ኣብ ጒዕዞ እንርከብ ዘይንረብሕ ኣገልገልቲ ምዃና ዘኪርና ካብ ግጭት ንህደም! ር.ሊ.ጳ ንኣባላት ኩርያ

ዓመት መጸ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሣልስቲ ልደት ዕለት 21 ወይውን 22 ታሕሳስ ንኩሎም ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ኣማኸርቶምን ሓገዝቶምን ከምኡ እውን ንብምሉኦም ሠራሕተኛታት ቅድስት መንበር ኣብ ፍሉይ ቤትጽሕፈቶምን ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይን ብምእካብ ሰላምታኦምን ምስጋናኦምን ከምኡ እውን ቃለ ምዕዳኖምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምልጋስ ብሩኽ በዓለ ልደት ይምነዩሎም። ሎምዘመን እውን ከም ዝሓለፉ ዓመታት እኳ ብቀረባ ሰላም ክብልዎምን ክባርኽዎምን እንተዘይከኣሉ ብማዕዶ ንክልቲኦም ረኺቦም ኣብ ዝተቀበሉሉ ንኣባላት ኩርያ ሮማና ‘ኣብ ጒዕዞ እንርከብ ዘይንረብሕ ኣገልገልቲ ምዃና ዘኪርና ካብ ግጭት ንህደም’ እንክብሉ ብትሕትና ግቡኦም ክፍጽሙ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ኣብ ሸቀልቀልን ቅልውላውን ስለዝሸመመ ናይ ሎምዘመን ሰላምታ ቅዱስነቶምን ቃለ ማዕዳኦምን ካብዚ ክወጽእ ብዘይምኽኣሉ ነቲ ዳርጋ ዓመት ከቊጽር ጀሚሩ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19ን ዘስዓቦ ጸገምን ዘማእከለ ቃለ ማዕዳ ኣብ ዝሃብዎ ቅዱስነቶም ‘ኣብዚ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሰዓበ ቅልውላው እንክነስተንትን ካብቲ ወትሩ ፈታኒ ዝኾነ ንቤተክርስትያን በቲ ትማልን ሎምን ዝገበረቶ ዕንቅፋት ተቀዳዲምካ ካብ ምፍራድ ይሕልወና። በዚኸስ ንቅልውላው ምስ ግጭት ክነደናግር ከምዘይብልና ነስተውዕል። ከመይ ብዙሕ ግዜ ቅልውላው ብዙሕ ደኣ የቃልሰካ እምበር ውጽኢቱ ኣዎንታዊ እዩ። እንተ ግጭት ግን ምስሕሓብ ፈጢሩ ከምዘይትቃዶ ይገብር። ስለዚ ካብዚ ዘሎናዮ ቅልውላው እንመሃሮ እንታይነትና ተገንዚብና መንፈስ ቅዱስ ብዘብርሃልና ክንጥቀም ኣሎና። ከመይ ንቅልውላው ብብርሃን ወንጌል ክንጥምቶን ክንግንዘቦን እንተዘይክኢልና ዳርጋ ናይ ሓደ ሬሳ መጽናዕቲ ዘካይድ መርማሪ ኢና እንኸውን።’ እንክብሉ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ቡራኬ መንበረ ጴጥሮስ ዝተቀበልዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኩርያ ሮማና ምዒዶም። እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኩርያ እንብሎም ኮልጅ ብፁዓን ካርዲናላትን ሓለፍቲ ላዕለዎት ቅዱስነቶም ቤትጽሕፈታትን ማሕበራትን ቅድስት መንበር ምዃኖም እዮም። 

ከምቲ ኣብ በዓቲ ዝተወልደ ሕጻን ምንም ኣጽዋር ኣይሃልወና!

