መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገር ቫቲካን ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገር ቫቲካን ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. 

ናይ ፍራንቸስኮን ወልባይን ፋይርን መልእኽቲ ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ

እንከጠቓልሉ “ኣብዚ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ - ይብሉ - ኣብ መንጐዅም ዓቢይ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ሕዝብኹም ኣብ ምግልጋል ናይ ዓቢይ ልግሲ ተመክሮ ክትገብሩ ንጽልይ፡ ኣብ ልብኹምን ኣብ ልቢ ናይታ ዓባይ ሃገር ሕዝቢ ሰላም ልዕሊ ዝኾነ ይዅን ኣስተውዕሎ ከምዝኾነ ኣፍልጦ ክህልወኵም ንጽልይ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንግሊካን ቀዳማውን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ኣላዛብን ብሓባር፥ “እዅል ከምዘይኮነ እንፈልጦ እውን እንተኾንና ናብ ሰላም ንኽብጻሕ ዝካየድ ዘበለ ኵሉ ጻዕሪ ብቐረባ ንኽንርእዩ ሓጐስ ይስምዓና” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናብ ደቡብ ሱዳን ብሓባር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ዘለዎም ድላይ ዝገለጽሉ መልእኽቲ ንናይታ ሃገር መራሕቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሕዝብኹም ናይ ሰላም ውጽኢት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕር እዅል እውን ኣይኹን ዘርኣኽምዎ ነኣሽቱ ምዕባለታት ብቐረባ ንኽንርእይ ሓጐስ ይስምዓና” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ጉባኤ ኣላዛቢ ማርቲን ፋይርን ብሓባር ክኡል ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ዘለዎም ድላይ ዝገለጽሉ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብዚ ናይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ እዋን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ሰባት ናብ ዓለም ኣብ በዓቲ ተወሊዱ እቶም ኣብ መንግስቱ ዓበይቲ ክኾኑ ዝደልዩ ናይ ኵሉ ኣገልገልቲ ክኾኑ ከምዘለዎን መሃረና፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ስለ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ጸሎትና ዝኩር ምዃኑ እናዘኻኸርና፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነገራት ኵሉ ናብ ንቡር ኩነት ምስ ዝምለስ ብሓባር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከነካይድ ዘሎና ቁርጺ ድላይ ክንገልጽ ንፈትው” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ሰለስተ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምሉእ ሰላም ንኽብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ተበጽሖታቱን ዘሐጐሶም እውን እንተኾነ፡ እዅል ከምዘይኮነ ኣዘኻኪሮም፡ ኣብታ ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይ ዝተወለወጠት ሃገርን - ከምቲ ናይታ ሃገር መራሕቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝተራኽብሉ እዋን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ - መራሕታ ኢድ ንኢድ ዝተሓሕዙላን ናይ ሃገሮም ኣቦታትን ኣዴታትን ከምዝኾኑ ከም ተራ ዜጋታት ስሙራት ናይ ምዃኖም ምስክርነት ክኸውን ንምነይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍራንቸስኮን ወልባይን ፋይርን መልእኽቶም እንከጠቓልሉ “ኣብዚ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ - ይብሉ - ኣብ መንጐዅም ዓቢይ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ሕዝብኹም ኣብ ምግልጋል ናይ ዓቢይ ልግሲ ተመክሮ ክትገብሩ ንጽልይ፡ ኣብ ልብኹምን ኣብ ልቢ ናይታ ዓባይ ሃገር ሕዝቢ ሰላም ልዕሊ ዝኾነ ይዅን ኣስተውዕሎ ከምዝኾነ ኣፍልጦ ክህልወኵም ንጽልይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ ናብታ ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ናጻ ሃገር ኮይናን ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ናጽነት ዓሌት መሰረት ኣብ ዝገበረ ኣብ መንጐ ካብ ዓሌት ዲንካ ዝኾኑ ርእሰ ብሔር ኪርን ምኽትሎም ካብ ዓሌት ኑወር ዝኾኑ ነበር ርእሰ ብሔር ማቻራን ኣብ ኣድማዪ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ተኣሊኻ ንዝነበረት ሃገረ ድቡብ ሱዳን፡ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ጉባኤ ኣላዛብን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ መልእኽቲ ቅርበቶምን ጸሎቶም ዘረጋግጽ እዩ።

እቲ ካብ 2013 ዓ.ም. ተባሪዑ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ውግእ 400 ሽሕ ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ኣርባዕቲ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ እውን ከምዘመዛበለን ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ እታ ሃገር እቲ ፍርቁ ንጥምየት እውን ከምዝዳረገን ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ሕድ ሕዳዊ ግጭት ዝፈትሕ ስምምዕ ከምእተፈረመን ድሕሪ እዚ ስምምዕ እዚ እውን ናይታ ሃገር ኵነት ዝተሓላለኸ ኮይኑ ከምዝቐጸለን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ስርሒት ሓላፊ ዳቪድ ሺረር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰላም ስምምዕ ትግባረ ዘገምታዊ ምዃኑን ሕዝቢ ዓመጽ ዝሰገረን ሰብኣዊ ጉዳይ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝበጽሔን ስእነት መግቢ እውን ኣሎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናይ ደቡብ ሱዳን  ርእሰ ብሔር ኪር ማያርዲትን ምኽትሎን ራይክ ማቻራ ተንይ ዱጎንን ታባን ደንግ ጋይን ናይ ነፍሰ ሄር ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ጆን ጋራንግን በዓልቲ ቤት ረበካ ደ ማቢዮን ምእንቲ ሰላም ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣአንጊዶም ከምዝነበሩን ኣብ ፍጻሜ እቲ ሱባኤ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማንም ከይተጸበዮ ተንበርኪኾም ምእንቲ ሰላም ናይቶም መራሕቲ ኣእጋር ክስዕሙ ከምእተራእየን እቲ ዝፈጸምዎ ናይ ትሕትና ተግባር ዘይርሳዕ ኣብ ልቢ ኵሉ ተሓቲሙ ዝተረፈ ሰላም ዝላበው ተግባሮም ብብዙሓት ዝዝከር እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

26 December 2020, 19:01