ፍራንቸስኮ ብኾሮኖ ተህዋስ ምኽንያት ኣብ መራኽብ ተዓጊቶም ዝርከቡ ባሕረይናታት ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን መርከብይናታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘሕልፍዎ ዘዉዎ ጽንኵር ኵነት እናሓሰቡ መልእኽቲ ከመሓላልፉን ቅርበቶም ክገልጹን ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ምእንቲ እቶም ብምኽንያት ኾሮና ተሕዋስ ኣብ ማያት ባሕሪ ተዓጊቶም ዘለዉ ባሕረይናታት ከምዝጸለዩን ምእንታኦምን ምእንቲ እቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከቡ ሰራሕተይናታትን ምጽንናዕ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።


ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቶም ብምኽንያት ኾሮና ተህዋስ ኣብ መራኽቦም ፈቐዶ ማያት ባሕሪ ተዓጊቶም ዝርከቡ ባሕረይናታት እናሓሰቡ፥

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ለብዒ ኮሮና ተሕዋስ ብፍላይ ንባሕረይናታት ከቢድ ጸገም ከምዝፈጠረሎምን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 400 ሺሕ ዝግመቱ ባሕረይናታት ኣብ ዝጓዕዙለን ዝነበራ መራኽብ ክንየው እቲ ዝኣተውዎ ናይ ስራሕ ውዕልይታቶም ተዓጊቶም ናብ ቤቶም ንኽምለሱ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ይርከቡ ኣለዉ፡

እንክብሉ እቶም ባሕረይናታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጸገም ክሳብ ክንደይ ከቢድን መሪርን ምዃኑ ሓቢሮም፥

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮኽኮብ ማያት ባሕሪ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነት ዝርከቡን ከተጸናንዕ እልምን ናብ ቤቶም ንኽምለሱ መታን መንግስታት ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ እላበው!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣተኵሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራናንቸስኮ ንባሕረይናታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን መርከብይናታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘሕልፍዎ ዘዉዎ ጽንኵር ኵነት እናሓሰቡ መልእኽቲ ከመሓላልፉን ቅርበቶም ክገልጹን ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን።  ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንከቢድ ሓደጋ ካብ ዝተቓልዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ እቶም ኣብ ዝዓዩለን መራኽብ ተዓጊቶም ኣብ ፈቐዶ ማያት ባሕሪ ዘለዉ ባሕረይናታት ናብ ወደባት ክኣትዉን መሬት ክረግጹን ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ከምዝርከቡን ገሊጾም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ቅዋሜ  ምኽንያት ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንታኦም ክጽልየ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካብ ሊቢያ ናጻ ዝተለቁ 18 ኢጣሊያውያን ገፈፍቲ ዓሳ ሲቺሊያ ኣትዮም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሊቢያ ን 108 መዓልታት ተዓጊቶም ዝነበሩ ናይ መዲነኣን ኣንታርቲደን ናይ እተሰመያ መራኽብ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ 18 ገፈፍቲ ዓሳ ዕለት 19 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናጻ ተለቒቖም ኢጣሊያ ከምዝኣተዉን፡ ኣብ ሲቺሊያ ክፍለ ሃገር ምስ ኣተዉ ኣባይቲ ስድራኦምን ናይ ሲቺሊያ ክፍለ ሃገር ናይ መንግስቲ ህየንተን ርእሰ ክፍለ ሃገርን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ናጻ ክልቀቑ ምእንታኦምን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራኦምን ከምዝጸለዩ የዘኻኽር።

20 December 2020, 23:20