ቅዱስነቶም ንዘሎና ግዜ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዘጋጠሙ ዓበይቲ ዕንወታት ውልቀመለኽቲ ብምትእስሳር ነቲ ዝነበረ ዕንወታት ንምዝካርን ካብኡ ዝተረኽበ ኣዎንታዊ ውጽኢት ንምግላጽ ሃና ኣረንድት እትበሃል ሊቅ ኣብ ዕንወታት ውልቀ መለኽቲ መበል 19 ክፍለ ዘመን ንዓለም ዘጽንዕ ተኣምር ክትርኢ ዝኸኣለት ነዚ ከኣ ኣብ ቁሩባት ቃላት ወንጌል ዝረኸበቶ ማለት ኣብታ ‘ሕጻን ኣብ ማእከልና ተወሊዱልና’ ዝብላ ቃላት ብስራት ነበረ። ኣብዚ እንመሃሮ ነገር እንተሎ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ኣብዚ ካብ ልደት ጐይታ እንመሃሮ ዓወት ብሓይልን ቅልጽምካ ብምልዓልን ዘይኮነ ንኩሉ ኣጽዋር ኣውሪድካ ከምቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝተረኽበ ሕጻን መከላኸሊ ዘይብልካ ምንም ኣጽዋር ዘይብልካ ጃለ ኰንካ ኣብ ዓወት ከም እትበጽሕ ንመሃር ኢሎም። ነዘን ሰለስተ ቃላት ማለት ብዘይ ኣጽዋር ምዃን ትሕትና ምልባስ ከምኡ እውን መሠረታውያን ኣድለይቲ ነገራት ጥራይ ምሓዝ ምዃነን ገሊጾም። ነዚአን ምስ እንሕዝ ግቡእ ቦታና ረኺብና ማለት እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመኽረና ማለት ከምቲ ጐይታ ኩሎም ዓለም ዝኾነ ኢምነትነት መሪጹ ብዓቢ ትሕትና ኣብ መንጎና ንክመላለስን ንከድሕነናን ፍቅሩ ብመስቀል ክሳብ ምግላጽ ዝበጽሐ ሕጻን ብምዝካር ንበዓቲ ልደት ብምስትንታን ነዚ ሎምዘመን ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ክነብዕሎ ንቀራረብ ንዘሎና ልደት እንትርፊ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዝብሎ ማለት ‘ንበዓቲ ልደት ብምስትንታን’ እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብልናን ኢሎም።

ሓለንጊ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብዚ ዘመኑ እነብዕሎ በዓለ ልደት ጐሊሑ ይረኤ ኣሎ። እዚ ከኣ ካብ ቅልውላው ጥዕና ጀሚርካ ክሳብ ቅልውላው ቊጠባ እኳ እንተተዘርበሉ ዝዓበየን ቀንዲ ጸገምን ግን ቅልውላው ቤተክርስትያንን ክርስትያናዊ ሕይወትን ኰይኑ ንመላእ ዓለም ኣንበርኪኹ ንዕዘቦ ኣሎና። ዓለምና ከምኡ እውን ቤተክርስትያን ብሓባር ንራኸበሉን ንነብረሉን ቦታ ምዃኑ ተሪፉ እቲ ልሙድ ጉባኤታትን ኩሉ ዝሳተፎ ሥሩዕ ሓባራዊ መደረን ቃል ሊቃውንቲ ብሓባር እትሰምዓሉን እትዝትየሉን ቦታ ምዃነን ኣቋሪጸን ኣለዋ። እዚ ሓለንጊ እዚ ሽሕ’ኳ መሪር እንተኾነ ንክልወጥን ንሓቂ ዳግም ንክንረኽባን ዓቢ ኣጋጣሚ እውን እዩ ኢሎም።

ንምሉእ ቃል ር.ሊ.ጳ ንምክትታል!

