ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞዛምቢክ ንሕዝቢ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞዛምቢክ ንሕዝቢ ዞባ ካቦ ደልጋዶ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞዛምቢክ ንሕዝቢ ዞባ ካቦ ደልጋዶ

ናይ ሰበኻ ፐምባ ጳጳስ ይብሉ፥ “ቅዱስ ኣቦና ህልው ኩነታት ሞዛምቢክ ብቐረባ ከምዝከታተሉን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሕዝቢ እውን ብዘይ ምቁራጽ ከምዝጽልዩን ኣረጋጊጾምለይ፡ እዚ እውን እንርእዮ ሓቂ እዩ”

ዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢክ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዘሎ ናይ ተፈጥሮጸጋታት ንምቑጽጻር ብዝካየድ ዘሎ ዕጥቓዊ ግጭት ምኽንያት ሕዝቢ ይመዛበልን ይስደድን ንሰብኣዊ ጸገም እውን ይቃላዕ ከምዘሎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ መሰረት ብምግባር ብብጹዕ ኣቡነ ፐምባ ልዊዝ ፈርናንዶ ኣቢሎም ነቲ ንስቓይን መከራን ዝቃላዕ ዘሎ ሕዝቢ ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ንናይ ዞባ ፐምባ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ልዊዝ ፈርናንዶ ሊስባኦው ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ብጹዕነቶም ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ንሕዝቢ ሞዛምቢክ ብፍላይ ንተቐማጦ ፐምባ ቅርበቶም ከምዘረጋጹሎምን ኣብቲ ነርበዓ ደቓይቕ ዝተኻየደ ርክብ እውን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሞዛምቢክን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ፐምባ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብናይ ተፈጥሮ ጸጋ ሃብታም ዝኾነ ቦታ ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሞትን ምዝብልናን ከምዝገለጹሎምን ኣብ 2010 ዓ.ም. ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ተፈልዩ ካብ ዝተረኽበሉ ዕለት ንነጀው ነቲ ከባቢ’ቲ ንምቁጽጻር እስላማውያን ዕጡቓት ሓይሊ ሰሊኾም ዝተጸምበርዎ ኮይኑ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ዕጥቓዊ ግጭት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ ብውሑዱ ክልተ ሺሕ ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ኵለ መደያዊ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎን ኣብ መላእ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ኣስታት 600 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተመዛበሉን ካብኣቶም እቶም 150 ሺሕ ጥራሕ ኣብቲ ናይቲ ኣውራጃ ርእሰ ከተማ ፐምባ ዝርከቡ ምዃኖም እውን ከምዝሓበርዎምን፡ ብዛዕባ እዚ ከቢድ ሰብኣዊ ጸገም እዚ እውን ከምእተመያየጡ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓመት ንሰበኻ ፐምባ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ከምዝገበሩን ዕለት 12 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቱ ንሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ኣብ ዝሃበሉ ዕለት እውን ኣብ ሞዛምቢክ ዘሎ ቅልውላው ዘኪሮም፡ ሰላም ክወርድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ምስ ቅዱስነቶም ብስልኪ ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብቲ እዋን እቲ እውን ቅርብቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጽሎም የዘኻኽሩ።

ቅዱስነቶም ዞባ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ዓለም ክትፍለጥ ከምዝገበሩን፡ ናይ ሕዝብን ናይቲ ከባቢ ስቓይን ቆላሕታ ክግበረሉን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 2019 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ኣብ ሞዛምቢክ ብዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣቢሎም፡ ህልው ኩነታት ሞዛምቢክ ንዓለም ክርአይ ከምዝገበሩን፡ እዚ ናቶም ቆላሕታ’ዚ መሰረታዊ እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ክህበሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብን መፍትሒ ከናድየሉን ዘነቓቕሔ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሕዝቢ ሞዛምቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽቐርበሉ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ናይ ሰበኻ ፐምባ ጳጳስ ይብሉ፥ “ቅዱስ ኣቦና ህልው ኩነታት ሞዛምቢክ ብቐረባ ከምዝከታተሉን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሕዝቢ እውን ብዘይ ምቁራጽ ከምዝጽልዩን ኣረጋጊጾምለይን፡ እዚ እውን እንርእዮ ሓቂ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 December 2020, 00:56