ዒራቅ-ሞሱል፥ ቤተ ክርስቲያን ዒራቅ-ሞሱል፥ ቤተ ክርስቲያን 

ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ካብ ዕለት 5-8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዒራቕ

ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ አገሻ ኣብ ባግዳድን ኣብቲ ምስ ታሪኽ ኣብርሃም ዝተተሓሓዘ ታሪኻዊ ስፍራ ሰጣሕ ጐልጐል ኡርን ኣብ ከተማ ኡርቢልን ኣብ ሞሱልን ቃርቆሽን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2019 ዓ.ም. መወዳእታ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ሓዋያዊ መገሻ ከምዘየካየዱ ክዝከር እንከሎ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ባጋዳድን ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኡርን ኤርቢልን ሞሱልን ቃራቖሽን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነርባዕተ መዓልቲ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎምን፡ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ ተሰሪዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ብናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ መንግስትን ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘቕረብሎም ዕድመ መሰረት ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ አገሻ ኣብ ባግዳድን ኣብቲ ምስ ታሪኽ ኣብርሃም ዝተተሓሓዘ ታሪኻዊ ስፍራ ሰጣሕ ጐልጐል ኡርን ኣብ ከተማ ኡርቢልን ኣብ ሞሱልን ቃርቆሽን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም ዝሓብሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓልፊ ብሩኒ ኣስዒቦም ናይቲ መገሻኦም ወግዓዊ መርሓ ግብሪ ናብ ኢራቕ ቅድሚ ምንቃሎም ቁሩብ መዓልታት ክሕበር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ንዝርከብ ሕዝብን ሃገርን ቅርበቶም ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 10 ሰነ 2019 ዓ.ም. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያ ዝሓልይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝስለገስዎ ቃል፥ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም ከምዝነበሩን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 25 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊክ ዒርቕ ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብቲ ርክብ እውን ብዛዕባ ኩነታት ዒራቕን ንዒራቕ እቲ ዓቢይ ብድሆ ምርግጋእ ምዃኑን ናይ ሃገረ ዒራቕ ሉኣላውነት ዘኽብርን ናይ ሕዝቢ ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ዝገብር መፍትሒ ክህሉ ዝድግፍ ኵነት ክፍጠር ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብታ ሃገር ህልውና ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ መጻኢ እታ ሃገር ግቡእ ስፍራኡ ውሑስ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ተገሊጹ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የዘኻኽሩ።

ኣብ  ዒራቕ ካብ 2003 ዓ.ም. ቅድሚ እቲ ናይ ሳዳም ሁሴን መግስቲ ምውዳቕ ብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን 1.4 ሚሊዮን ከምዝነበረን እቲ ውግእ ዝፈጠሮ ራዕድን ስዒቡ እውን ሰጣሕ ጉልጎል ነነዌ በቲ ገዛእ ርእሱ እሳላማዊ መንግስቲ ቢሉ ብዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ምስ ተተሓዘ ካብ 2014 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ብዝሒ ክርስቲያን ናብ 300 ሺሕ ክሳብ 400 ሺሕ ክጐድል ከምዝገበረን ክፍለጥ እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ኣብ ዒራቕ ናይ ማሕበረ ክርስቲይን ክቡር ዋጋን ኣብ ሕንጸት እታ ሃገር ዘለዎም ግደ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉን ነዚ ሓሳብ እዚ መራሔ መንግስቲ ዒራቕ ሙስታፋ ኣል ካዘሚ እውን ብወገኖም ኣቃሊሖም ብዓመጽን ውጥረትን ምኽንያት ዝተሰዱ ማሕበረ ክርስቲያን ተመሊሶም ኣብ ናይ ሃገሮም ሕንጸት ክዋስኡ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዒራቕ ዓመጽን ውጥረትን ምግባረ ብልሽውናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝብልና 1.7 ሚሊዮን ዜጋታትን ዝኣመሰሉ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ንናይታ ሃገር ዳግመ ሕንጸትን ምዕባለን ዓቢይ ብድሆ ከምዝኾነን፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር ኣብ ዒራቕ ፍርቑ ብትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሽፈን ብጠቕላላ 1,7 ሚሊዮን ዜጋታት ዒራቕ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮን፡ ስእነት ኣፋውስን ስእነት ብቑዕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ዜጋታት ዒራቕ ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞም ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዒራቕ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሓንቀውታ ይጽበይ ከምዘሎን ቅዱስነቶም እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዙሕ እዋን ዝምነይዎ ዝነበረ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይፈጸመዎ ሓዋርያዊ መገሻ ክኽውንዎ ናይ ኩሉ ተስፋ እዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዒራቕ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 3 ታሕሳስ 1999 ዓ.ም. ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዝነበሮምንን ኣብቲ እዋን ምስ ርእሰ ብሔር ሳዳም ሁሴን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከምቲ ዝተሓሰቦ ውጽኢት ብዘይምርካቡ ምኽንያት ተሰጋጊሩብን ከይተፈጸመ ከምዝተረፈ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ልክዕ ድሕሪ 20 ዓመት እቲ ድላይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክኽወንዎ ከምዝዀኑ የመላኽት።

08 December 2020, 13:23