ንኩሉ ብዘይ ተስፋ ክትንትን ምፍታን ሓደገኛ እዩ!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዘቅረብዎ ሓሳብ ከምቲ ኣበው ‘ግቡር ናበይ ደሊኻ ናብ ንቡር፡ ንቡርከ ናብ ግቡር’ ዝብልዎ ከምዚ ናይ ዘመንና ቅልውላው ተራእዩ ኣይፈልጥን! እንድዒኸ ዝብል ጥርጣሬታት ንተስፋና ስለዘዕንው ብዘይ ተስፋ ዝግበር ትንታነ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግላጽ ናብ ታሪኽ ብሕልፊ ከኣ ናብ ታሪኽ ድሕነት ምልስ ኢልና ምስ እንዕዘብ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሓት ካብዚ ናትና ብዝገደደ ቅልውላውን ሓደጋን ከምዝሰገሩ በዚ ከኣ ታሪኽ ድሕነት ከምዝፈጽሙ ኣዘኻኺሮም። ንኣብነት ይብሉ ቅዱስነቶም ኣቦና ኣብርሃም ከምኡ እውን ሙሴ ዝሰገርዎ ቅልውላዋት ቅድመ ግንባር ኮይኖም ሕይወቶም ከይበቀቁ ድምጺ እግዚአብሔር ኮይኖም ዝመርሑ ኤልያስን ዮሓንስ መጥምቅን ሓዋርያ ጳውሎስን ብቀንዱ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያው ኣብነታት እዮም ኢሎም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተልእኮኡ ዝጀመሮ በቲ ዓቢ ቅልውላው ጾምን ፈተናን ሓሊፉ እንክኸውን ብዓቢኡ ከኣ ጌተሰማንን ቀራንዮን ናብ ትንሣኤን ድሕነትን ኣብጺሑና።

እዚ ትንተና እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ ትንተና እዚ ሓንሳእ ሓንሳእ ንማለቱ ዝተግብረ እሞ ከም ታሪኽ ብዘይ ምንም ተስፋ ክግበር እንከሎ ምናዳ ኣብ ቤተክርስትያን ኣጸጋሚ እዩ። ከመይ ንኩሉ እተብርህ ተስፋ ስለዝኾነ ብዘይ ተስፋ ዝግበር ትንተና በተን ሓጺር ርሕቀት ንሱ እውን ዘይንጹር ጠመተ ክገብራ ብዝኽእል ኣዕይንትና ንእመን እሞ ክንጸድፍ ንኽእል። እንተዘየሎ እታ እግዚአብሔር ንዘርኢ መንግሥቱ የዕብያ እንብሎ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢሎም።

እዛ ዘርኢ መንግሥቲ ኣምላኽ ወትሩ ምስ ዓበየት ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ብኣና በቶም ኣብ ኩርያ ሮማና እንሠርሕ እውን ከም እትብዓቢ ነዚ ምስክርነት ዝኾኑ ከኣ ብዙሓት ትሕትና ተላቢሶም ዕለት ዕለት ጽፉፍ ሥራሕ ብሱቊታ ብተኣማንነት ብምሥራሕ ዝህብዎ ምስክርነት ኩርያ ጠቂሶም። እዚ ኰይኑ ከብቅዕ ግን ግዜና ዘቅርቦ ጸገማት እውን ከምዘሎ ኣይሓብኡን። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ጐይታ ንሕዝቡ ፈጺሙ ኣይሓድግን። ሽሕ[ኳ እቲ ጸገማት ኣብ ጋዜጣታት ብኡ ንብኡ እንተተዘርግሑ እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ምልክታት ተስፋ ዳርጋ ኣይዝረበሉን ኢሎም።

ጸገማትን መፍትሒኦምን ናብ ዝብል ሓሳብ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ኣብ ጽባሕ ጵጵስናኦም ዝጀመርዎ ሕሳሴ ቤተክርስትያን ምናዳ ከኣ ኣብ ምሕደራ ዝግበር ሕዳሴ ብኡ ንብኡ ዝመጽእ ንኩሉ ዝለዋውጥ ከይመስለና ኣሕጽር ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ።

ሕዳሴ ቤተክርስትያን ከምዚ ንዝተቀደደ ኣረጊት ክዳን ብኡ ንብኡ ምልጋብ ወይውን ሓደ ሓዲስ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣዊጅካ ብቀሊሉ ዝሕለፍ ኣይምሰልኩም። ሕዳሴ ቤተክርስትያን ካልእ ጉዳይ እዩ። ተኣፋፍነትና ንብሥራት ወንጌል ክዕንቅጾ የብሉን። ተግራጫዊ ሥነ ሓሳብ ምጉጅጃል ክውገድ ኣለዎ ኢሎም።

ተኣፋፍነትና ንብሥራት ወንጌል ከይዕንቅጾ ንጠንቀቅ!

