ር.ሊ.ጳ.፥ ንማርያም ብምጥማት ሕይወትና ናብ ህያብ ንልውጥ

ንሱ ኣትረፍሪፉን ብምልኣትን እዩ ዝጽግው፡ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለሉ ፍድፋድ ኣሎ፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዘወፍይ ከም ምልኣትን ኣብ ምልኣትን እዩ

ዕለት 12 ታሕሳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥ ፍድፋድን ቡራኬን ጸጋን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ነታ ካብ ዕለት 9 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 1531 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ከተማ መክሲኮ ኣብ ኮረብታ ተፐያች ንሓደ ተወላዲ ደቀባት ኣባል ንዝኾነ ደሓር ኣብ 2002 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድስና ዝኣወጅሉ ኹዋን ዲየጐ ዝተገልጸት ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሓላዊት ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ፡ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ ዘብዓለትሉን ዝኽሪ መበል 125 ዓመት ዘውደ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥ “ንማርያም እንክንጥምት “ፍድፋደን ቡራኬን ጸጋን” ዝብሉ ሰለስተ ጭቡጢ ኩነታት ነስተንትን እንክብሉ ኣብዘን ሰለስተ ካላት ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍድፋድ

እግዚኣብሔር ወትሩ ገዝእ ርእሱ ብምልኣትን ፍድፋድን እዩ ዘወፍይ፡ ወትሩ ኣብዚሑ እዩ ዝጽግው፡ ንሱ ክሳብ ክንደይ ዝብል ዓቕን ኣይፈልጦን እዩ፡ እግዚኣብሔር ምልኣት እዩ፡ ኣንሕና ብዘሎና ብውስንነት ባህርይ መሰረት ዝሰማምዓና መጠን ዓቐን ንገብር፡ ንሱ ኣትረፍሪፉን ብምልኣትን እዩ ዝጽግው፡ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለሉ ፍድፋድ ኣሎ፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዘወፍይ ከም ምልኣትን ኣብ ምልኣትን እዩ፡ ለጋስነት እግዚኣብሔር፡ ናይ እግዚኣብሔር ውስንነት ገዛእ ርእሱ ብምልኣትን ፍድፋድን ዘይምሃብ ዘይከኣሎ ኣብ ምዃኑ እዩ።

ቡራኬ

ናይ ማርያም ምስ ኤሊዛቤጥ ምርኻባ ቡራኬ እዩ፡ ቡራኬ ብላቲን ቋንቋ benedicere -  ጽቡቕ ምባል ማለት እዩ ዘስምዕ፡ እግዚኣብሔር ካብ ቀዳሞት ገጽ ኦሪት ዘፍጥረት ኣትሒዙ ኣብቲ ናቱ ጽቡቕ ምባል ኣላሚዱና እዩ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምእነንብቦ ሰናይ - ጽቡቕ ምዃኑ ድማ ረኣየ ዝብል እዩ፡ እቲ ካልኣይ ቃል ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እነንብቦ፥ ኩሉ ጽቡቕ ከምዝኾነ ርኣየ ዝብል እዩ፡ ጽቡቕ ምባል ናይ እግዚኣብሔር ኣገባብ እዩ፡ እርግማን ከኣ ናይ ዲያብሎስ ቋንቋ እዩ፡ . . . ።

ጸጋ

እቲ ሳልሳይ ቃል ከኣ ጸጋ ዝብል እዩ፡ እዚ ፍድፋድን ጽቡቕ ምባልን ጸጋ ወይ ህያብ እዩ፡ ካብቲ ኵለንተናኡ ጸጋ ዝኾነ ዝመጽእ ህያብ፡ ኵሉ ኣብኡ ዝተባርከ እዩ፡ በታ ጸጋ ዝመልኣኪ - እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ ዝተበሃለላ ኣቢሉ ንዓና ዝተወሃበ ጸጋ፡ ንሳ ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺን፡ እቲ ጸጋ ዝመልኣኪ ኣብኣ ኢየሱስ እቲ ዝተባርከ ብራኬ ኮይኑ ዝመጽእን ዝባርኽን እዩ፡ ሎሚ ናይ ኣዴና ተክለ ሰብነት ከነስተንትን እንኮለና ካብ እግዚኣብሔር ርህራሄን ፍድፋድን ምብራኽን ፈጺሙ መርገም ዘይፈልዮ ሕይወትና ዝልወጥን ጸጋ፡ ንኹሉ ዝኾነ ጸጋ ኣገባብ ካብኡ ንረክብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግልጸት ማርያም ኣብ 1531 ዓ.ም.

መክሲኮ ብሳፓይናውያን ምስተወረት ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ማርያም ንሓደ ተወላዲ ደቀባት መክሲኮ ኹዋን ዲየጎ ዕለት 9 ታሕሳስ 1531 ዓ.ም. ትግለጸሉ፡ ኣብቲ ስፍራ ቤተ ጸሎት ክትሕንጸት ንናይቲ ከባቢ ኣቡን ክነገር ትሕብሮ፡ ዲየጎ ከምቲ ዝበለተቶ ንኣቡን ምስ ነገረ እቶም ኣቡን ከይእመንዎ ይተርፉን ሓቂ እንተኾይኑ ምልክት ክርእዩ ይሓትዎ፡ ዕለት 12 ታሕሳስ ማርያም ኣብቲ ንቑጽ ኮረብታን እዋን ክረምቲ ኣብ ዝነበረሉን ጥዑም ዝጨናኡ ጽገሬዳ ተጠጥዕ ኹዋን ዲየጎ ነቲ ዕንባባ ብነጸላኡ ኣኪቡ ናብቶም ኣቡን ይኸይድ ኣብቲ ቤት ኣቡን ከይዱ ከኣ ኣብ ቅድምኤኦም እቲ ዕንባባ ዝሓዘ ነጸላኡ የቕርበሎም ኣብቲ መሬት ከኣ የንብሮ ብተኣምር ምስሊ ማርያም ኣብቲ  ነጸላኡ ተራእየ፡ እቶም ነዚ ዝረኣዩ ኣቡን እቲ ግልጸት ሓቂ ምዃኑ ኣሚኖም ኣብታ ዝሓተቶም ስፍራ ከኣ ቤተ ጸሎት ክሕነጽ ይገብሩ፡ ድሕሪ እዚ ተኣምር እዚ ብዙሓት እምነት ተቐበሉን ኣመኑን፡ ወንጌል ከኣ ምስቶም ወረርቲ ኣተሓሒዝካ ምርኣይ ዝነበረ ልማድ ተወገደ፡ ቅድስቲ ማርያን ዘጓዳሉፐ ሓላዊት ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ተባሂላ ከምእተሰምየት ይንገር።

14 December 2020, 15:39