን ወሪሩና ንኣኡ ክንዕንግል እንቃለስ ክንደይ ግዜ ይሓልፍ እንተኾነ እዚ መግቢ እንብሎ ሕይወትና ባዶ ከምዝኸውን ገሮም ጥሜትና ኣይዕንግሉ ጽምእና ኣየርውዩ።
እግዚአብሔር ብድኽነትና ዓበይቲ ነገራት ይፍጽም!
ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ትርጉሙን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ወልደ እግዚአብሔር ኣብ ድኻ መብልዕ ማል ይውለድ በዚ ከኣ ሰብኣዊ ኩነትና ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቀሮ የረድኣና። ነታ ዝሓሰመት ከርፋሕ ናብራናን ምስኪነትናን ብፍቅሩ ክሳብ ምትንካፍ ይበጽሕ።
ፍቅሩ ኣይልወጥን እንታ ደኣ ይልውጠና!
እግዚአብሔር እዚ ኩሉ እንክገብረልና ደቂሰባት ግን ምስጋና የለ ፍትሒ የለ ኩሉ ብኣንጻሩ ኣብ እንጐዓዘሉ ከመይ ኢሉ እዩ ዘይቀብጸና ቢልና ክንጠራጠር ከም እንኽእል ዝገልጹ ቅዱስነቶም እግዚአብሔር ነዚ ክገብሮ ኣይክእልን ከመይ ክሳብ ሞት ስለዘፍቅረና ኢሎም።
ንድኻታት ብምግልጋል ንኣኡ ነፍቅር!
ዝኾነ ፍጡር ዘመደ ኣዳም ሓደ ንእሽቶ ሕጻን ዘለዎ ዘበለ ክንደይ ፍቅርን ትዕግሥትን ከምዘድሊ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ። እዚ ተመኲሮ እዚ ዝምህረና ዓቢ ነገር ኣብ ቅድሚ ዝሳቀ ክንበኪ ዘይኮነ ክነጸናንዖ ክንዕጠቅ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ድኻን ሓገዝ ዘድልዮን ኰይኑ ኣብ መንጎና ይሓድር በዚ ከኣ ንድኻታት ብምግልጋል ንኣኡ ከም እነፍቅር ይምህረና። ኤሚልይ ዲክሰን ትበሃል ሥነ ጥበባዊት ነዚ ብቃላት ጥበብ እንክትገልጾ ‘መንበሪ እግዚአብሔር ኣብ ጥቃ ናተይ መንበሪ እዩ ኣቊሑ ገዛኡ ከኣ ፍቅሪ እዩ’ እንክትብል እቲ ስለና ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር እውን ፍቅሪ ንፍቅሪ ኰይኑ እንክመጸና እቲ ድኹም ብኽያት ናይዚ ሕጻን ነቶም ዘሻሉና ቈጺርና ዘይንውድኦም ከንቱ ዝኾኑ ነገራት ከምዘይጠቅሙና ይምህረና ምስ በሉ በዛ ጸሎት እዚኣ ስብከቶም ዛዘሙ።