ቅዱስነቶም ኣብታ ክትውገድ ኣለዋ ዝበሉ ካልአይቲ ሓሳብ ማለት ግጭት ስግር ይብሉ እሞ እዚ ከም ሳዕቤን ናይቲ ልሙድ ኣመለኻኽታ ማለት የማን ዘመምዶ ጸጋም ዘመም ገስጋስዶ ዓቃባዊ ዝብላ ኣምራት ኣብ ምክፍፋልን ምስሕሓባን ኣጥሒለን ባህርናን ተልእኮናን ዘጥልማ ኣምራት የተኲሩ እሞ፡ ‘ቤተክርስትያን ካብዚ ኩሉ ፍልይ ኢላ ብግጭት ዘይኮነ ብቅልውላው እናሰገረት ትነብር። ከመይ ሕያው እያ። ፈጺማ ናይ ግጭት ቦታ ክትከውን የብላን። ዘሸንፍ የለ ዝሽነፍ የለ። ከም ሓቁ እዚ ሥነ ሓሳብ እዚ ፍርሒ ድርቅና ፋሕፋሕ ኣታኣታትዩ ነቲ መንፈስ ሲኖዶስ እንብሎ ሓድነት ናብ ዕብለላ ጠውዩ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህበና ሓድነት ኣብ ብዙሕነት የዕኑ። ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ኩሉ እቲ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምዝንጋዕ ባዕልና ንባዕልና ካብ ቅልውላው ክንወጽእ እንገብሮ ግድል ፋሕፋሕ ኣቢሉ ነንበይንና ከም እንተርፍን ምንም ፍረ ከምዘይንፈርን ይገብረን ኢሎም። ስለዚ ዝኾነ ቅልውላው እንከጋጥም ወትሩ ቅኑዕ ግምግማ ከምዘድሊ እሞ ናብ ተሓድሶ ክንስጉም እንተተደልዩ ድኻምነትና ተኣፋፍነትናን ክንቅበል እሞ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ነፍቅድ። ሓቀኛ ተሓድሶ ዝተቀደደ ብላይ ክዳን ምልጋብ ዘይኮነ ዘሎና ተኣፋፍነት ንብሥራት ስብከተወንጌል ዕንቅፋት ከይከውን ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።

 ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃለ ምዕዳኖም ግጭት ክነወግድ ኣሎና ናብ ትብል ሓሳቦም ምልስ ኢሎም ‘ግጭት ኩሉ ግዜ መውጽኢ ኣብ ዘይርከቦ ዕንኪላሎ እዩ ዘእተወና ብከንቱ ሓይልና የውድኣና ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ሕሜታ የውርደና። ስለዚ ኣብ ጒዕዞ ከምዘሎና ተገንዚብና ብተስፋ ንቅድሚት ንገስግስ’ ኢሎም። ነታ ጐይታና ኢየሱስ ብዛዕባ ኣገልግሎት ዝበላ ማለት ዝኾነ ነገር እንተፈጸምኩም ዘይንረብሕ ኣገልግልቲ ኢና ግቡእና ፈጺምና ንዝብላ ቃላት ካብ ባዕሎም ጀሚሮም ኩሎም ኣባላት ኩርያ ንክጥቀሙለን ብምዝኽኻር ‘ንሕና ኩልና ካባይ ጀሚርኩም ጐይታ ምሕረቱ ዝጸገወና ዘይንረብሕ ኣገልግልቲ ኢና’ እክብሉ ቃሎም ሃቡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 December 2020, 13:21